ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

Yan Zabolotnyi/stock.adobe.com

ንቕሑ!

ኣብ ብዘላ ዓለም ጥሕሰት ሕጊ ይበዝሕ ኣሎ—መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

ኣብ ብዘላ ዓለም ጥሕሰት ሕጊ ይበዝሕ ኣሎ—መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

 ኣብ ሀይቲ፡ ዓመጻ ዓዋሉ ዓብሊሉ ኣሎ። ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃን ኣብ መክሲኮን ኣብ ካልኦት ሃገራት ላቲን ኣመሪካን ድማ ዓመጻ በዚሑ ኣሎ። ኣብቲ ኻብ ገበን ደሓን ዝዀነ ቦታታት እውን ከይተረፈ፡ ንብረት ይስረቕን ይዓኑን ከም ዘሎ ወረ ስለ ዚስማዕ፡ ሰባት ቅሳነት ስኢኖም ኣለዉ።

 ኣብ ብዘላ ዓለም ብዛዕባ ዜጋጥም ዘሎ ጥሕሰት ሕጊ፡ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ጥሕሰት ሕጊ

 ጥሕሰት ሕጊ፡ ሓደ ኻብቲ “መደምደምታ እቲ ስርዓት” ከም ዝኣኸለ ዚሕብር ምልክት ኪኸውን ምዃኑ መጽሓፍ ቅዱስ ተነብዩ ነይሩ እዩ። (ማቴዎስ 24:3) የሱስ ክርስቶስ ገለ ኻብቲ ምልክት ኪጠቅስ ከሎ ኸምዚ በለ፦

  •   “ጥሕሰት ሕጊ ስለ ዚበዝሕ ድማ፡ ናይ መብዛሕትኦም ፍቕሪ ኽትዝሕል እያ።”—ማቴዎስ 24:12

 ብተወሳኺ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት” ሰባት፡ “ርእሶም ዘይገትኡ፡ ጨካናት፡ ሰናይ ዘይፈትዉ” ኸም ዚዀኑ ተነብዩ እዩ። (2 ጢሞቴዎስ 3:1-5) እዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ናይ ንርእሰይ ይጥዓመኒ ባህርያት ከኣ ነዚ ሎሚ እንርእዮ ዘለና ጥሕሰት ሕጊ ኣበርክቶ ይገብር እዩ።

 ተስፋ ግና ኣሎና። ኣብ ቀረባ ግዜ ጥሕሰት ሕጊ ኸም ዚውገድ መጽሓፍ ቅዱስ ተስፋ ይህብ እዩ።

  •   “ድሕሪ ቝሩብ፡ እኩያት ኣይኪህልዉን እዮም፣ ኣብቲ ዝነበሩሉ ኽትደልዮም ኢኻ፣ ኣብኡ እውን ኣይኪህልዉን እዮም። ዓቃላት ግና ንምድሪ ኺርስተይዋ እዮም፣ ብብዝሒ ሰላም ከኣ ኣዝዩ ደስ ኪብሎም እዩ።”—መዝሙር 37:10, 11

 ብዛዕባ እቲ ተስፋ ዚህብ መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዝያዳ ምእንቲ ኽትፈልጥን እዚ ሎሚ እንርእዮ ዘሎና ፍጻመታት መፈጸምታ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ ምዃኑ ምእንቲ ኸተረጋግጽን ነዚ ዚስዕብ ዓንቀጻት ርአ።

 ኣብዚ ቐረባ ግዜ ዚፍጸም ናይ ሓቂ ተስፋ

 ምልክት ‘ዳሕሮት መዓልትታት’ እንታይ እዩ፧

 መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኣተሓሳስባን ተግባራትን ሎሚ ዘለዉ ሰባት ተነብዩ ነይሩ ድዩ፧