ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

Ahmad Gharabli/AFP via Getty Images

ንቕሑ!

ምዝባዕ ኵነታት ኣየር ካብ ዜስዕቦ መዓት ንምምላጥ ሃገራት ይተሓባበራ ደዀን ይዀና፧—መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

ምዝባዕ ኵነታት ኣየር ካብ ዜስዕቦ መዓት ንምምላጥ ሃገራት ይተሓባበራ ደዀን ይዀና፧—መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

 ሰንበት 20 ሕዳር 2022 ዋዕላ ለውጢ ዅነታት ኣየር ውድብ ሕቡራት ሃገራት (COP27) ተዛዘመ። ኣብቲ ዋዕላ እቲ፡ ንተጠቃዕቲ ሃገራት ንምድጋፍ ዜኽእል ታሪኻዊ ውዕል ተኸቲሙ ኣሎ። ብመሰረት እዚ ውዕል እዚ፡ ነቲ ለውጢ ዅነታት ኣየር ዜስዕቦ ጕድኣት ዚኽሕስ ፋይናንሳዊ ደገፍ ዚውሃብ እኳ እንተ ዀነ፡ ሱር እቲ ጸገም ከም ዘይተፈትሐ ግና ብዙሓት ይፈልጡ እዮም።

  •   ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተሬዝ ብ19 ሕዳር 2022፡ “ማዕከን ክሳራን ጕድኣትን ንምምስራት እተገብረ ውሳነ ኣሐጒሱኒ እዩ” በለ። ብዘይካዚ ግና፡ “እዚ እኹል ዘይምዃኑ ንጹር እዩ። . . . ፕላነትና ገና ህጹጽ ሓገዝ የድልያ ኣሎ” በለ።

  •   “ዓለም ኣብ ጫፍ እቲ ዅነታት ኣየር ዜስዕቦ መዓት እያ በጺሓ ዘላ።”—ሜሪ ሮቢንሰን፡ ፕረዚደንት ኣይርላንድ ነበርን ላዕለዋይ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ው.ሕ.ሃ. ነበርን፡ 20 ሕዳር 2022።

 ምናዳ መንእሰያት ብዛዕባ መጻኢ ፕላነትና ይጭነቑ እዮም። እሞ ደኣ ነቲ ዅነታት ኣየር ዜስዕቦ ጸገማት ንምፍታሕ ሃገራት ኪተሓባበራን ቃለን ኪሕልዋን ይኽእላዶ፧ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

ሃገራት ኪተሓባበራን ኪዕወታን ድየን፧

 ሃገራት ነቲ ዅነታት ኣየር ዜስዕቦ ጸገም ንምፍታሕ ልባዊ ጻዕርታት እኳ እንተ ገበራ፡ ምሉእ ብምሉእ ኪዕወታ ኸም ዘይክእላ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ። ከምኡ ዚዀነሉ ኽልተ ምኽንያት እስከ ንርአ፦

  •   “ቄናን ኪቃናዕ ኣይከኣልን።”—መክብብ 1:15

     ትርጉሙ፦ ደቂ ሰብ ገዛእ ርእሶም ኪገዝኡ ስለ ዘይተፈጥሩ፡ መንግስትታት ጕድለት ኣለወን። (ኤርምያስ 10:23) ዋላ እኳ ሃገራት ኣብዚ መዳይ እዚ ሓድነት እንተ ዚፈጥራ፡ ናይ ዓለም ጸገማት ንምፍታሕ ዓቕሚ የብለንን።

  •   “ሰባትሲ ፈተውቲ ርእሶም፡ ፈተውቲ ገንዘብ፡ . . . ንስምምዕ ፍቓደኛታት ዘይኰኑ [ኪዀኑ እዮም።]”—2 ጢሞቴዎስ 3:2, 3

     ትርጉሙ፦ ኣብዚ ግዜና ዚነብሩ ብዙሓት ሰባት ፈተውቲ ርእሶምን ዘይተሓባበሩን ከም ዚዀኑ መጽሓፍ ቅዱስ ብልክዕ ተነብዩ ነይሩ እዩ።

ተስፋ እንገብረሉ ምኽንያት

 ይኹን እምበር፡ መጻኢ ፕላነትና ኣብቲ ሰብኣውያን መንግስትታት ዚኣትውዎ ቓል ኣይኰነን ዚምርኰስ። ኣምላኽ፡ ክኢላ ገዛኢ ዓለም ኣዳልዩ ኣሎ። ንሱ ድማ የሱስ ክርስቶስ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባኡ ኸምዚ ይብል፦

  •   “መንግስቲ ኸኣ ኣብ መንኵቡ ኪኸውን እዩ። ስሙ ድማ ግሩም መኻሪ፡ ብርቱዕ ኣምላኽ፡ ኣቦ ዘለኣለም፡ መስፍን ሰላም ኪብሃል እዩ።”—ኢሳይያስ 9:6፡ እግረ ጽሑፍ።

 የሱስ ንጉስ እታ መንግስቲ ኣምላኽ እትብሃል ሰማያዊት መንግስቲ እዩ። (ማቴዎስ 6:10) ንፕላነትናን ንነበርታን ንምክንኻን ዜኽእል ሓይልን ጥበብን ድሌትን ኣለዎ። (መዝሙር 72:12, 16) እታ ሰማያዊት መንግስቲ ድማ ኣብ ትሕቲ መሪሕነቱ፡ ነቶም “መጥፋእቲ ምድሪ” ኸተወግዶም፡ ንፕላነትና እውን ከተሕውያ እያ።—ራእይ 11:18፣ ኢሳይያስ 35:1, 7

 ለውጢ ዅነታት ኣየር ካብ ዜስዕቦ ጥፍኣት ብኸመይ ፍታሕ ከም ዚርከብ ንምፍላጥ፡ “ለውጢ ክሊማን መጻኢናን—መጽሓፍ ቅዱስ ዚብሎ” ዘርእስታ ዓንቀጽ ኣንብብ።