ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

Left: Hurricane Ian, Florida, USA, September 2022 (Sean Rayford/Getty Images); center: Mother evacuating with her son, Donetsk, Ukraine, July 2022 (Alex Chan Tsz Yuk/SOPA Images/LightRocket via Getty Images); right: Mass COVID testing, Beijing, China, April 2022 (Kevin Frayer/Getty Images)

ንቕሑ!

2022፦ ነውጺ ዝመልኣ ዓመት—መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

2022፦ ነውጺ ዝመልኣ ዓመት—መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

 ኣብ 2022፡ ውግእን ቍጠባዊ ጸገማትን ኣከባብያዊ ዕንወትን ኣብ ማዕከናት ዜና ይቃላሕ ነይሩ። እዚ ፍጻመታት እዚ ሒዝዎ ዘሎ ትርጉም፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ እዩ ኺርከብ ዚከኣል።

እቲ ብ2022 እተኸስተ ፍጻመታት ሒዝዎ ዘሎ ትርጉም

 እቲ ኣብ ዝሓለፈት ዓመት እተኸስተ ፍጻመታት፡ ኣብቲ መጽሓፍ ቅዱስ “ዳሕሮት መዓልትታት” ኢሉ ዚጽውዖ እዋን ንነብር ከም ዘለና ዜራጕድ ተወሳኺ መርትዖ እዩ። (2 ጢሞቴዎስ 3:1) እቲ እዋን እቲ፡ ብ1914 እዩ ጀሚሩ። እዚ ኣብ ቀረባ ግዜ እተኸስተ ፍጻመታት፡ ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ እተነበዮ ምዃኑ እስከ ንርአ

 “ውግእ።”ማቴዎስ 24:6

  •   “2022 ዜስካሕክሕ ውግእ ናብ ኤውሮጳ ተመሊሱ ዝመጸላ ዓመት እያ ነይራ።” a

 ሩስያ ንዩክረይን ወሪራታ” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።

 “ጥሜት።”ማቴዎስ 24:7

  •   “2022፦ ተራእዩ ዘይፈልጥ ጥሜት እተኸስተላ ዓመት።” b

 “ለበዳ።”ሉቃስ 21:11

  •   “ፖልዮ ተመሊሱ ብምምጻኡ፡ ማንኪፖክስ ብምስፍሕፋሑ፡ ኮቪድ-19 እውን ብዙሕ ጥፍኣት ብምስዓቡ፡ ተመሓላላፊ ሕማማት ኣስጋኢ ኸም ዝዀነን ደቂ ሰብ ኣብ ሰንኮፍ ከም ዘለዉን ኣርእዩ።” c

 6 ሚልዮን ሰባት ብኮቪድ ሞይቶም” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።

 “መፍርህታት።”ሉቃስ 21:11

  •   “ማዕበላት ሙቐት፡ ደርቂ፡ ባርዕ መሮር፡ ምዕልቕላቕ ማይ። ሓጋይ 2022 በቲ ኣብ ብዘላ ዓለም ጥፍኣት ዘምጽአ፡ ኣማእታት ኣሽሓት ህይወት ዘህለቐ፡ ንሚልዮናት እውን ዘመዛበለ ሕማቕ ኵነታት ኣየር እዩ ኺዝከር።” d

 ተራእዩ ዘይፈልጥ ዓለምለኻዊ ሙቐት” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።

 “ህውከት [ወይ፡ “ናዕቢ፡” እ.ጽ.]።”ሉቃስ 21:9

  •   “ቍጠባዊ ጸገማት፡ ምናዳ ኸኣ እቲ ሰማይ ዚዓርግ ዘሎ ዝቕባበ ዝፈጠሮ ቝጥዓ፡ ነቲ ኣንጻር መንግስቲ ዚልዓል ተቓውሞታት ብ2022 ናብ ዝለዓለ ደረጃ ኣብጺሕዎ እዩ።” e

 ዓለምለኻዊ ምንሃር ዋጋታት” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።

ኣብ እትቕጽል ዓመት እንታይ ኪኸውን እዩ፧

 ብ2023 እንታይ ከም ዚኸውን ርግጸኛ ዀይኑ ኺዛረብ ዚኽእል ዋላ ሓደ የልቦን። እታ ሰማያዊት መንግስቲ ዝዀነት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ቀረባ ግዜ ኣብ ጕዳያት ምድሪ ጣልቃ ኸም እትኣቱ ግና ንፈልጥ ኢና። (ዳንኤል 2:44) እታ መንግስቲ እቲኣ፡ ጠንቂ መከራ ደቂ ሰብ ከተወግድ፡ ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ምድሪ ኸም ዚኸውን እውን ከተረጋግጽ እያ።—ማቴዎስ 6:9, 10

 እምበኣር፡ ነቲ “ንቕሑ” ዚብል የሱስ ክርስቶስ ዝሃቦ ምኽሪ ብምስዓብ፡ ነዚ ኣብ ዓለም ዚኽሰት ዘሎ መፈጸምታ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ብንቕሓት ክትከታተል ንምሕጸነካ። (ማርቆስ 13:37) መጽሓፍ ቅዱስ ሕጂ ብኸመይ ኪሕግዘካ ኸም ዚኽእል፡ ብዛዕባ መጻኢ እውን ንዓኻን ንቤተ ሰብካን እንታይ ናይ ሓቂ ተስፋ ሒዙ ኸም ዘሎ ንምፍላጥ፡ ናባና ኽትጽሕፍ ነተባብዓካ

a AP News, “2022 Was Year the Horror of War Returned to Europe,” by Jill Lawless, December 8, 2022.

b World Food Programme, “A Global Food Crises.”

c JAMA Health Forum, “Living in an Age of Pandemics—From COVID-19 to Monkeypox, Polio, and Disease X,” by Lawrence O. Gostin, JD, September 22, 2022.

d Earth.Org, “What’s Behind the Record-Breaking Extreme Weather Events of Summer 2022?” by Martina Igini, October 24, 2022.

e Carnegie Endowment for International Peace, “Economic Anger Dominated Global Protests in 2022,” by Thomas Carothers and Benjamin Feldman, December 8, 2022.