ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንቕሑ!

ምስልታት ምምላኽ—መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

ምስልታት ምምላኽ—መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

 ብመሰረት ዜና ኣገልግሎት ካቶሊክ፡ ኣብቲ 25 መጋቢት 2022፡ ኣብ ቅዱስ ጴጥሮስ ቤተ ክርስትያን ኣብ እተገብረ ጽንብል፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ ኣብ ቅድሚ ቕሩጽ ምስሊ ማርያም ደው ኢሎም፡ “ኣዒንቶም ብምዕማትን ርእሶም ብምድናንን ብልቦም ጸሎት ኣቕሪቦም።” ሰላም ምእንቲ ኺወርድ ድማ “ንማርያም ለሚኖምዋ።” ብተወሳኺ፡ ጸብጻብ ቫቲካን ከምዚ ኢሉ ኣሎ፦ “እቶም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፡ ምእንቲ ደቂ ሰብ ብፍላይ ድማ ምእንቲ እቶም ኣብ ሩስያን ኣብ ዩክረይንን ዚነብሩ ሰባት ናብ ቅድስቲ ማርያም ጸልዮም።”

 እንታይ ይመስለካ፧ ኣብ ቅድሚ ምስሊ ምጽላይ ወይ፡ ምስሊ ንኣምልኾ ምጥቓም ግቡእ ድዩ፧ ነዚ ዚስዕብ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ መርምሮ፦

  •   “ኣብ ላዕሊ ኣብ ሰማያት ካብ ዘለዉ፡ ወይ ኣብ ታሕቲ ኣብ ምድሪ ኻብ ዘለዉ፡ ወይ ኣብ ማያት ኣብ ትሕቲ ምድሪ ኻብ ዘለዉ፡ ጽሩብ ምስልን ስእልን ዘበለ ንዓኻ ኣይትግበር። ኣይትስገደሎምን ኣይተገልግሎምን ድማ። ከመይሲ፡ ኣነ የሆዋ ኣምላኽካ ንበይነይ ተወፋይነት ዝደሊ፡ . . . ኣምላኽ እየ።”—ዘጸኣት 20:4, 5 a

  •   “ጣኦታቶም ኢድ ሰብ ዝገበሮም ብሩርን ወርቅን እዮም። ኣፍ ኣለዎም፡ ግናኸ ኣይዛረቡን፣ ኣዒንቲ ኣለዎም፡ ግናኸ ኣይርእዩን፣ ኣእዛን ኣለዎም፡ ግናኸ ኣይሰምዑን፣ ኣፍንጫ ኣለዎም፡ ግናኸ ኣየጫንዉን፣ ኣእዳው ኣለዎም፡ ግናኸ ኣይድህስሱን፣ ኣእጋር ኣለዎም፡ ግናኸ ኣይከዱን፣ ብጐረሮኦም ድማ ገለ እኳ ኣየድህዩን። እቶም ዚገብርዎም፡ ከማታቶም ኪዀኑ እዮም፣ ኵሎም እቶም ብኣታቶም ዚእመኑ እውን ከምኡ ኪዀኑ እዮም።”—መዝሙር 115:4-8

  •   “ኣነ የሆዋ እየ። ስመይ እዚ እዩ፣ ክብረይ ምስ ካልእ ኣይማቐሎን፡ ውዳሰይ እውን ንቕሩጽ ምስልታት ኣይህብን እየ።”—ኢሳይያስ 42:8፡ እግረ ጽሑፍ።

  •   “ካብ ኣምልኾ ጣኦት ህደሙ።”—1 ቈረንቶስ 10:14

  •   “ካብ ጣኦታት ተሓለዉ።”—1 ዮሃንስ 5:21

 መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ምስልታት ኣብ ኣምልኾ ምጥቓም እንታይ ከም ዚብል ብዝያዳ ኽትፈልጥ እንተ ደሊኻ፡ “ርእይቶ መጽሓፍ ቅዱስ—ምስልታት” ዘርእስታ ዓንቀጽ ኣንብብ ወይ፡ ምስልታት ኣብ ኣምልኾ ምጥቃምሲ ኣምላኽ ይቕበሎ ድዩ፧ ዘርእስታ ቪድዮ ርአ።

 ብዛዕባ እዚ ርእሰ ነገራት እዚ እውን መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ከም ዚብል ክትፈልጥ ትደሊ ትኸውን፦

Photo credit: Vincenzo Pinto/AFP via Getty Images

a የሆዋ ብሕታዊ ስም ኣምላኽ እዩ። (መዝሙር 83:18) “የሆዋ መን እዩ፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።