ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

Sean Gladwell/Moment via Getty Images

ንቕሑ!

ዓለም ንውትህድርና እተውጽኦ ወጻኢ ልዕሊ 2 ትሪልዮን ዶላር በጺሑ—መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

ዓለም ንውትህድርና እተውጽኦ ወጻኢ ልዕሊ 2 ትሪልዮን ዶላር በጺሑ—መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

 ኣብ 2022 ዓለም ንውትህድርና እተውጽኦ ወጻኢ ናብ ዝለዓለ ደረጃ ብምዕራግ 2.24 ትሪልዮን ዶላር ኣመሪካ በጺሑ። እዚ ድማ ሩስያ ንዩክረይን ብምውራራ ስዒቡ እተኸስተ ነገር እዩ። ብመሰረት እቲ ኣብ ሚያዝያ 2023 ኣህጉራዊ ትካል ምርምር ሰላም ስቶክሆልም (SIPRI) ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ኣብ 2022፦

  •   ኤውሮጳ ንውትህድርና ዘውጽኣቶ ወጻኢ “ኣብታ ዓመት እቲኣ ብ13 ሚእታዊት ወሲኹ፣ እዚ ኸኣ ካብቲ ኤውሮጳ ድሕሪ ዝሑል ውግእ ዘውጽኣቶ ወጻኢ ዝለዓለ ዓመታዊ ወሰኽ እዩ ነይሩ።”

  •   “ሩስያ . . . ዘውጽኣቶ ወጻኢ ብግምት ብ9.2 ሚእታዊት ወሲኹ፣ በዚ ኸምዚ፡ ብወተሃደራዊ ወጻኢታት ኣብ ዓለም ካብ ሓምሸይቲ ናብ ሳልሰይቲ ደዪባ።”

  •   ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ንውትህድርና ብእተውጽኦ ወጻኢ ሕጂ እውን ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ኣላ፣ “39 ሚእታዊት እቲ ዓለም ንውትህድርና እተውጽኦ ወጻኢ” በዛ ሃገር እዚኣ ተባሒቱ ኣሎ።

 “ኣብ ቀረባ ዓመታት ዓለም ንውትህድርና እተውጽኦ ወጻኢ ብቐጻሊ ይውስኽ ምህላዉ፡ ድሕንነት ኣብ ዘይብላ ዓለም ንነብር ከም ዘለና ዜርኢ ምልክት እዩ።”—ዶ/ር ናን ቲየን፡ ሓደ ኻብ ጸሓፍቲ ጸብጻብ SIPRI።

 መጽሓፍ ቅዱስ ኣብዚ ግዜና ኣብ መንጎ ናይ ዓለም ልዕለ ሓያላን ውጥረት ከም ዚሰፍን ተነብዩ ነይሩ እዩ፣ እንኮ ተስፋ ሰላም እንታይ ምዃኑ እውን ይሕብር እዩ።

ወተሃደራዊ ግጭት እናወሰኸ ኸም ዚኸይድ ዚገልጽ ትንቢት

  •   መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ እንነብረሉ ዘለና ግዜ፡ “ግዜ መወዳእታ” ኢሉ ይጽውዖ።—ዳንኤል 8:19

  •   ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ንሓድሕዶም ዚቀናቐኑ ሓይልታት ዓለም ከም ዚህልዉ መጽሓፍ ዳንኤል ተነብዩ ነይሩ እዩ። እዞም ሓይልታት ዓለም እዚኦም ከም ‘ዚዳፍኡ’ ወይ ዓብለልቲ ንምዃን ከም ዚቃለሱ ድማ ተሓቢሩ ነይሩ እዩ። እቲ ወተሃደራዊ ቓልሲ ኸኣ ብዙሕ “መዛግብቲ” ወይ ገንዘብ የህልኽ እዩ።—ዳንኤል 11:40, 42, 43

 ብዛዕባ እዚ ዚምስጥ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ ብዝያዳ ንምፍላጥ፡ እተፈጸመ ትንቢት—ዳንኤል ምዕራፍ 11 ዘርእስታ ቪድዮ ርአ።

ናይ ሓቂ ሰላም ብኸመይ ይርከብ፧

  •   ኣምላኽ ንሰብኣውያን መንግስትታት ከም ዚትክአን መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ። “ኣምላኽ ሰማይ ንዘለኣለም ከቶ ዘይትጠፍእ መንግስቲ ኬቕውም እዩ። እዛ መንግስቲ እዚኣ ንዝዀነ ኻልእ ህዝቢ ኣይክትውሃብን እያ። ንዅለን እዘን መንግስትታት እዚአን ክትሕምሽሸንን ከተጥፍአንን እያ፣ ንሳ በይና ኸኣ ንዘለኣለም ክትቀውም እያ።”—ዳንኤል 2:44

  •   ኣብ ቀረባ ግዜ፡ የሆዋ a ኣምላኽ ነቲ ደቂ ሰብ ዘይከኣልዎ ነገር ኪገብር እዩ፣ እወ፡ ናይ ሓቅን ነባርን ሰላም ኬምጽእ እዩ። ብኸመይ፧ እታ ሰማያዊት መንግስቱ ንዅሉ ኣጽዋርን ንዅሉ ዓመጻን ከተወግዶ እያ።—መዝሙር 46:8, 9

 ብዛዕባ እቲ መንግስቲ ኣምላኽ እትገብሮ ነገራት ብዝያዳ ንምፍላጥ፡“ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ‘ሰላም ኪበዝሕ እዩ’” ዘርእስታ ዓንቀጽ ኣንብብ።

a የሆዋ ብሕታዊ ስም ኣምላኽ እዩ።—መዝሙር 83:18