ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንቕሑ!

ናይ የሆዋ መሰኻኽርን ናዚ ዝፈጸሞ ጃምላዊ ቕትለትን—መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

ናይ የሆዋ መሰኻኽርን ናዚ ዝፈጸሞ ጃምላዊ ቕትለትን—መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

 ብ27 ጥሪ 2023፡ ብዙሓት ሰባት ኣህጉራዊ መዓልቲ ዝኽሪ ጃምላዊ ቕትለት ኪዝክሩ እዮም። እቲ ልዕሊ 75 ዓመት ይገብር እተፈጸመ ግፍዒ፡ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ ኣይሁድ ጃምላዊ ቕትለት ኪፍጸም ስለምንታይ ከም ዝፈቐደ ሕቶ ይፈጥረልካ ይኸውን።

 ኣይሁድ ብሰንኪ ጃምላዊ ቕትለት ከቢድ ኣደራዕ ወሪድዎም እዩ። ሚልዮናት ሰባት ደይ መደይ ኢልካ ብእተኣልመ ውዲት ሃሊቖም እዮም። ኣብቲ ስርዓት ናዚ ዚፍጽሞ ዝነበረ ጃምላዊ ቕትለት፡ ካልኦት ጕጅለታት እውን ግዳያት ኰይኖም ነይሮም እዮም። እቶም ብምኽንያት መጽሓፍ ቅዱሳዊ እምነቶም ኣደዳ መስጐጕቲ ዝዀኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እውን ግዳያት እዮም ነይሮም።

“ብሩህ መጻእን ተስፋን”

 ብዙሓት ሰባት ከምቲ ናዚ ዝፈጸሞ ዓይነት ጃምላዊ ቕትለት ዝኣመሰለ ሕሰም ዳግም ከይኽሰት ይሰግኡ እዮም። እቲ ዜሐጕስ ግና፡ ኣብ መጻኢ ሓዘን ዘይህልወሉ እዋን ከም ዚመጽእ መጽሓፍ ቅዱስ ይሕብር እዩ።

  •   “‘ኣነ ዝሓስበልኩም ዘለኹ ሓሳብሲ ኣጸቢቐ እፈልጦ እየ’ ይብል የሆዋ፡ ‘ብሩህ መጻእን ተስፋን ክህበኩም፡ ሓሳብ ሰላም እምበር፡ ናይ መዓት ኣይኰነን።’”—ኤርምያስ 29:11 a

 የሆዋ ኣምላኽ ንእከይ መወዳእታ ምስ ገበረሉ፡ ንዅሉ እቲ ዝወረደ ጕድኣት ከኣ ምስ ኣሕወየ፡ እዚ ተስፋ እዚ ጋህዲ ኪኸውን እዩ። ስለዚ፡ ኣብ ቀረባ ግዜ ኸምዚ ዚስዕብ ኪገብር እዩ፦

  •   ኣብ ልዕሊ ኻልኦት ጕድኣት ንዜውርዱ እኩያት ኬጥፍኦም እዩ።—ምሳሌ 2:22

  •   ንዅሎም እቶም ሓሳረ መከራ ዝጸገቡ ኼርህወሎም እዩ።—ራእይ 21:4

  •   ንምዉታት ኣብዛ ምድሪ ኼተንስኦም እዩ።—ዮሃንስ 5:28, 29

 ነዚ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ዜጸናንዕ ተስፋ ኽትኣምኖ ትኽእል ኢኻ። ስለምንታይ ክትኣምኖ ኸም እትኽእል ንምፍላጥ፡ ነቲ ብናጻ ዝቐረበ ብሓገዝ መምህር ዚግበር መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትፍትኖ ንዕድመካ።

a የሆዋ ብሕታዊ ስም ኣምላኽ እዩ።—መዝሙር 83:18