ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

JenkoAtaman/stock.adobe.com

ንቕሑ!

ኣብ 2023 ትስፉዋት እንዀነሉ ምኽንያታት—መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

ኣብ 2023 ትስፉዋት እንዀነሉ ምኽንያታት—መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

 ኣብዚ ዓመተ 2023 እትጅምረሉ ዘላ እዋን፡ ንሕናን ስድራ ቤትናን ሰናይ ከም እንረክብ ኢና ተስፋ እንገብር። ስለምንታይ ኢና ትስፉዋት እንኸውን፧

መጽሓፍ ቅዱስ ተስፋ ይህብ

 እዚ ሕጂ ዜጋጥመና ዘሎ ጸገማት ግዜያዊ ኸም ዝዀነ፡ ኣብ ቀረባ ግዜ እውን ከም ዜብቅዕ መጽሓፍ ቅዱስ የበስረና እዩ። ከምዚ ይብል፡ “ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ብዚርከብ መጸናንዒ . . . ተስፋ ምእንቲ ኺህልወናስ፡ . . . ንትምህርትና እዩ እተጻሕፈ።”ሮሜ 15:4

ሕጂ ኽትሕግዘካ እትኽእል ተስፋ

 ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ ተስፋ ኸም “መልህቕ ህይወት” ክትከውን ትኽእል እያ። (እብራውያን 6:19፡ እግረ ጽሑፍ) እታ ተስፋ እቲኣ ኸተጽንዓና ትኽእል እያ። ንህሉው ጸገማትና ኽንጻወር፡ ኣወንታዊ ኣረኣእያ ኽንሕዝ፡ ነባሪ ሓጐስ እውን ክንረክብ ተኽእለና እያ። ንኣብነት፦

  •   ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ተስፋ ምስ ወልፊ ይቃለስ ንዝነበረ ሰብኣይ ብኸመይ ከም ዝሓገዞ ንምፍላጥ፡ ኣነባብራይ ሰልክዩኒ ነይሩ ዘርእስታ ቪድዮ ርአ።

  •   እንፈትዎ ሰብና ኺሞተና ኸሎ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ተስፋ ብኸመይ ከም ዜጸናንዓና ንምፍላጥ፡ ንዝሓዘኑ ዚኸውን መጸናንዒ ዘርእስታ ቪድዮ ርአ።

ተስፋኻ ኣደልድል

 ብዙሓት ሰባት ሰናይ ኪረኽቡ ተስፋ ዚገብሩ እኳ እንተ ዀኑ፡ ተስፋኦም ከም ዚፍጸም ግና ርግጸኛታት ኪዀኑ ኣይክእሉን እዮም። እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዜተስፍዎ ተስፋታት ግና ካብዚ እተፈልየ እዩ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ተስፋታት ካብቲ “ኺሕሱ ዘይክእል” የሆዋ ኣምላኽ a እዩ። (ቲቶስ 1:2) የሆዋ ጥራይ እዩ ነዚ ተስፋታት እዚ ንምፍጻም ዓቕሚ ዘለዎ፣ ንሱ “ባህ ዝበሎ ዅሉ ይገብር እዩ።”—መዝሙር 135:5, 6

 ካብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ዜተኣማምን ተስፋ ኽትጥቀም ጻውዒት ከነቕርበልካ ንፈቱ። ‘ንቕዱሳት ጽሑፋት ብምምርማር፡’ ኣብኡ ዘሎካ እምነት ክትሃንጽ ትኽእል ኢኻ። (ግብሪ ሃዋርያት 17:11) በቲ ብናጻ ብሓገዝ መምህር ዚግበር መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጌርካ ኽትምሃር ትኽእል ኢኻ። እምበኣር፡ ን2023 ብትስፉው ኣመለኻኽታ ጀምራ!

a የሆዋ ብሕታዊ ስም ኣምላኽ እዩ።—መዝሙር 83:18