ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ጸጋም፦ Olena Yefremkina/stock.adobe.com፣ ማእከል፦lunamarina/stock.adobe.com፣ የማን፦ Rido/stock.adobe.com

ንቕሑ!

ንመን ኢኻ ኽትኣምኖ እትኽእል፧—መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

ንመን ኢኻ ኽትኣምኖ እትኽእል፧—መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

 ሰባት በቶም ዚኣምንዎም ኪሕደጉ ኸለዉ ይጕህዩ እዮም። ብዙሓት ሰባት ኣብዞም ዚስዕቡ ኣካላት እምነት ይብሎምን፦

  •   መራሕቲ ፖለቲካ ኣብ ክንዲ ድሌት ሰባት ድልየቶም እዮም ዜቐድሙ።

  •   መራኸቢ ብዙሓን ዜቕርብዎ ዜና ወገናውን ዘይቅኑዕን እዩ።

  •   ተመራመርቲ ንህዝቢ ዚጠቅም ተግባር ኣይኰኑን ዚግብሩ።

  •   መራሕቲ ሃይማኖት ኣብ ክንዲ ንኣምላኽ ዚውክሉ፡ ኣብ ፖለቲካ ጥሒሎም ኣለዉ።

 ሰባት ዚእመኑ ሰባት ኣለዉዶ ኢሎም እንተ ሓሰቡ እምበኣር ልክዕ እዮም። መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዚስዕብ ብምባል የጠንቅቕ እዩ፦

  •   “ብመሳፍንቲ ዀነ፡ በቲ ኼድሕን ዘይክእል ወዲ ሰብ ኣይትተኣመኑ።”—መዝሙር 146:3

ክትኣምኖ እትኽእል ኣካል

  መጽሓፍ ቅዱስ ክትኣምኖ እትኽእል ሰብ ከም ዘሎ ይዛረብ፡ ንሱ ድማ የሱስ ክርስቶስ እዩ። ንሱ ቕድሚ ሓያሎ ዓመታት ዚነብር ዝነበረ ሕያዋይ ሰብ ጥራይ ኣይኰነን። ኣምላኽ ንየሱስ ኣንጊስዎ እዩ፣ “መንግስቱ እውን መወዳእታ የብላን።” (ሉቃስ 1:32, 33) የሱስ ንጉስ መንግስቲ ኣምላኽ እዩ፣ እታ መንግስቲ ድማ ኣብ ሰማይ ኰይና ትገዝእ ኣላ።—ማቴዎስ 6:10