ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣምላኽ ንጽሙማን ዜርእዮ ሓልዮት

ኣምላኽ ንጽሙማን ዜርእዮ ሓልዮት

 ሎሚ ኣብ ዓለም ኣስታት 70 ሚልዮን ጽሙማን ኣለዉ። መብዛሕትኦም ከኣ ካብቲ 200 ቛንቋ ምልክት ብሓዲኡ ይጥቀሙ እዮም። እቲ ዜሕዝን ግና፡ ኣብዚ ዚስዕብ ጸብጻብ ተሓቢሩ ኸም ዘሎ፡ ጽሙማን ግዳያት ግፍዒ ይዀኑ እዮም፦

  •   “መሰላት ጽሙማንን ናይ ምስማዕ ጸገም ዘለዎም ሰባትን ኣብ ብዘላ ዓለም ዕሽሽ ይብሃል እዩ።”—ሃገራዊ ማሕበር ጽሙማን (ሕ.መ.ኣ.)።

  •   “ኣብተን ኣብ ምምዕባል ዚርከባ ሃገራት ዚነብሩ ጽሙማን፡ ትምህርትን ስራሕን ሓበሬታን ብቐሊሉ ስለ ዘይረኽቡ፡ ካብ ድኻታት እቶም ዝደኸዩ እዮም።”—ፈደረሽን ጽሙማን ዓለም።

 ኣምላኽ ብዛዕባ ጽሙማን እንታይ ይስምዖ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ጽሙማን እንታይ ይብል፧ ሎሚ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንጽሙማን ብኸመይ ይሕግዝዎም ኣለዉ፧

ኣምላኽ ብዛዕባ ጽሙማን ዘለዎ ኣረኣእያ

 የሆዋ a ኣምላኽ ንጽሙማን ከም ዚሓልየሎም መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ። ፍትሓዊ ኣተሓሕዛ ኺረኽቡን ካብቲ ንሱ ዘቕረቦ ትምህርቲ ኺጥቀሙን ይደሊ እዩ።

 ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ንጸማም ኣይትርገሞ።”—ዘሌዋውያን 19:14

 ትርጉሙ፦ እቲ የሆዋ ንጥንታውያን እስራኤላውያን ዝሃቦም ሕጊ፡ ንመሰላት ጽሙማን ዚሕሉ ነበረ።

 ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ኣምላኽ ከም ዘየዳሉ ሕጂ ብሓቂ ተረዲኡኒ።”—ግብሪ ሃዋርያት 10:34

 ትርጉሙ፦ የሆዋ በበይኑ ባህልን ድሕረ ባይታን ቋንቋን ንዘለዎም ሰባት፡ እንተላይ ንጽሙማን ይሓልየሎም እዩ።

 ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ፦ “የሱስ . . . ብስራት መንግስቲ እናሰበኸ . . . ኣብ ኵሉ ኸተማታትን ኣቝሻትን ዞረ።”—ማቴዎስ 9:35

 ትርጉሙ፦ የሱስ ንሰባት ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ንምምሃር፡ ከምኡ እውን እታ መንግስቲ ንደቂ ሰብ ብሓፈሻ፡ እንተላይ ንጽሙማን እንታይ ከም እትገብር ንምሕባር እዩ ናብ ምድሪ መጺኡ።—ማቴዎስ 6:10

 ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ፦ የሱስ “ጸማማት ከም ዚሰምዑ፡ ዓባሳት ከኣ ከም ዚዛረቡ ገይሩ።”—ማርቆስ 7:37

 ትርጉሙ፦ የሱስ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ንጽሙማን ኣእዛኖምን ኣፎምን ብምኽፋት እንታይ ከም እትገብረሎም እዩ ኣርእዩ። ኣብዚ ኣጋጣሚ እዚ፡ ንሓደ ጽሙም ከም ዚሰምዕን ከም ዚዛረብን ቅድሚ ምግባሩ፡ ብምልክት ገይሩ ተዛረቦ።—ማርቆስ 7:31-35

 ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ኣእዛን ጸማማት . . . ጋህ ኪብላ እየን።”—ኢሳይያስ 35:5

 ትርጉሙ፦ ጽሙማን ኣብ መጻኢ ኺሰምዑ ኸም ዚኽእሉ፡ የሆዋ ተነብዩ እዩ።—ኢሳይያስ 29:18

ሎሚ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንጽሙማን ዚገብሩሎም ሓገዝ

 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ኻብ ኣምላኽ ዝመጸ መልእኽቲ ተስፋ ኣብ ብዘላ ዓለም ንዘለዉ ጽሙማን ይነግርዎም ኣለዉ። እሞኸ ኣብዚ መዳይ እዚ እንታይ ንገብር ኣለና፧ ብልዕሊ 100 ቛንቋ ምልክት፡ መጽሓፍ ቅዱስን መጽሓፍ ቅዱስ ንምጽናዕ ዚሕግዝ ቪድዮታትን ነዳሉ ኣለና። ብዘይካዚ፡ ብቛንቋ ምልክት ዚቐርብ ትምህርትን ክርስትያናዊ ኣኼባታትን ንውድብ ኣለና። ነዚ ዅሉ ኸኣ፡ ካብ ኣምላኽ ሓገዝ ንዚደሊ ዘበለ ብዘይ ክፍሊት ኢና እነቕርበሉ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ የሱስ፡“ብናጻ ተቐቢልኩም ኢኹም እሞ፡ ብናጻ ሃቡ” ኢሉ ኣዚዙና እዩ።—ማቴዎስ 10:8

 ነዚ ድማ ኣብ ኦንላይን ክትረኽቦ፡ ወይ ከኣ ካብዚ ዚስዕብ ናብ ሞባይልካ ወይ ናብ ታብለትካ ኸተራግፍ ትኽእል ኢኻ፦

 JW.ORG። ብሓደ ቛንቋ ምልክት ሓበሬታ ንምርካብ፡ ኣብ ላዕሊ ኣብቲ ንቛንቋ ዜመልክት ምስሊ ጠውቕ።

 ኣፕሊኬሽን JW Library Sign Language ኣብ ሞባይልካ ወይ ኣብ ታብለትካ ነዚ ናጻ ዝዀነ ኣፕ ጽዓን እሞ ቪድዮታት ቋንቋ ምልክት ከተራግፍ ወይ ክትርኢ ትኽእል ኢኻ።

መጽሓፍ ቅዱስ ንምምሃር ዜግልግል እንታይ ናውቲ ኢና ኣዳሊና ዘለና፧

 ብቛንቋ ምልክት እተዳለወ መጽሓፍ ቅዱስ። ብቛንቋ ምልክት ኣመሪካ እተዳለወ መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም፡ ኣብ ዓለም ብቛንቋ ምልክት ምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ እተዳለወሉ ናይ መጀመርታ ቛንቋ እዩ። ሕጂ ትርጉም ሓዳስ ዓለም ብምሉእ ወይ ብኸፊል ብብዙሕ ቋንቋታት ምልክት ተዳልዩ ኣሎ፣ ኣብ ዓዓመት ከኣ ብዙሕ ቋንቋታት ይውሰኽ ኣሎ። (ዝርዝር እቲ ቛንቋታት ወይ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ኦንላይን ንምርኣይ፡ “ ብቛንቋ ምልክት እተዳለወ ትርጉም ሓዳስ ዓለም ዘርእስታ ሳጹን ርአ።”)

  •   መጽሓፍ ቅዱስ ብቛንቋ ምልክት ኣብ ዚዳለወሉ እዋን እንታይ ዕዮ ኸም ዚዕየ ንምፍላጥ፡ The Complete New World Translation Is Available in ASL ዘርእስታ ቪድዮ ርአ።

  •   ኣብ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ምእንቲ ኺሕግዘካ፡ ኣፕሊኬሽን JW Library Sign Language ጽዓን። እዚ ኣፕ እዚ፡ ብቛንቋ ምልክት ኣብ እተዳለወ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ዝደለኻዮ ፍቕድታት ክትርኢ የኽእለካ እዩ።

  •   ድሚትሮን ቪታን ጽሙማን ወለዲ እዮም፣ ደቆም ከኣ ኪሰምዑ ይኽእሉ እዮም። እዞም ስድራ እዚኦም፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብቛንቋ ምልክት ብምርኣይ ብኸመይ ከም ዚጥቀሙ ርአ።

 ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር ቪድዮታት። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብቛንቋ ምልክት ቪድዮታት ኣዳልዮም ኣለዉ። እዚ ቪድዮታት እዚ ዚህቦ ግብራዊ ምኽሪ መጽሓፍ ቅዱስ ነዞም ዚስዕቡ ጕጅለታት ይኸውን እዩ፦

 በብውልቂ ዚግበር ኣሳታፊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ። ብውልቂ ብዚምህረካ መምህር እናተሓገዝካ ብቛንቋ ምልክት መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ተምሃር። እዚ ብናጻ ዚግበር ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከመይ ምዃኑ ንምፍላጥ ሕተት

 ጄሰን ሰናሆኖን ኣብ ፊሊፒንስ እዩ ዚነብር። ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ኣምላኽ ናይ ቀረባ ዕርክነት ንምምዕባል ብኸመይ ከም ዝሓገዞ ርአ።

 ማርዮ ኣንቱነዝ ኣብ ሆንዱራስ ዚነብር ቀሺ እዩ ነይሩ። “መልሲ ዘይረኸብኩሉ ብዙሕ ሕቶታት ነይሩኒ” ኣብ ዘርእስታ ዓንቀጽ ታሪኹ ኼዘንቱ ኸሎ፡ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ንዝነበሮ ሕቶታት ብኸመይ መልሲ ኸም ዝረኸበሉ ርአ።

 ኣኼባታት። ኣብ ብዘላ ዓለም፡ ጽሙማን ኣብ ሰሰሙን ተኣኪቦም ዚምሃሩሉን ኣምልኾ ዜካይዱሉን ጉባኤታትን ጕጅለታትን ምልክት ቋንቋ ኣሎና። ኣብ ዓዓመት ከኣ፡ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚቐርበሉ ብቛንቋ ምልክት ዚግበር ዓበይቲ ኣኼባታት ነዳሉ ኢና። ኣብቲ ኣኼባታትና፡ ነቶም ጽሙማንን ዕዉራትን ዝዀኑ ሰባት ኣብ ኢዶም ምልክት ብምግባር ንምህሮም ኢና። ብብረይል ዚዳሎ ጽሑፋት እውን ብዘይ ክፍሊት ነዳሉ ኢና።

 ሆሴ ሉዊስ ኣያላ ኣብ መክሲኮ እዩ ዚነብር። ንሱ ጽሙም ኰይኑ እዩ ተወሊዱ፣ ደሓር ድማ ዓዊሩ። እንተዀነ ግና፡ ከመይ ገይሩ ንፉዕ መምህር መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዝዀነ ርአ።

a የሆዋ ብሕታዊ ስም ኣምላኽ እዩ። (መዝሙር 83:18) “የሆዋ መን እዩ” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።