ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

hadynyah/E+ via Getty Images

ንቕሑ!

ውግእን ለውጢ ክሊማን ንሕጽረት ምግቢ የጋድዶ—መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

ውግእን ለውጢ ክሊማን ንሕጽረት ምግቢ የጋድዶ—መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

 ውግእ ዩክረይን ምስ ለውጢ ክሊማ ተደሚሩ ንዓለምለኻዊ ቐረብ ምግቢ ዓብዪ ዕንቅፋት ይዀኖ ኣሎ። እዚ ብፍላይ ኣብተን መብዛሕትኦም ዜጋታተን እኹል ምግቢ ንምርካብ ዚሽገሩለን ኣብ ምምዕባል ዚርከባ ሃገራት ጐሊሑ ይርአ ኣሎ።

  •   “ግጭትን ለውጢ ክሊማን ዋጋ ጸዓትን ካልእ ነገራትን ንምህርትን ንቐረብን ምግቢ ዕንቅፋት ይኸውን ኣሎ።”—ኣንቶንዮ ጉተሬዝ፡ ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ 17 ሓምለ 2023።

  •   “ሩስያ ኻብ ውዕል ሰደድ እኽሊ ስለ ዘንሰሓበት፡ ዓለምለኻዊ ውሕስነት ምግቢ ብዝገደደ ኣብ ቅልውላው ከም ዚኣቱ፡ ከምኡ እውን ኣብተን ትሑት ኣታዊ ዘለወን ሃገራት፡ ምናዳ ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃን ኣብ ማእከላይ ምብራቕን ዋጋታት ምግቢ ኸም ዚውስኽ ክኢላታት ይግምቱ።”—Atalayar.com፡ 23 ሓምለ 2023።

 መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ሕጽረት ምግብን ብዛዕባ መጻእን እንታይ ከም ዚብል ርአ።

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሕጽረት ምግቢ ኸም ዚህሉ ተነብዩ ነይሩ

  •   የሱስ፡ “ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ፡ መንግስቲ ድማ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኺልዓል እዩ፣ ኣብ በቦታኡ ኸኣ ጥሜት . . . ኪኸውን እዩ” ብምባል ተነብዩ እዩ።—ማቴዎስ 24:7

  •   መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ መጽሓፍ ራእይ ብዛዕባ ኣርባዕተ ምሳልያውያን ፈረሰኛታት ይገልጽ እዩ። ሓደ ኻብቶም ፈረሰኛታት ንውግእ የመልክት። ንጥሜት ዜመልክት ፈረሰኛ ኸኣ ይስዕቦ፣ ኣብቲ እዋን እቲ ምግቢ ብመቝነን ይዕደል፡ ብኣዝዩ ኽቡር ዋጋ ኸኣ ይሽየጥ። “ረኣኹ እውን፡ እንሆ፡ መጋል ፈረስ፣ እቲ እተወጥሖ ድማ ኣብ ኢዱ ሚዛን ኣለዎ። . . . ከም ድምጺ ዚመስል፡ ‘ሓደ ኮይኒክስ [1.08 ሊትሮ] ስርናይ ብዲናር [“ማዕረ ናይ ሓደ መዓልቲ ደሞዝ” እ.ጽ.]፡ ሰለስተ ኮይኒክስ ስገም ከኣ ብዲናር . . . ’ ኪብል ከሎ ሰማዕኩ።”—ራእይ 6:5, 6

 እዚ ብዛዕባ ሕጽረት ምግቢ ዚገልጽ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብዚ መጽሓፍ ቅዱስ “ዳሕሮት መዓልትታት” ኢሉ ዚጽውዖ ግዜና ይፍጸም ኣሎ። (2 ጢሞቴዎስ 3:1) ብዛዕባ “ዳሕሮት መዓልትታት”ን ብዛዕባ እቶም ኣብ ራእይ ተጠቒሶም ዘለዉ ዚጋልቡ ኣርባዕተ ፈረሰኛታትን ዝያዳ ምእንቲ ኽትፈልጥ፡ ካብ 1914 ንደሓር ዓለም ተለዊጣ ዘርእስታ ቪድዮን “እቶም ኣርባዕተ ፈረሰኛታት እንታዎት እዮም፧” ዘርእስታ ዓንቀጽን ርአ።

መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ይሕግዝ፧

  •   መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ እናነሃረ ዚኸይድ ዘሎ ዋጋታት ምግቢ ወይ ሕጽረት ምግቢ እውን ከይተረፈ ዜጠቓልል በዳሂ ዅነታት ብኸመይ ክንሰግሮ ኸም እንኽእል ዚሕግዝ ግብራዊ ምኽሪ ሒዙ ኣሎ።ቈጢብካ ምንባር” ኣብ ዘርእስታ ዓንቀጽ እተጠቕሰ ገለ ኣብነታት ርአ።

  •   መጽሓፍ ቅዱስ ኵነታት ከም ዚመሓየሽ ዚገልጽ ተስፋ እውን ይህበና እዩ። “ኣብ ምድሪ ብዙሕ እኽሊ” ዚዀነሉን ኵሉ ሰብ ዚበልዖ እኹል ምግቢ ዚረኽበሉን እዋን ከም ዚመጽእ የተስፉ እዩ። (መዝሙር 72:16) መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ መጻኢ ዚህቦ ተስፋን ስለምንታይ ክትኣምኖ ኸም እትኽእልን ምእንቲ ኽትፈልጥ፡ “ኣብዚ ቐረባ ግዜ ዚፍጸም ናይ ሓቂ ተስፋ” ዘርእስታ ዓንቀጽ ኣንብብ።