ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

mustafahacalaki/DigitalVision Vectors via Getty Images

ንቕሑ!

ኣርቲፊሻል ኢንተሊጀንስ—በረኸትዶ መርገም፧—መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

ኣርቲፊሻል ኢንተሊጀንስ—በረኸትዶ መርገም፧—መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

 ኣብዚ ቐረባ ግዜያት፡ መራሕቲ ዓለምን ስነ ፍልጠተኛታትን ተክኖሎጅየኛታትን ብዛዕባ እቲ ኣርቲፊሻል ኢንተሊጀንስ (ኤ.ኣይ.) ወይ ሰብ ዝሰርሖ ኣእምሮ ዘለዎ ዓቕሚ ርእይቶኦም ሂቦም እዮም። ኣብቲ ርእይቶኦም ድማ፡ ጠቓሚ ኪኸውን ከም ዚኽእል እኳ እንተ ገለጹ፡ ንኽፉእ ዕላማ ኺውዕል ከም ዚኽእል እውን ስግኣቶም ገሊጾም እዮም።

  •   “ኤ.ኣይ. ሓደ ኻብቲ ንህይወት ሰባት ኬመሓይሽ ተኽእሎ ዘለዎ ኣብዚ ግዜና ዘሎ ሓያል ተክኖሎጂ እዩ። . . . ምስናይዚ ግና፡ ንጸጥታን ንድሕንነትን ኣመና ዜስግእ፡ ሲቪላዊ መሰላት ዚጥሕስ፡ ኣብ ብሕታዊ ጕዳያት ዚኣቱ፡ ነቲ ሰባት ኣብ ዲሞክራሲ ዘለዎም እምነት እውን ዜዳኽም ኪኸውን ይኽእል እዩ።”—ካማላ ሃሪስ፡ ምክትል ፕረዚደንት ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ፡ 4 ግንቦት 2023።

  •   “ኣርቲፊሻል ኢንተሊጀንስ (ኤ.ኣይ.) ኣብቲ ኣብ ክንክን ጥዕና ዘምጽኦ ፍታሓት ትስፉው መጻኢ እኳ እንተ ኣለዎ፡ ንጥዕና ሰብ ዜስግእ ነገራት ግና ኣለዎ።”—ብዶ/ር ፍረደሪክ ፊደርስፒል እተመርሐ ጕጅለ ሓካይምን ክኢላታት ሰብ ሞያ ጥዕናን ብ9 ግንቦት 2023 ኣብ ቢ.ኤም.ጂ. ግሎባል ሄልዝ ዘውጽኦ ጽሑፍ። a

  •   “ኤ.ኣይ. ግጉይ ሓበሬታ ንምዝርጋሕ ዜገልግል መሳርሒ ንምዃን ዜኽእል ዓቕሚ ኼጥሪ ኽኢሉ ኣሎ። ኣብ ቀረባ ግዜ፡ ሽቕለት ኣልቦነት ኪፈጥር ይኽእል እዩ። ኣብ ተክኖሎጂ ዚነጥፉ ሰባት፡ ኣብ መጻኢ ንደቂ ሰብ ዜስግእ ከይከውን ኣመና የሻቕሎም እዩ።”—ዘ ኒው ዮርክ ታይምስ፡ 1 ግንቦት 2023።

 ኣርቲፊሻል ኢንተሊጀንስ እንተ ንጽቡቕ እንተ ንሕማቕ ኣብ ምንታይ መዓላ ኸም ዚውዕል፡ ግዜ ዚምልሶ ጕዳይ እዩ። ዝዀነ ዀይኑ፡ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

ሰብኣዊ ጻዕርታት ስግኣት ዚፈጥር ስለምንታይ እዩ፧

 መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሰባት ዚገብርዎ ተክኖሎጅያዊ ምዕባለታት ኣብ ጽቡቕ መዓላ ጥራይ ዘይውዕለሉ ምኽንያት ይገልጸልና እዩ።

  1.  1. ሰባት ካብ ጽቡቕ ሃቐና ተላዒሎም ሓደ ነገር ኪገብሩ ኸለዉ እኳ፡ ነቲ ናይ መጻኢ ኣሉታዊ ሳዕቤናቱ ግና ከይርድእዎ ይኽእሉ እዮም።

    •   “ንሰብ ቅንዕቲ እትመስሎ መገዲ ኣላ፣ ኣብ መወዳእታ ግና ናብ ሞት ትመርሕ።”—ምሳሌ 14:12

  2.  2. ሓደ ሰብ ነቲ ዝመሃዞ ነገራት፡ ካልኦት ብኸመይ ከም ዚጥቀሙሉ ኺቈጻጸሮ ኣይክእልን እዩ።

    •   “[ኵሉ ዕዮይ] ነቲ ብድሕረይ ዚመጽእ ሰብ ክሓድገሉ እየ። . . . ንሱኸ ጥበበኛ ወይስ ዓሻ ኪኸውን ምዃኑ መን ይፈልጥ፧ ኰይኑ ግና፡ ንዅሉ እቲ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ከጥርዮ ኢለ ብዙሕ ዝጸዓርኩሉን እተጣበብኩሉን ነገራት ኪቈጻጸሮ እዩ።”—መክብብ 2:18, 19

 እዚ ስግኣታት እዚ ድማ፡ ካብ ፈጣሪና ስለምንታይ መምርሒ ኸም ዜድልየና የጕልሓልና።

ብመን ኢና ኽንተኣማመን እንኽእል፧

 ፈጣሪና፡ ደቂ ሰብ ኰኑ ንሳቶም ዚምህዝዎ ተክኖሎጂ ንምድሪ ወይ ንደቂ ሰብ ኬጥፍኡ ኸም ዘይፈቅድ ገሊጹ ኣሎ።

  •   “ምድሪ . . . ንዘለኣለም ትነብር።”—መክብብ 1:4

  •   “ጻድቃን ንምድሪ ኺርስተይዋ፡ ኣብኣ እውን ንዘለኣለም ኪነብሩ እዮም።”—መዝሙር 37:29

 ፈጣሪና ብመጽሓፍ ቅዱስ ኣቢሉ ናብ ሰላማውን ውሑስን መጻኢ ዚመርሕ መምርሒ ሂቡና ኣሎ። መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ከም ዚብል ንምፍላጥ፡ “ውሑስ መጻኢ ንምርካብ ዜተኣማምን መምርሒ ኣሎዶ፧” ዘርእስታ ዓንቀጽን “ኣብዚ ቐረባ ግዜ ዚፍጸም ናይ ሓቂ ተስፋ” ዘርእስታ ዓንቀጽን ኣንብብ።

a ፍረደሪክ ፊደርስፒል፡ ሩት ሚቸል፡ ኣሻ ኣሶካን፡ ካርሎስ ኡማና፡ ዴቪድ ማክኮይ ካብ ዝጸሓፍዋ “Threats by Artificial Intelligence to Human Health and Human Existence” ዘርእስታ ዓንቀጽ እተወስደ።