ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

kovop58/stock.adobe.com

ንቕሑ!

ኦሎምፒክ ናይ ሓቂ ሓድነት ኬምጽእ ይኽእልዶ፧—መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

ኦሎምፒክ ናይ ሓቂ ሓድነት ኬምጽእ ይኽእልዶ፧—መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

 ኣብ እዋን ኦሎምፒክ 2024፡ ነቲ 206 ሃገራት ዚሳተፋሉ ውድድር፡ ዳርጋ ሓሙሽተ ቢልዮን ሰባት ከም ዚከታተልዎ ይግመት። ታመስ ባክ እተባህለ ፕረዝደንት ዓለምለኸ ኮሚተ ኦሎምፒክ፡ “ንሕና ኽፍሊ እዚ ዓለምለኻዊ ሰላም ዜምጽእ ፍጻመ ኢና። ካብ እተፈላለየ ድሕረ ባይታ እኳ እንተ መጻእና፡ ናይ ሰላም መንፈስ ሒዝና ብሓድነት ነዚ ኦሎምፒክ ንጸንብሎ” በለ።

 ኦሎምፒክ ነዚ ልዑል ሸቶ ኺወቅዕ ይኽእልዶ ይኸውን፧ ሰላምን ሓድነትን ብሓቂ ኺርከብ ይከኣል ድዩ፧

ምንጪ ሰላምን ሓድነትን እንታይ እዩ፧

 ናይ ሎሚ ዓመት ኦሎምፒክ፡ ስፖርታዊ ኸም ዝዀነ ጥራይ ጌርካ ዝርአ ኣይኰነን። እቲ ውድድር ንሰባት ብማሕበራውን ፖለቲካውን ጕዳይ ዚኸፋፍሎም ምዃኑ ተርኣዩ እዩ። እዚ ድማ ሰብኣዊ መሰላት፡ ዓሌታውነት፡ ሃይማኖታዊ ኣድልዎ፡ ዘይማዕርነት ዜጠቓልል እዩ።

 ከም ኦሎምፒክ ዝኣመሰለ ዓለምለኻዊ ስፖርት የዘናግዕ እዩ። እንተዀነ ግና፡ ኣብ ከምዚ ዓይነት ፍጻመታት፡ ነባሪ ሰላምን ሓድነትን ኣብ ክንዲ ዚሰፍን፡ ናይ ምክፍፋል ዝንባለን ተግባራትን እዩ ዚንጸባርቕ።

 መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሓድነት ዜስፍን ዝንባለ ከም ዘይህሉ ተነብዩ ነይሩ እዩ። (2 ጢሞቴዎስ 3:1-5) ብዛዕባ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ ዝያዳ ኽትፈልጥ እንተ ደሊኻ፡ ነታ “መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኣተሓሳስባን ተግባራትን ሎሚ ዘለዉ ሰባት ተነብዩ ነይሩ ድዩ፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ኣንብባ።

ዓለምለኻዊ ናይ ሓቂ ሰላምን ሓድነትን

 መጽሓፍ ቅዱስ፡ ተስፋ ናይ ሓቂ ዓለምለኻዊ ሰላምን ሓድነትን ዝሓዘ እዩ። ኵሎም ሰባት ኣብ ትሕቲ ግዝኣት እታ “መንግስቲ ኣምላኽ” እትብሃል ሰማያዊት መንግስቲ፡ ሓድነት ከም ዚህልዎም እውን ኣተስፍዩ እዩ።—ሉቃስ 4:43፣ ማቴዎስ 6:10

 ንጉስ እታ መንግስቲ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ፡ ዓለምለኻዊ ሰላም ኬምጽእ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፦

  •   “ጻድቕ ኪዕምብብ፡ . . . ሰላም [ከኣ] ኪበዝሕ እዩ።”—መዝሙር 72:7

  •   “ንሱስ ንዜእዊ ድኻን ረዳኢ ንዘይብሉ ትሑትን ኬናግፍ እዩ። ካብ ጭቈናን ካብ ዓመጻን ኬናግፎም . . . እዩ።”—መዝሙር 72:12, 14

 ሎሚ እውን፡ ትምህርትታት የሱስ ኣብ 239 ንዚርከቡ ብሚልዮናት ዚቍጸሩ ሰባት ሓድነት ከም ዚህልዎም ይገብር ኣሎ። ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ከም ክርስትያናት መጠን ሰላማውያን ኪዀኑ ይምሃሩ እዮም። ብኸመይ ከም ዚምሃሩ ኽትፈልጥ እንተ ደሊኻ፡ ነታ “ንዓንኬል ጽልኢ ምስባሩ” ዘርእስታ ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ኣንብባ።