ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ህይወት ናብ ንቡር ኪምለስ ድዩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ድሕሪ ለበዳ ብኸመይ ይሕግዘና፧

ህይወት ናብ ንቡር ኪምለስ ድዩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ድሕሪ ለበዳ ብኸመይ ይሕግዘና፧

 “ኵላትና ናብ ንቡር ክንምለስ ንደሊ ኢና።”—ኣንጌላ መርኬል ቻንስለር ጀርመን።

 ኣብዚ ኮቪድ-19 ንህዝቢ ዓለም ጸልይሉ ዘሎ እዋን፡ ነዚ ኣንጌላ ዝሃበቶ ሓሳብ ትሰማምዓሉ ትኸውን። ግናኸ፡ “ንቡር” ኪብሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧ ሰባት ድሕሪ ኮቪድ እንታይ ትጽቢት እዩ ዘለዎም፧

  •   ናብቲ ናይ ቀደም ናብራኦም ኪምለሱ። ገሊኦም ምስ ካልኦት ዝያዳ ግዜ ኼሕልፉን ኪተሓቋቈፉን ሰላም ኪብሃሃሉን ናይ መገሻ ኣጋጣሚታት ኪረኽቡን ሃረር ይብሉ እዮም። ዶክተር ኣንቶኒ ፋውቺ a ኸም ዝበሎ፡ “ናብ ንቡር ምምላስ ኪብሃል ከሎ፡” “ናብ ቤት ምግብን ትያትራትን ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ቦታታትን ምኻድ” ከም ዜጠቓልል ገይሮም እዮም ዚሓስቡ።

  •   ናብራኦም ኬመሓይሹ። ገሊኦም እዚ ሕጂ ዘሎ ዅነታት፡ ናብራኦም ኬመሓይሹ መገዲ ኸም ዝኸፈተሎም ኰይኑ ይስምዖም። እዚ ሃልኪ ዝመልኦ ስራሕን ኣድልዎን ሕማም ኣእምሮን ኪልወጥ ከም ዘለዎ ዀይኑ ይስምዖም። መስራቲ ዎርልድ ኢኮኖሚክ ፎረም ዝዀነ ክላውስ ሽዋብ፡ ‘እዚ ለበዳ እዚ፡ ብዛዕባ ናብራናን ብዛዕባ ዅነታት እዛ ዓለም እዚኣን ክንሓስብን ዜድሊ ለውጢ ኽንገብርን ብርቂ ዝዀነ ኣጋጣሚ ኸፊቱልና እዩ’ በለ።

 ገሊኦም ከኣ፡ ብሰንኪ እቲ እዚ ለበዳ ዘስዓበሎም ተደራራቢ ጸገማት ህይወት ናብ ንቡር ዚምለስ ኰይኑ ኣይስምዖምን እዩ። ንኣብነት፡ ሓያሎ ስራሖምን ቤቶምን ስኢኖም፡ ናይ ጥዕና ጸገማት ኣጋጢምዎም ዝገደደ ድማ ሰቦም ብሞት ተፈልዮምዎም እዮም።

 ድሕሪ ለበዳ ህይወት ከመይ ከም ትመስል ብልክዕ ኪግምት ዚኽእል ዋላ ሓደ ኸም ዘየለ ፍሉጥ እዩ። (መክብብ 9:11) ይኹን እምበር፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብዛዕባ መጻኢ ብኸመይ ሚዛናዊ ኣረኣእያ ኸም ዚህልወካ፡ ንዜጋጥመካ ጸገማት ድማ ብኸመይ ከም እትሰግሮ ኺሕግዘካ ይኽእል እዩ። ብዘይካዚ፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ምናልባሽ ቅድሚ ሕጂ ሓሲብካሉ ዘይትፈልጥ ዜተኣማምን መጻኢ ኸም ዚህሉ እውን ይገልጽ እዩ።

ብዛዕባ ለበዳ ኮቪድ-19 ግቡእ ኣረኣእያ ምሓዝ

 ቅድሚ ነዊሕ እዋን፡ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ መደምደምታ እዚ ስርዓት እዚ፡ ሕማም ወይ “ለበዳ” ኸም ዜስፋሕፍሕ ተነብዩ ነይሩ እዩ። (ሉቃስ 21:11፣ ማቴዎስ 24:3) ለበዳ ኮቪድ-19 እውን፡ ልክዕ ከም እኒ ውግእ፡ ዓበይቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ፡ ጥሜት ዝኣመሰለ ዓበይቲ ፍጻመታት፡ መፈጸምታ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዝዀነ ኽንዝክር ይግባእ።

 እዚ ምፍላጥካ ብኸመይ ይሕግዘካ፧ እዚ ህሉው ኵነታት ለበዳ፡ ኪመሓየሽ ዚኽእል እኳ እንተዀነ ኣብ “ጽንኩር ግዜ” ንነብር ከም ዘለና ግና መጽሓፍ ቅዱስ የጠንቅቐና እዩ። (2 ጢሞቴዎስ 3:1) ነዚ ምፍላጥና፡ ብዛዕባ ህይወት ሚዛናዊ ኣረኣእያ ኺህልወና ይሕግዘና።

 መጽሓፍ ቅዱስ፡ እዚ እናኸፍአ ዚኸይድ ዘሎ ዅነታት ዓለም ኣብ ቀረባ እዋን ንዜጋጥም ዓብዪ ለውጢ መሰጋገሪ ኸም ዝዀነ እዩ ዚሕብረና። እዚ ለውጢ እዚ እንታይ እዩ፧

ድሕሪ ለበዳ ዚህሉ ሓሲብካሉ ዘይትፈልጥ መጻኢ

 መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብዛዕባ እዚ ሎሚ ዜጋጥመና ዘሎ ጸገማት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ቀረባ ግዜ ዚህሉ ዝሓሸ ዅነታት እውን ይሕብረና እዩ። ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ጥራይ እምበር፡ ሰብኣውያን መንግስትታት ኪገብርዎ ዘይክእሉ ዝሓሸ መጻኢ ይገልጽ እዩ። “ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ፣ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን፡ ደጊም እውን ሓዘን ወይ ኣውያት ወይ ስቓይ ኣይኪኸውንን እዩ።”—ራእይ 21:4

 የሆዋ b ኣምላኽ፡ “እንሆ፡ ንዅሉ እሕድሶ ኣለኹ” ብምባል የተስፍወና እዩ። (ራእይ 21:5) ንዅሉ ጸገማት፡ እንተላይ እቲ ብሰንኪ እዚ ለበዳ እዚ ተጋዲዱ ዘሎ ዅነታት ዓለም እውን ከይተረፈ ኼዐርዮ እዩ። ነዚ ዚስዕብ ኪገብር እዩ፦

 እዚ ምፍላጥካ ብኸመይ ይሕግዘካ፧ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “እዛ ዘላትና ተስፋ እዚኣ ኸም መልህቕ ህይወት እያ” ይብል። (እብራውያን 6:19፡ እግረ ጽሑፍ) ከምዚ ዝኣመሰለ ተስፋ ናይ ዝሓሸ መጻኢ ምህላዉ የረጋግኣና እዩ። ነዚ ሎሚ ዜጋጥመና ዘሎ ጸገማት ክንዋጽኣሉ፡ ጭንቀትና ኽንንኪ፡ ህድኣትን ሰላምን ኪህልወና ይሕግዘና።

 ንተስፋታት መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ ኽትኣምኖ ትኽእል ዲኻ፧ “መጽሓፍ ቅዱስ—እሙን ምንጪ ሓቂ” ዚብል ዓንቀጽ ርአ።

ድሕሪ ለበዳ ንዘሎ ህይወት ዚሕግዝ ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ

  •   ንህይወት ኣኽብር

     ጥቕሲ፦ “ጥበብ ንዋናኣ ብህይወት ተንብሮ።”—መክብብ 7:12

     እዚ ንዓኻ እንታይ ትርጉም ኣለዎ፧ ነቲ ሕማም ዘየቃልዓካ ጥበባዊ ውሳነታት ግበር። ኵነታት ከባቢኻ ገምግም። ብዛዕባ ጥዕናን ድሕንነትን ዚወጽእ ቀይድታትን ኣብ ከባቢኹም ካብ ዘለዉ ሰባት በቲ ሕማም እቲ ኽንደይ ከም እተለኽፉን ክንደይ ሚእታዊት ምሉእ ብምሉእ ከም እተኸትቡ ፍለጥ።

  •   ወትሩ ጥንቁቕ ኩን

     ጥቕሲ፦ “ጥበበኛ ጥንቁቕ ብምዃኑ፡ ካብ እከይ ይርሕቕ፣ ዓሻ ግና ዘይግድሶን እምብዛ ብርእሱ ዚተኣማመንን እዩ።”—ምሳሌ 14:16

     እዚ ንዓኻ እንታይ ትርጉም ኣለዎ፧ ጥዕናኻ ንምሕላው ዚከኣለካ ዘበለ ግበር። ሰብ ሞያ ጥዕና፡ ኮሮና ቫይረስ ንእተወሰነ ግዜ ኸም ዚጸንሕ ይእምቱ እዮም።

  •   ዚእመን ሓበሬታ ተወከስ

     ጥቕሲ፦ “ገርሂ፡ ኵሉ ቓል ይኣምን፣ ጐራሕ ግና ንስጕምትታቱ ተጠንቂቑ ይሓስበለን።”—ምሳሌ 14:15

     እዚ ንዓኻ እንታይ ትርጉም ኣለዎ፧ ነየናይ ምኽሪ ኸም እትስዕብ ተጠንቂቕካ ምረጽ። እትገብሮ ምርጫ ኣገዳሲ እዩ። ኣብ ግጉይ ሓበሬታ ተመርኲስካ እትገብሮ ውሳነ፡ ጥዕናኻ ኺጐድእ ይኽእል እዩ።

  •   ኣወንታዊ ኹን

     ጥቕሲ፦ “ስለምንታይ እየን ካብዚኣተንሲ እተን ናይ ቀደም መዓልትታት ዚሕሻ፧” ኣይትበል፣ እዝስ ብጥበብ ኣይኰንካን እትሓትቶ ዘለኻ።”—መክብብ 7:10

     እዚ ንዓኻ እንታይ ትርጉም ኣለዎ፧ ብእተኻእለካ መጠን ነቲ ህሉው ኵነታትካ ተቐቢልካ ኽትነብር ፈትን። ነቲ ቕድሚ ለበዳ ዝነበረካ ህይወት እናዘከርካ ኣይተስተማስል፣ ከምኡ እውን በቲ ዝሓለፈካ ኣጋጣሚታት ኣይተስቈርቍር።

  •   ንኻልኦት ኣኽብሮት ኣርኢ

     ጥቕሲ፦ “ንዅሉ ዓይነት ሰብ ኣኽብሩ።”—1 ጴጥሮስ 2:17

     እዚ ንዓኻ እንታይ ትርጉም ኣለዎ፧ ሰባት ብዛዕባ እዚ ለበዳን ሳዕቤናቱን እተፈላለየ ኣረኣእያ እዩ ዘለዎም፣ ስለዚ፡ ምርጫኦም ኣኽብረሎም። ንስኻ ኸኣ ኣብቲ ዝገበርካዮ ጥበባዊ ውሳነ ጽናዕ። ንዘይተኸትቡን ንኣረጋውያንን ከቢድ ናይ ጥዕና ጸገም ንዘለዎም ሰባትን ሓልዮት ኣርኢ።

  •   ዕጉስ ኩን

     ጥቕሲ፦ “ፍቕሪ ዓቃልን ለዋህን እያ።”—1 ቈረንቶስ 13:4

     እዚ ንዓኻ እንታይ ትርጉም ኣለዎ፧ ገሊኦም ድሕሪ እዚ ለበዳ ናብቲ ንቡር ንጥፈታት ኪምለሱ ዘለዎም ስግኣት ኪገልጹልካ ኸለዉ፡ ለውሃት ኣርእዮም። ናይ ለበዳ ቐይድታት እናፈዀሰ ኪኸይድ ከሎ፡ እትገብሮ ንጥፈታት ከይተሃወኽካ ብዓቕሊ ግበሮ።

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሰባት ነዚ ለበዳ ኺዋጽኡሉ ብኸመይ ይሕግዞም፧

 ናይ የሆዋ መሰኻኽር በቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተተስፍዩ ዘሎ ዜደንቕ መጻኢ እዮም ዚጸናንዑ። እዚ ኸኣ ክንየው እቲ ለበዳ ኺርእዩ ይሕግዞም። ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ኣኼባኦም ከይሓድጉ ዚገልጽ ትእዛዝ ብምትግባር ንሓድሕዶም ይተባብዑ እዮም። (እብራውያን 10:24, 25) ኣብዚ እዋን ለበዳ፡ ኵሎም ሰባት ኣብቲ ብቪድዮ ኮንፈረንስ ዚግበር ኣኼባታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኪእከቡ ይኽእሉ እዮም።

 ካልኦት ከኣ፡ ኣብዚ ኣሸጋሪ እዋን እዚ፡ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንኣምልኾ ምእካብ፡ ሓጋዚ ዀይኑ ኸም ዝረኸብዎ ይገልጹ እዮም። ንኣብነት፡ ሓንቲ ብኮቪድ-19 እተለኽፈት ሰበይቲ፡ ኣብቲ ብቪድዮ ኮንፈረንስ ዚግበር ኣኼባታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክትርከብ እተገብረላ ዕድመ ተቐበለት። ብምኽንያት እቲ ቫይረስ ዘስዓቦ ናይ ጥዕና ጸገማት እኳ እንተ ነበራ፡ ኣብዚ ኣኼባታት እዚ ብምእካባ ግና፡ ስምዒታዊ ምርግጋእ ክትረክብ ሓጊዙዋ። ጸኒሓ ኸኣ፡ “ኣባል ናይዚ ስድራ ቤት እዚ ዝዀንኩ እዩ ዚስምዓኒ። መጽሓፍ ቅዱስ ምንባብ ናይ ኣእምሮ ሰላምን ውሽጣዊ ህድኣትን የምጽኣለይ። ኣብ ጸገማተይ ዘይኰነስ፡ ኣብቲ ናይ መጻኢ ተስፋ ኸተኵር እዩ ዚሕግዘኒ። ንኣምላኽ ክቐርቦ ስለ ዝሓገዝኩምኒ አመስግነኩም፣ እዚ ኣብ ምሉእ ህይወተይ ሃረር ዚብሎ ዝነበርኩ እዩ” በለት።

a ዳይረክተር እቲ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣሜሪካ ዚርከብ ናሽናል ኢንስቲትዩት ኦቭ ኣለርጂ ኤንድ ኢንፈክሽየስ ዲዚዝስ።

b የሆዋ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ስም ኣምላኽ እዩ።—መዝሙር 83:18