ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

sinceLF/E+ via Getty Images

ንቕሑ!

ንሲቭል ሰባት መን ኬድሕኖም እዩ፧—መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

ንሲቭል ሰባት መን ኬድሕኖም እዩ፧—መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

 ብመሰረት ጸብጻብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፦

  •   ካብ 7 ጥቅምቲ ኽሳዕ 23 ጥቅምቲ 2023 ኣብ ዝነበረ እዋን፡ ብሰንኪ ግጭት ጋዛ-እስራኤል ልዕሊ 6,400 ሰባት ተቐቲሎም፡ 15,200 ድማ ቈሲሎም ኣለዉ፣ መብዛሕትኦም ከኣ ሲቭል እዮም። ኣብ ልዕሊ እዚ፡ ብኣማእታት ኣሽሓት ዚቝጸሩ ሰባት ካብ ቤቶም ተመዛቢሎም ኣለዉ።

  •   ክሳዕ 24 መስከረም 2023 ኣብ ዝነበረ እዋን፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ መንጎ ሩስያን ዩክረይንን እተገብረ ውግእ ኣብ ዩክረይን 9,701 ሲቭል ሰባት ተቐቲሎም፡ 17,748 ከኣ ቈሲሎም ኣለዉ።

 መጽሓፍ ቅዱስ ነቶም ብውግእ ሓሳረ መከራ ዚጸግቡ ዘለዉ ሰባት እንታይ ተስፋ ይህብ፧

ተስፋ እንገብረሉ ምኽንያት

 መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣምላኽ “ንውግእ ኣብ ብዘላ ምድሪ መወዳእታ ይገብረሉ” ኢሉ ይንበ እዩ። (መዝሙር 46:9) ኣምላኽ ንዅለን ሰብኣውያን መንግስትታት ብሰማያዊት መንግስቲ ኺትክአን እዩ። (ዳንኤል 2:44) መንግስቲ ኣምላኽ ከኣ ንደቂ ሰብ እፎይታ ኸተምጽኣሎም እያ።

 እቲ ንጉስ መንግስቲ ኣምላኽ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ እንታይ ከም ዚገብር ንርአ፦

  •   “ንሱስ ንዜእዊ ድኻን ረዳኢ ንዘይብሉ ትሑትን ኬናግፍ እዩ። ንትሑትን ንድኻን ኪድንግጸሎም፡ ህይወት ድኻታት ድማ ኬድሕን እዩ። ካብ ጭቈናን ካብ ዓመጻን ኬናግፎም . . . እዩ።”—መዝሙር 72:12-14

 ኣምላኽ ብመንግስቱ ኣቢሉ ነቲ ውግእን ዓመጻን ዜስዕቦ ዅሉ ጸበባን መከራን ምሉእ ብምሉእ ኬዐርዮ እዩ።

  •   “ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ፣ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን፡ ደጊም እውን ሓዘን ወይ ኣውያት ወይ ስቓይ ኣይኪኸውንን እዩ። እቲ ቐዳማይ ሓሊፉ እዩ።”—ራእይ 21:4

 ኣብ ቀረባ ግዜ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ጕዳያት ምድሪ ጣልቃ ኽትኣቱ እያ። መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ሎሚ እንርእዮ ዘለና “ውግእን ወረ ውግእን” ተነብይዎ ነይሩ እዩ። (ማቴዎስ 24:6) እዝን ካልእ ፍጻመታትን፡ ኣብቲ ኣገዛዝኣ ደቂ ሰብ ዜብቅዓሉ “ዳሕሮት መዓልትታት” ንነብር ከም ዘለና እዩ ዚሕብር።—2 ጢሞቴዎስ 3:1