ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

TheCrimsonMonkey/E+ via Getty Images

ኣከባብያዊ ጸገማት—መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ ክትገብር እያ፧

ኣከባብያዊ ጸገማት—መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ ክትገብር እያ፧

 “ከቢድ ክሊማዊ ጸገማት ንሰባትን ንኸተማታትን ንመንበሪ ፍጥረታትን ኣብ ሓደጋ ኣእትይዎ ኣሎ። ብሰንኪ ክሊማዊ ምቅይያር ዚስዕብ ዘሎ ብርቱዕ ህቦብላ፡ ኣዕናዊ እናዀነ ይኸይድ ኣሎ፣ ኣብ መላእ ዓለም ንዚርከብ ኣባይትን ጥሪትን ከኣ የጥፍእ ኣሎ። ኣብ ኣከባብያዊ ውቅያኖሳት ዚነብሩ ፍጥረታት ሓደገኛ ዋዒ የጋጥሞም ኣሎ፡ ከም ሳዕቤኑ ድማ ብዙሓት ሓሸራታት ኪጠፍኡ ይኽእሉ እዮም።—ኢነር ኣነርሰን፡ ኣብ ትሕቲ ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ፈጻሚ ዳይረክተር መደብ ኣከባብያዊ ውድብ ሕቡራት፡ 25 ሓምለ 2023።

 መንግስትታት ንዓለምለኻዊ ጸገማት ብሓባር ኰይነን ፍታሕ ኪገብራሉ ይኽእላ ድየን፧ ነባሪ ፍታሕ ኪረኽባሉኸ ዓቕሚ ኣለወን ድዩ፧

 መጽሓፍ ቅዱስ ንኣከባብያዊ ጸገማት ምድርና ብዛዕባ ኽትፈትሕ እትኽእልን እትፈትሕን መንግስቲ ይገልጽ እዩ። “ኣምላኽ ሰማይ” ንብምልእቲ ምድሪ እተመሓድር መንግስቲ ኸም ዜቕውም ድማ ይዛረብ እዩ። (ዳንኤል 2:44) ኣብ ትሕቲ እታ መንግስቲ፡ ሰባት ንሓድሕዶም ኰነ ንምድሪ “ኣይኪጐድኡን ወይ ኣይኬጥፍኡን እዮም።”—ኢሳይያስ 11:9