ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

YURI LASHOV/AFP via Getty Images

ንቕሑ!

ክርስትያናትን ውግእን—መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

ክርስትያናትን ውግእን—መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

 ኣብ ዩክረይን ኣብ ዘጋጠመ ውግእ ከም እተራእየ፡ ሓያሎ መራሕቲ ህዝበ ክርስትያን ውግእ ኬተባብዑ ጸኒሖም እዮም። ኣቕሽሽቲ ኣብ ክልቲኡ ወገን እቲ ግጭት፡ ብኸመይ ደገፎም ከም ዝሃቡ ኣስተብህል።

  •   “ንዅሎም እቶም ንዓዶም ዩክረይን ካብ ጸላኢ ንምክልኻል ዚቃለሱ ዘለዉ ጀጋኑ ተዋጋእቲ፡ ክብርን ምስጋናን ይብጽሓዮም። . . . ብልብና ዀነ ብጸሎትና ወትሩ ምሳኹም ኣለና።”—ኢፒፋነስ ቀዳማይ ሊቃነ ጳጳስ ክየቭ፡ ብ16 መጋቢት 2022 ኣብ ጀሩሳሌም ፖስት ዘቕረቦ ጸብጻብ።

  •   “መራሒ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ሩስያ፡ ንወተሃደራት ሩስያ፡ ኣብ ሰንበት ፍሉይ ኣኼባ ገበረሎም። ሞስኮ ኣንጻር ዩክረይን ኣብ እትገብሮ ወተሃደራዊ ወፍሪ፡ ከም ሩስያውያን መጠን ንሃገሮም ኪከላኸሉላ ኣተባብዖም።”—ሮይተርስ፡ 3 ሚያዝያ 2022።

 ክርስትያናት ኣብ ውግእ ኪሳተፉ ይግባእ ድዩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧

 መጽሓፍ ቅዱስ እቶም ብሓቂ ንየሱስ ክርስቶስ ዚስዕብዎ ሰባት፡ ኣብ ውግእ ከም ዘይካፈሉ እዩ ዚምህር።

  •   “ሰይፊ ዜልዕሉ ዅሎም፡ ብሰይፊ ኺጠፍኡ እዮም እሞ፡ ንሰይፍኻ ናብ ሰፈራ ምለሳ።”—ማቴዎስ 26:52

     ንውግእ ዚድግፍ ወይ ኣብ ውግእ ዚካፈል ሰብ ንየሱስ ይእዘዞ ኣሎ ኺብሃል ይከኣልዶ፧

  •   “ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ፡ ከምቲ ኣነ ዘፍቀርኩኹም፡ ንስኻትኩም እውን ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ፡ ሓድሽ ትእዛዝ እህበኩም ኣለኹ። ንሓድሕድኩም ፍቕሪ እንተ ኣልያትኩም፡ በዚ ደቀ መዛሙርተይ ምዃንኩም ኵሉ ኺፈልጥ እዩ።”—ዮሃንስ 13:34, 35

     ሓደ ንውግእ ዚድግፍ ሰብ፡ ነታ መለለዪት ደቀ መዛሙርቲ ወይ ሰዓብቲ የሱስ ዝዀነት ፍቕሪ የርኢ ኣሎ ኺብሃል ይከኣልዶ፧

 ዝያዳ ሓበሬታ ንምርካብ፡ “ውግእ ምስ ክርስትና ይቃዶ ድዩ፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ኣንብብ።

ክርስትያናትን ውግእን ኣብዚ ግዜና

 ሎሚ፡ ክርስትያናት ኣብ ውግእ ዘይምክፋሎም ርትዓዊ ድዩ፧ እወ። መጽሓፍ ቅዱስ ኣብዚ “ዳሕሮት መዓልትታት” ተባሂሉ ዚፍለጥ ግዜና፡ ምስ ትምህርትታት የሱስ ብምስምማዕ ‘ውግእ ዘይምሃሩ’ ኻብ ኵሎም ኣህዛብ ዝዀኑ ሰባት ከም ዚህልዉ ተነብዩ ነይሩ እዩ።—ኢሳይያስ 2:2, 4

 ኣብዚ ቐረባ ግዜ፡ እቲ “ኣምላኽ ሰላም” ዝዀነ የሆዋ a ንሰባት ብሰማያዊት መንግስቱ ኣቢሉ፡ “ካብ ጭቈናን ካብ ዓመጻን ኬናግፎም” እዩ።—ፊልጲ 4:9፣ መዝሙር 72:14

a የሆዋ ብሕታዊ ስም ኣምላኽ እዩ።—መዝሙር 83:18