ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

Photo by Zhai Yujia/China News Service/VCG via Getty Images

ንቕሑ!

ኣዕናዊ ምዕልቕላቕ ማይ—መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

ኣዕናዊ ምዕልቕላቕ ማይ—መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

 ኣብ ብዘላ ዓለም፡ ኣዕናዊ ምዕልቕላቕ ማይ የጋጥም ኣሎ። ገለ ጸብጻባት እስከ ንርአ፦

  •   “ኣብ ዝሓለፋ ሒደት መዓልትታት ጥራይ፡ ኣብ ርእሲ ኸተማ ቻይና ኣብ ዝሓለፈ 140 ዓመት ተራእዩ ዘይፈልጥ ብርቱዕ ዝናም ዘኒሙ። . . . ካብ ቀዳም ክሳዕ ረቡዕ 744.8 ሚሊ ሜተር (29.3 ኢንች) ዝዓቐኑ ዝናም ተመዝጊቡ።”—ዜና ኤ.ፒ.፡ 2 ነሓሰ 2023።

  •   “ህቦብላ ካኑን ሓሙስ እውን ንኻልኣይ ሳዕ ከቢድ ዝናምን ብርቱዕ ንፋስን ናብ ደቡባዊ ጃፓን ኣምጺኡ፣ ብሰንኩ ኸኣ እንተ ወሓደ ኽልተ ሰባት ሞይቶም። . . . እቲ ህቦብላ እቲ፡ ኣብቲ ኣኽራን ዝበዝሖ ማእከላይ ታይዋን 0.6 ሜተር (2 ጫማ) ዝዓቐኑ ዝናም ኬምጽእ ትጽቢት ይግበረሉ።”—ዶቸ ቨለ፡ 3 ነሓሰ 2023።

  •   “ኣብ ቀዳመ ሰንበት [ኣብ ኖቫ ስኮሻ] ዘጋጠመ ምዕልቕላቕ ማይ፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ ዞባ ኣትላንቲክ ካናዳ ኣብ 50 ዓመት ተራእዩ ዘይፈልጥ ኣዝዩ ብርቱዕ ዝናም እዩ ተኸሲቱ።”—ዜና ቢ.ቢ.ሲ.፡ 24 ሓምለ 2023።

 መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ ፍጻመታት እዚ እንታይ ይብል፧

ምልክት “ዳሕሮት መዓልትታት”

 መጽሓፍ ቅዱስ ኣብቲ “ዳሕሮት መዓልትታት” ተባሂሉ ዚፍለጥ እዋን ንነብር ከም ዘለና ይገልጽ እዩ። (2 ጢሞቴዎስ 3:1) የሱስ እውን ኣብ ግዜና “መፍርህታት” ከም እንርኢ ተነብዩ ነይሩ እዩ። (ሉቃስ 21:11) ለውጢ ክሊማ ነዚ ብተለዋዋጥነቱን ብጻዕቑን ብብርታዐኡን እናገደደ ዚኸይድ ዘሎ ዅነታት ኣየር ኣበርክቶ ገይሩ እዩ።

ተስፋ እንገብረሉ ምኽንያት

 መጽሓፍ ቅዱስ እዚ ሎሚ ኣብ ምድርና እንርእዮ ዘለና ዜፍርህ ተርእዮታት፡ ተስፋ እንገብረሉ ምኽንያት ከም ዚህበና ይነግረና እዩ። ብኸመይ፧ የሱስ፡ “እዚ ኪኸውን ምስ ረኣኹም፡ መንግስቲ ኣምላኽ ምቕራባ ፍለጡ” ኢሉ ነይሩ እዩ።—ሉቃስ 21:31፣ ማቴዎስ 24:3

 እዚ ሕጂ ኼጋጥም እንርእዮ ዘለና ፍጻመታት፡ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ቀረባ ግዜ ንናይ ምድሪ ተፈጥሮኣዊ ሓይልታት፡ ንዑደት ማይ እውን ከይተረፈ ምሉእ ብምሉእ ክትቈጻጸሮ ምዃና ዚሕብር እዩ።—እዮብ 36:27, 28፣ መዝሙር 107:29

 መንግስቲ ኣምላኽ ንምድሪ ብኸመይ ከም እትሕድሳ ብዝያዳ ምእንቲ ኽትፈልጥ፡ “ንምድሪ ዜድሕና መን እዩ፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።