ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

Chris McGrath/Getty Images

ውግእ—መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ ክትገብር እያ፧

ውግእ—መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ ክትገብር እያ፧

 እዛ ዓለም ከቢድ ስቓይን መከራን ብዜስዕብ ዘሎ ውግኣት ትሕመስ እያ ዘላ። ነዚ ዚስዕብ ጸብጻባት እሞ ኣስተብህለሉ፦

  •   “ምስ ግጭት ብእተተሓሓዘ ናይ ዝሞቱ ሰባት ቍጽሪ፡ ኣብዚ ውሽጢ 28 ዓመት እቲ ዝለዓለ ኸም እተመዝገበ ሓደስቲ ጸብጻባት ይሕብሩ። ነዚ ብዝያዳ ኣበርክቶ ዝገበረ ኸኣ ናይ ኢትዮጵያን ናይ ዩክረይንን ውግኣት እዩ።”—ትካል ምርምር ሰላም ኦስሎ፡ 7 ሰነ 2023።

  •   “ውግእ ዩክረይን ሓደ ኻብቶም ኣብ 2022 ናብ ዝለዓለ ጥርዞም ዝበጽሑ ግጭታት እዩ። ብሓፈሻ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ፖለቲካዊ ግጭት ብ27 ሚእታዊት ወሲኹ፡ ብገምጋም 1.7 ቢልዮን ሰባት ከኣ ግዳያት ሳዕቤናቱ ዀይኖም እዮም።”—ዘ ኣርምድ ኮንፍሊክት ሎኬሽን ኤንድ ኢቨንት ዳታ ፕሮጀክት፡ 8 ለካቲት 2023።

 መጽሓፍ ቅዱስ ተስፋ ይህብ እዩ። ከምዚ ድማ ይብል፦ “ኣምላኽ ሰማይ ንዘለኣለም ከቶ ዘይትጠፍእ መንግስቲ ኬቕውም እዩ።” (ዳንኤል 2:44) ኣብ ትሕቲ እታ መንግስቲ ኸኣ ኣምላኽ፡ ‘ንውግእ ኣብ ብዘላ ምድሪ መወዳእታ ኺገብረሉ እዩ።’—መዝሙር 46:9