ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

Francesco Carta fotografo/Moment via Getty Images

እናገደደ ዚኸይድ ዘሎ ጽምዋ—መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

እናገደደ ዚኸይድ ዘሎ ጽምዋ—መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

 ብመሰረት እቲ ኣብ ቀረባ ግዜ ዝወጸ ዓለምለኻዊ ጸብጻብ፡ a ሓደ ኻብ ኣርባዕተ ሰባት ብጽምዋ ይብላዕ ኣሎ።

  •   “ማሕበራዊ ተነጽሎ ንዝዀነ ይኹን ሰብ፡ ኣብ ዝዀነ ዕድመ ንዘሎ ሰብ፡ ኣብ ዝዀነ ዓዲ ንዚነብር ሰብ ኪጸሉ ይኽእል እዩ።”—ቺዶ ምፐባ፡ ሓደ ኻብ ኣቦታት መንበር ኮሚሽን ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ማሕበራዊ ርክባት።

 ጽምዋ ኸምቲ ብዙሓት ዚሓስብዎ ጥራይ ኣይኰነን። ስለምንታይሲ፡ ጽምዋ ንዕድመ ንዝደፍኡ ወይ ንግሉላት ሰባት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንመንእሰያትን ጥዕና ንዘለዎምን ንዕዉታትን ንምርዑዋትን እውን ይጸሉ እዩ። ማሕበራዊ ተነጽሎን ጽምዋን ኣብ ኣካላውን ስምዒታውን ጥዕና ሰብ ዓብዪ ጽልዋ ኼሕድር ይኽእል እዩ።

  •   ሰርጀን ጀነራል ሕ.መ.ኣ. ዀይኑ ዜገልግል ዶ/ር ቪቨክ መርቲ፡ “ጽምዋ ኻብ ሕማቕ ስምዒት ኣጸቢቑ ዝገደደ እዩ” ይብል። ኣስዕብ ኣቢሉ ድማ፡ “ማሕበራዊ ተነጽሎ ናብ ሞት ዜቃልዓሉ መጠን፡ ኣብ መዓልቲ 15 ሽጋራ ምስ ምትካኽ ኪመዓራረ ይኽእል እዩ” ይብል።

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

 ፈጣሪና ግዳያት ማሕበራዊ ተነጽሎ ኽንከውን ኣይደልን እዩ። ዕላማ ኣምላኽ፡ ሰባት ጽቡቕን ባህ ዜብልን ዕርክነት ኪህልዎም እዩ።

  •   ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ኣምላኽ ከኣ፡ ‘ሰብኣይ በይኑ ኪኸውን ጽቡቕ ኣይኰነን’ . . . በለ።”—ዘፍጥረት 2:18

 ኣምላኽ ምስኡ ርክብ ከነማዕብል ይደልየና እዩ። ንሕና ኽንቀርቦ እንተ ጽዒርና፡ ንሱ እውን ከም ዚቐርበና ቓል ኣትዩልና ኣሎ።—ያእቆብ 4:8

  •   ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “መንፈሳዊ ነገራት ዚሃርፉ፡ መንግስተ ሰማያት ናታቶም እያ እሞ፡ ሕጉሳት እዮም።”—ማቴዎስ 5:3

 ኣምላኽ ምስ ካልኦት ሰባት ሓቢርና ኸነምልኾ ይደልየና እዩ። ከምኡ እንተ ጌርና፡ ስምዒታዊ ደገፍ ንረክብ ኢና።

  •   ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ንፍቕርን ንሰናይ ግብርን ንምንቕቓሕ ኣብ ንሓድሕድና ነስተብህል። ንሓድሕድና ንተባባዕ እምበር፡ . . . ኣኼባና ኣይንሕደግ።”—እብራውያን 10:24, 25

 ምስ ጽምዋ ስለምንታይ ክንቃለስ ከም ዘሎና ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ “Loneliness in a World of Mass Connection” ዘርእስታ ዓንቀጽ ኣንብብ።

a The Global State of Social Connections, by Meta and Gallup, 2023.