ንተነጽሎ ብኸመይ ከም እትዋጽኣሉ
ብሰንኪ ተነጽሎ፡ ጽምዋ ይስምዓካ ድዩ፧ ከምኡ ዚስምዓካ እንተ ዀይኑ፡ ከምቲ ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ መዝሙር ዝበሎ ትብል ትኸውን። ንሱ፡ “ከምታ ኣብ ናሕሲ በይና ዘላ ዑፍ ኰይነ” በለ። (መዝሙር 102:7) ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ጥበብ፡ ተነጽሎ ንዜስዕቦ ጸገማት ክትዋጽኣሉ ኺሕግዘካ ይኽእል እዩ።
ኣብ መንፈሳዊ ነገራት ኣተኵር
ሽሕ እኳ እንተ ተነጸልካ፡ መንፈሳዊ ነገራት ከም ዜድልየካ ፈሊጥካ ኸተማልኦ እንተ ጽዒርካ ኽትሕጐስ ኢኻ። (ማቴዎስ 5:3, 6) ነዚ ኸኣ፡ በዚ ዚስዕብ ብናጻ ዚርከብ መወከሲታት ጌርካ ኽትጅምሮ ትኽእል ኢኻ፦
ልክዕን ከተንብቦ ቐሊልን ዝዀነ ኣብ ኢንተርነት ዚርከብ መጽሓፍ ቅዱስ
ብዛዕባ ኣገዳሲ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ዚገልጽ ሓጸርቲ ቪድዮታት
“መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ”—እዚ ዓምዲ እዚ፡ ብዙሕ ግዜ ንዚሕተት ሕቶታት ብቐጥታ ይምልስ
“ኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ”—እዚ ዓምዲ እዚ፡ ዛንታ እቶም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ሰፊሮም ዘለዉ እሙናት ሰብኡትን ኣንስትን ኣብ ኣእምሮና ኽንስእሎ ይሕግዘና
“ተነዲፉ ድዩ፧”—እዚ ዓምዲ እዚ፡ ፍጥረት ውቁብን መስተንክርን ምዃኑ የጕልሕ
ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ዜጸናንዕ ክፋላት ኣንብብ
ትርጉም ፍጻመታት ዓለም ክትርዳእ ጽዓር
ኣምላኽ ሕማቕ ነገር ኬጋጥም ስለምንታይ ከም ዝፈቐደን ብኸመይ ከም ዜወግዶን እንተ ፈሊጥካ፡ ንዝዀነ ይኹን ኣሸጋሪ ዅነታት ብዝሓሸ መገዲ ኽትዋጽኣሉ ኢኻ።—ኢሳይያስ 65:17።
ብዘየድሊ ነገራት ኣይትጨነቕ
ነዚ ዚስዕብ ርእሰ ነገራት ዚገልጽ ዓንቀጻት፡ ተነጽሎ ንዜስዕቦ ጸቕጢ ኽትዋጽኣሉን ‘ደጊም ከይትጭነቕን’ ኪሕግዘካ እዩ።—ማቴዎስ 6:25።
ኣዕሩኽ ኣጥሪ
ዕርክነት ንኣእምሮኣውን ንስምዒታውን ጥዕናኻ ጠቓሚ እዩ። ብኣካል ክትራኸብ ኣብ ዘይትኽእለሉ ዅነታት እሞ ኸኣ፡ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ኣብ ገዛ ተዓጺኻ እንተ ኣሊኻ፡ ብቪድዮ ኮንፈረንስ ወይ ብስልኪ ዕርክነትካ ኸተደልድልን ሓደስቲ ኣዕሩኽ ከተጥርን ትኽእል ኢኻ። እዚ ዚስዕብ ዓንቀጻት፡ ዓርኪ ኽትረክብን “ናይ ሓቂ ፈታዊ” ወይ ዓርኪ ኽትከውንን ኪሕግዘካ እዩ።—ምሳሌ 17:17።
ኣካላዊ ምንቅስቓስ ግበር
መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ምውስዋስ ኣካላት” ከም ዚጠቅም ይገልጽ እዩ። (1 ጢሞቴዎስ 4:8፡ ትርጉም 1990) ብፍላይ፡ ምስ ተነጽሎ ትቃለስ እንተ ኣሊኻ፡ ንኣእምሮኣዊ ጥዕናኻ ይጠቅም እዩ። ዋላ እውን ኣብ ገዛ እንተ ተዓጸኻ፡ ክትገብሮ እትኽል ንጥፈታት ኣሎ።