ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

Anna Moneymaker/Getty Images

ንቕሑ!

ስነ ፍልጠተኛታት ንሰዓት መዓልቲ ጥፍኣት ኣቐዲሞምዋ—መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

ስነ ፍልጠተኛታት ንሰዓት መዓልቲ ጥፍኣት ኣቐዲሞምዋ—መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

 ብ24 ጥሪ 2023፡ ስነ ፍልጠተኛታት ንሰዓት መዓልቲ ጥፍኣት a ናብ ፍርቂ ለይቲ ኣቕሪቦምዋ፣ ከምኡ ዝገበሩ ድማ ናብ መወዳእታ ዓለም ከም ዝቐረብና ንምምልካት ተባሂሉ እዩ።

  •   “እታ ብምሳልያዊ መገዲ ንጥፍኣት ወዲ ሰብ እተመልክት ‘ሰዓት መዓልቲ ጥፍኣት’ ኣብ መንጎ ውግእ ዩክረይንን ኑክልየሳዊ ውጥረትን ቅልውላው ኵነታት ኣየርን፡ ኣብ ሰሉስ ናብ ፍርቂ ለይቲ ኻብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ኸም እትቐርብ ተገይራ ኣላ።”—ኤ.ኤፍ.ፒ. ኢንተርናሽናል ተክስት ዋየር።

  •   “ኣብ ሰሉስ፡ ስነ ፍልጠተኛታት ነታ ‘ሰዓት መዓልቲ ጥፍኣት’ ንፍርቂ ለይቲ 90 ኻልኢት ጐደል ገይሮምዋ ኣለዉ፣ እዚ ድማ ወዲ ሰብ ናብ ኣርማጌዶን ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ኸም እተጸግዐ የመልክት።”—ኤ.ቢ.ሲ. ኒውስ።

  •   “ጕጅለ ኣህጉራውያን ስነ ፍልጠተኛታት፡ ህልውና ወዲ ሰብ ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ኣብ ዝኸፍአ ሓደጋ ኸም ዘሎ ኣጠንቂቖም።”—ዘ ጋርድያን።

 መወዳእታ ወዲ ሰብን ምድርናን ይቐርብ ድዩ ዘሎ፧ ኣብ መጻኢ ብዛዕባ ዚኸውን ነገራት ክንፈርህ ኣሎና ድዩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

ኣብ መጻኢ እንታይ እዩ ኪኸውን፧

 መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ምድሪ . . . ንዘለኣለም ትነብር” እዩ ዚብለና፣ ብዘይካዚ ድማ፡ ሰባት “ኣብኣ . . . ንዘለኣለም ኪነብሩ እዮም” ይብለና። (መክብብ 1:4፣ መዝሙር 37:29) ስለዚ፡ ሰባት ንምድሪ ኣይኬጥፍእዋን እዮም፣ ወይ ከኣ ንምልእቲ ፕላነትና፡ ህይወታውያን ኪነብሩላ ዘይክእሉ ኣይኪገብርዋን እዮም።

 ኰይኑ ግና፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ መወዳእታ ብርግጽ ይገልጽ እዩ። ንኣብነት፡ “ዓለም . . . ትሓልፍ እያ ዘላ” ይብል እዩ።—1 ዮሃንስ 2:17

ኣወንታዊ ኣረኣእያ

 ኣብ ዓለምና ጸገማት እናሃለወ ኽነሱ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ግና ኣወንታዊ ኣረኣእያ ኽንሕዝ ይሕግዘና እዩ። ብኸመይ፧

 ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዝያዳ ምእንቲ ኽትጥቀም፡ ነቲ ብናጻ ዝቐረበ ብሓገዝ መምህር ዚግበር መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትፍትኖ ንዕድመካ።

a “ሰዓት መዓልቲ ጥፍኣት ብሓደገኛ ተክኖሎጂ ኣቢልና ንዓለምና ንምጥፋእ ክሳዕ ክንደይ ከም ዝቐረብና ንህዝቢ ንምጥንቃቕ ተባሂላ እያ ተነዲፋ። ኣብዛ ፕላነት ብህይወት ክንነብር እንተ ዄንና፡ እንታይ ሓደጋታት ከነወግድ ከም ዚግባእ እተዘኻኽር ተምሳል እያ።”—ቡለቲን ኦቭ ዘ ኣቶሚክ ሳይንቲስትስ።