ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

Manuel Reino Berengui/DeFodi Images via Getty Images

ንቕሑ!

ዋንጫ ዓለም ብሓቅዶ ሓድነት ኬምጽእ ይኽእል እዩ፧—መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

ዋንጫ ዓለም ብሓቅዶ ሓድነት ኬምጽእ ይኽእል እዩ፧—መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

 ነቲ ኻብ 20 ሕዳር ክሳዕ 18 ታሕሳስ 2022 ዚግበር ዋንጫ ዓለም ፊፋ፡ ኣስታት ሓሙሽተ ቢልዮን ሰባት ከም ዚከታተልዎ ተገሚቱ ኣሎ። ብዙሓት ሰባት፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ስፖርታዊ ንጥፈት ንሰባት ከም ተዓዘብቲ ኣብ ሓደ ኣብ ራእሲ ምጥርናፉ፡ ካብኡ ንላዕሊ እውን ከም ዚገብር ይስምዖም እዩ።

  •   “ስፖርት ንዓለም ናይ ምልዋጥ ሓይሊ ኣለዎ። ንሰባት ናይ ምልዕዓል ሓይሊ ኣለዎ። ብፍሉይ መገዲ ኣብ መንጎ ሰባት ሓድነት ናይ ምፍጣር ሓይሊ ኣለዎ።”—ኔልሰን ማንዴላ፡ ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ነበር።

  •   “ኵዕሶ እግሪ ብተስፋ ሓድነት ይፈጥር፡ ብሓጐስ ሓድነት ይፈጥር፡ ብስምዒት ሓድነት ይፈጥር፡ ብፍቕሪ ሓድነት ይፈጥር፡ ኣብ መንጎ ፍልልያት እውን ሓድነት ይፈጥር።”—ጃኒ ኢንፋንቲኖ፡ ፕረዚደንት ፊፋ። a

 እሞ ደኣ ዋንጫ ዓለም ወይ ዝዀነ ስፖርታዊ ንጥፈት ከምዚ ዝበለ ዓበይቲ ሸቶታት ኪወቅዕ ይኽእልዶ፧ ሰላምን ሓድነትን ንምርካብ ዜኽእል ተስፋ ኣሎዶ፧

ምንጪ ሓድነት ድዩ፧

 ናይ ሎም ዘበን ዋንጫ ዓለም፡ ካብ ኵዕሶ እግሪ ወጻኢ እውን ከም ዚትኰር ገይሩ እዩ። እቲ ጸወታታት ምስ ሰብኣዊ መሰላትን ዓሌትነትን ቍጠባዊ ዘይማዕርነትን እተተሓሓዘ ማሕበራውን ፖለቲካውን ጕዳያት ከም ዚልዓል ገይሩ እዩ።

 ዝዀነ ዀይኑ፡ ብዙሓት ሰባት ብኸም ዋንጫ ዓለም ዝኣመሰለ ኣህጉራዊ ስፖርታዊ ንጥፈታት ይዘናግዑ እዮም። እንተዀነ ግና፡ ሰባት ብዙሕ እኳ እንተ ተመነዩ፡ እዚ ንጥፈታት እዚ ነባሪ ሓድነት ኣየምጽእን እዩ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ኣብዚ ኣጋጣሚታት እዚ፡ እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ “ዳሕሮት መዓልትታት” ኣብ ሰባት ከም ዚህሉ እተነበዮ ኸፋፋሊ ኣረኣእያታትን ተግባራትን እዩ ዚግሃድ።—2 ጢሞቴዎስ 3:1-5

ንዓለምለኻዊ ሓድነት መሰረት ዚኸውን ናይ ሓቂ ተስፋ

 መጽሓፍ ቅዱስ ንዓለምለኻዊ ሓድነት መሰረት ዚኸውን ናይ ሓቂ ተስፋ ሒዙ ኣሎ። ኣብ ምድሪ ዘለዉ ዅሎም ሰባት ኣብ ትሕቲ እታ “መንግስቲ ኣምላኽ እትብሃል ሰማያዊት መንግስቲ ሓድነት ከም ዚረኽቡ የተስፉ እዩ።—ሉቃስ 4:43፣ ማቴዎስ 6:10

 እቲ ንጉስ መንግስቲ ኣምላኽ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ኣብ ብዘላ ዓለም ሰላም ከም ዚሰፍን ኪገብር እዩ። ብዛዕባ እዚ መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፦

  •   “ጻድቕ ኪዕምብብ፡ . . . ሰላም [እውን] ኪበዝሕ እዩ።”—መዝሙር 72:7

  •   “ንሱስ ንዜእዊ ድኻ . . . ኼናግፍ እዩ። ካብ ጭቈናን ካብ ዓመጻን ኬናግፎም . . . እዩ።”—መዝሙር 72:12, 14

 ሎሚ እውን እንተ ዀነ፡ ትምህርትታት የሱስ ኣብ 239 ሃገራት ንዚነብሩ ሰባት ሓድነት ፈጢሩሎም ኣሎ። ንሳቶም ከኣ ካብ ልቦም ጽልኢ ኼወግዱ ኽኢሎም እዮም። ብዛዕባ እዚ ብዝያዳ ንምፍላጥ፡ “ንዓንኬል ጽልኢ ምስባሩ” ዘርእስቱ ተኸታታሊ ዓንቀጻት ኣንብብ።

a Fédération Internationale de Football Association, ኣህጉራዊ ኣመሓዳሪ ኣካል ማህበር ኵዕሶ እግሪ።