ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

fcafotodigital/E+ via Getty Images

ኣትክልቲ ጥራይ ምምጋብ—መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

ኣትክልቲ ጥራይ ምምጋብ—መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

 ኣብ መላእ ዓለም፡ ኣትክልቲ ጥራይ ምምጋብ ዚብልዎ ሓሳብ ብብዙሓት ሰባት ተቐባልነት ይረክብ ኣሎ።

  •   “እዞም ኣትክልቲ ጥራይ ዚምገቡ ሰባት፡ ብእተኻእለ መጠን ብኣተሓሳስባኦምን ብኣነባብራኦምን ንእንስሳታት ኣይጐድኡን፣ ወይ ንምግቢ፡ ንኽዳውንቲ ወይ ንኻልእ ዕላማ ኣይጥቀምሎምን እዮም።”—ዘ ቨጋን ሶሳይቲ።

 ገሊኦም ሰባት ነዚ ኣነባብራ እዚ ዚስዕቡ፡ ንእንስሳታት ዘለዎም ሓልዮት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ጥዕናኦምን ኣከባብን ንምምሕያሽ ወይ ሃይማኖታዊ ጕዳያት ስለ ዜገድሶም እውን እዩ።

  •   “እዚ ኣትክልቲ ጥራይ ምምጋብ ዚብልዎ ሓሳብ፡ ካብ ካልእ ዓይነት ኣመጋግባ እተፈልየ እዩ፣ ከመይሲ፡ መብዛሕትኡ ግዜ፡ ሰባት ነዚ ኸም እምነት፡ ከም ስነ ምግባራዊ ምርጫ ኸምኡ እውን ዝሓሸ ዓለም ከም ዜምጽእ ገይሮም እዮም ዚርእይዎ።”—ብሪታኒካ ኣካዳሚክ።

 ኣትክልቲ ጥራይ ምምጋብ ዚብልዎ ሓሳብ፡ ንምድርና ዝሓሸ መጻኢ ኸም ዚህልዋ ኺገብር ይኽእልዶ፧ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

ፈጣሪና ንደቂ ሰባትን ንእንስሳታትን ዘለዎ ኣረኣእያ

 መጽሓፍ ቅዱስ፡ እቲ ፈጣሪና ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ፡ a ሰባት ካብ እንስሳታት ከም ዚበልጹ ገይሩ ኸም ዚርእዮም ይሕብር፣ ቢዚ ድማ እዩ ንእንስሳታት ኪገዝእዎም ስልጣን ዝሃቦም። (ዘፍጥረት 1:27, 28) ብዘይካዚ፡ ኣምላኽ፡ ሰባት ንእንስሳታት ኪበልዑ ፈቒዱሎም እዩ። (ዘፍጥረት 9:3) እንተዀነ ግና፡ ኣምላኽ እንስሳታት ብዘይ ግቡእ ኪትሓዙ ኣይደልን እዩ።—ምሳሌ 12:10

 ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ስጋ ምብላዕ ወይ ዘይምብላዕ ናይ ብሕቲ ምርጫ እዩ። b ብዛዕባ እዚ እንገብሮ ምርጫ ድማ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብሉጻት ኣይገብረናን እዩ። (1 ቈረንቶስ 8:8) ሓደ ሰብ ነቲ ኻልእ ሰብ ብዛዕባ ምግቢ ዘለዎ ምርጫ ኺነቕፎ የብሉን።—ሮሜ 14:3

ዝሓሸ መጻኢ

 መጽሓፍ ቅዱስ፡ እቲ እንመርጾ ኣነባብራ ኣብ ዓለም ንዘሎ ጸገማት ከም ዘየወግዶ ይገልጽ እዩ። መብዛሕትኡ ኣብ ዓለም ዘሎ ጸገማት፡ ብምኽንያት እቲ ማንም ኬዐርዮ ዘይክእል ፖለቲካዊ፡ ማሕበራዊ፡ ቍጠባዊ ዝመጸ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፦

 ፈጣሪና ነቲ ዜጋጥመና ዘሎ ጸገማት ኪፈትሖ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ምሳልያዊ ኣዘራርባ ተጠቒሙ ኣምላኽ እንታይ ከም ዚገብር ይገልጽ።

  •   “እቲ ቐዳማይ ሰማይን እታ ቐዳመይቲ ምድርን ሓሊፎም፡ ባሕሪ እውን ደጊም የልቦን እሞ፡ ሓድሽ ሰማይን ሓዳስ ምድርን ረኣኹ።”—ራእይ 21:1

 ኣምላኽ ንሰብኣውያን መንግስትታት ወይ ነቲ “ቐዳማይ ሰማይ” ብ“ሓድሽ ሰማይ፡” ማለት ብሰማያዊት መንግስቲ ኣምላኽ ኪትክኦ እዩ። እታ መንግስቱ ነታ “ቐዳመይቲ ምድሪ፡” ማለት ንእኩያት ሰባት ከተጥፍኦም፣ ኣብ ልዕሊ እታ “ሓዳስ ምድሪ” ወይ ኣብ ልዕሊ እቶም ንስልጣኑ ብፍቓዶም ዚግዝኡ ድማ ክትገዝእ እያ።

 ሰባት ምስ እንስሳታትን ምስ ኣከባብን ብኸመይ ፍጹም ብዝዀነ መገዲ ኸም ዚነብሩ ዚምሃሩ፡ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት መንግስቲ ኣምላኽ ጥራይ እዮም።—ኢሳይያስ 11:6-9

a የሆዋ ብሕታዊ ስም ኣምላኽ እዩ።—መዝሙር 83:18

b መጽሓፍ ቅዱስ ‘ካብ ደም ክንርሕቕ’ ይእዝዘና እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 15:28, 29) እዚ ደም ክንሰቲ ወይ ደሙ ዘይፈሰሰ ስጋ ኽንበልዕ ከም ዘይብልና የመልክት እዩ። ብዘይካዚ እውን፡ ደም እተሓወሶ ምግቢ ኽንበልዕ የብልናን።