ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ፊሊስ ሊያንግ | ታሪኽ ህይወት

የሆዋ ንዘርኣኽዎ ፍቓደኛነት ባሪኽዎ

የሆዋ ንዘርኣኽዎ ፍቓደኛነት ባሪኽዎ

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሳ ዘላ ርብቃ፡ ኣብ ህይወታ ፍቓድ የሆዋ ንምግባር ዓብዪ ለውጢ ኽትገብር ምስ ተሓትተት፡ “ሕራይ እኸይድ” ኢላ መለሰት። (ዘፍጥረት 24:50, 58) ንርእሰይ ፍልይቲ ገይረ ኽርእያ ዘይደሊ እኳ እንተ ዀንኩ፡ ንየሆዋ ንምግልጋል ተመሳሳሊ ፍቓደኛነት ከርኢ እጽዕር እየ። የሆዋ ንዜጋጥመካ ብድሆታት ተጻዊርካ ንእተርእዮ ፍቓደኛነት፡ ብዘይተጸበኻዮ መገዲ ኸም ዚባርኽ ርእየ እየ።

ሓደ ብዕድመ ዝደፍአ ሰብኣይ ክቡር መዝገብ ኣምጺኡልና

 ስድራ ቤትና ናብታ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ እትርከብ ከተማ ሮድፖርት ምስ ገዓዘት፡ እተወሰነ ዓመታት ጸኒሑ ኣቦይ ሞይቱ። ብ1947 ጓል 16 ዓመት ከለኹ ስድራ ቤትና ንምሕጋዝ፡ መንግስቲ ኣብ ዚውንኖ ተሌኮምኒኬሽን ናይ ምሉእ ግዜ ስራሕ ክሰርሕ ጀሚረ። ሓደ መዓልቲ ኣብ ገዛ ኸለኹ፡ ሓደ ብዕድመ ዝደፍአ ሰብኣይ መጺኡ ዅንትራት ግምቢ ዘብዐኛ ኽንኣቱ ሓተተና። ነቲ ሰብኣይ ባህ ከነብሎ ኢልና ዅንትራት ኣቲና።

 ይኹን እምበር፡ ነዊሕ ከይጸንሐ ልክዕ ፍልጠት መጽሓፍ ቅዱስ ንምጥራይ ድሌት ሓደረና። ኣደይ መንእሰይ ከላ ኣባል ቤተ ክርስትያን ደች ሪፎርምድ ነበረት፡ ጸኒሓ ነቲ ኣብ መንጎ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህሮን እታ ቤተ ክርስትያን እትምህሮ ትምህርትን ዘሎ ፍልልይ ተገንዘበት። መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክንጅምር ተሰማማዕና፡ ነዊሕ ከይጸንሐ ድማ ኣብ ኣኼባታት ጉባኤ ኽንእከብ ጀሚርና። ብ1949 ካብ ስድራ ቤትና መጀመርታ እተጠመቕኩ ኣነ እየ ነይረ። ንእተወሰነ ዓመታት ኣብ ዓለማዊ ስራሕ እሰርሕ እኳ እንተ ነበርኩ፡ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ዝያዳ ኽገብር ደለኹ።

ዝያዳ ዓየይቲ ናብ ዜድልይዎ ቦታ ምኻድ

FomaA/stock.adobe.com

ኮክሲስተርስ

 ብ1954 ስርዕቲ ፈላሚት ኰይነ ኸገልግል ጀሚረ፣ ንቤት ጽሕፈት ጨንፈር ደቡብ ኣፍሪቃ ድማ ዝያዳ ኽሕግዘሉ ዝኽእል ቦታ ሓቲተዮም። እቲ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ድማ ናብ ከተማ ፕሪቶርያ ክኸይድን ሓንቲ ፈላሚት ሓብቲ ኽትሓብረንን መሰናድዎ ገይሩ። እቲ ብሓባር እንነብረሉ ዝነበርና ገዛ ምሹእ እዩ ነይሩ። ነቲ ኣብ ከባቢና ዚሽየጥ ዝነበረ ኮክሲስተርስ ዚብሃል ምቁር ጥውይዋይ ሕብስቲ ኽሳዕ ሕጂ እየ ዝዝክሮ።

 እታ ፈላሚት ዝነበረት መገላግልተይ ምስ ተመርዓወት፡ ኣገልጋሊ ጨንፈር ዝነበረ ሓውና ጆርጅ ፊሊፕ፡ ፍልይቲ ፈላሚት ኰይነ ኸገልግል ዝኽእል እንተ ዀይነ ሓቲቱኒ፣ ኣነ ድማ ነቲ ዝቐረበለይ ዕድመ ብሓጐስ ተቐቢለዮ።

 ብ1955 ፍልይቲ ፈላሚት ኰይነ መጀመርታ እተመደብኩላ ኸተማ፡ ሃሪስሚዝ ትብሃል። ኣነን እታ ሓዳስ ፈላሚት መገላግልተይን እንነብረሉ ጽቡቕ ቤት ኣይረኸብናን። ንኣብነት፡ እታ ኣብ ከባቢና ዝነበረት ቤተ ክርስትያን ብዛዕባና ምስ ፈለጠት ነታ ዘካረየትና ሰበይቲ ኸተውጽኣና አገደደታ።

 ጸኒሐ ኣብ ፓርክሃረስት፡ ጆሃንስበርግ ተመደብኩ። ኣብኡ ድማ ክልተ ሚስዮናውያን ኣሓት ተጸምቢረናኒ። ድሕሪ ግዜ፡ እታ ሓንቲ ተመርዕያ እታ ሓንቲ ድማ ናብ ካልእ ቦታ ተመዲባ። ኣይሊን ፖርተር እትብሃል ሓንቲ ሕያወይቲ ሓብቲ እኹል ክፍሊ እኳ እንተ ዘይነበራ፡ ምስኣን ምስ ስድራ ቤታን ክነብር ወሲዳትኒ። ካብቲ ቐንዲ ገዛ ብመጋረጃ ኣብ እተፈልየ ንእሽቶ ቦታ ኸኣ እድቅስ ነይረ። ኣይሊን ለዋህን ኣወንታዊትን ስለ ዝነበረት ምስኣ ጥዒሙኒ እየ ዝነብር ነይረ። ብዙሕ ናይ ስድራ ቤት ሓላፍነት እኳ እንተ ነበራ፡ እቲ ንሓቂ ዝነበራ ቕንኣት ይስሕበኒ ነይሩ።

 ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ኣብ ምብራቓዊ ኬፕ እትርከብ ኣሊዋ ኖርዝ ኣብ እትብሃል ከተማ ተመደብኩ። ኣብኡ ድማ መርሊን ሎረንስ (መርሊ) ምስ እትብሃል ሓብቲ አገልግል ነይረ። ኣብቲ ግዜ እቲ ክልቴና ኣብ 20ታት ዕድመና ኢና ኔርና። ኣብኡ ሓንቲ ብዕድመ ዝደፍኣት—ንሕና ማማ ዶት ኢልና እንጽውዓ— ዶርቲ እትብሃል ሓብቲ ነበረት። ኣብነታ ብዙሕ እዩ ዜተባብዓና ነይሩ። መንእሰይ ኣብ ዝነበረትሉ ግዜ ኣብ ኣገልግሎት ከላ፡ ብዕስለ ኣኽላባት ተነኽሰት፡ እዚ ግና ንስብከት ዝነበራ ቕንኣት ፈጺሙ ኣየጕደሎን።

 ብ1956 መርሊ ኣብ መበል 28 ክፍሊ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ክትካፈል ከደት። ኣነ እውን ምስኣ እንተ ዝኸይድ ባህ ምበለኒ ነይሩ። ይኹን እምበር፡ ማማ ዶት ብዙሕ እያ ተኸናኺናትኒ፡ ዝነበረና ናይ ዕድመ ፍልልይ ብዘየገድስ ናይ ቀረባ መሓዙት ኰንና።

  ኣነ እውን ከም መርሊ ናብ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ምስ ተዓደምኩ፡ ክሳዕ ክንደይ ከም እተሓጐስኩ እሞ ገምትዎ። ቅድሚ ምንቃለይ ምስ ሓንቲ ኻብ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ እተመረቐት፡ ካቲ ኩክ እትብሃል ሓብቲ ኣብ ከተማ ኒጀል ንሸሞንተ ኣዋርሕ ኣገልገልና። ካቲ ብዛዕባ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ህንጥዮት ከም ዚሓድረኒ ገይራ፣ ድሕሪኡ ኣብ ጥሪ 1958 ናብ ኒው ዮርክ ነቒለ።

ንኽስልጥን ፍቓደኛ ዀንኩ

 ኣብ ጊልዓድ፡ ጓል ሳሞዋ ምስ ዝዀነት ቲያ ኣሉኒ እትብሃል ሓብትን ጓል ሞሪ ምስ ዝዀነት ኪቪ ካወ እትብሃል ሓብትን ኣብ ሓንቲ ኽፍሊ ንነብር ኔርና። ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኸለኹ፡ ስርዓት ኣፓርታይድ፡ ንጸዓዱ ኻብ ካልኦት ዓሌት ይፈሊ ስለ ዝነበረ ምስ እዘን ኣሓት ምንባር ንዓይ ሓድሽ ነገር እዩ ዀይኑኒ። እንተ ዀነ ግና ቀልጢፈ እየ ፈትየየን። ካብ መላእ ዓለም ምስ ዝመጹ ተምሃሮ ኽምሃር ኣጋጣሚ ብምርካበይ ከኣ ኣዝየ እየ ተሓጒሰ።

 ሓውና ማክስወል ፍሬንድ ሓደ ኻብቶም ኣብ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ዚምህሩና ዝነበሩ መምህራን እዩ ነይሩ። ሓድሓደ ግዜ፡ እቲ ዚምህረሉ ዝነበረ መገዲ ዜጨንቕ እዩ ነይሩ። ኣብቲ ዚምህረሉ ኽፍሊ፡ “ቃና፡” “ፍጥነት፡” “ሓይሊ” ዚብላ ሰለስተ መብራህቲ ነይረን። ሓደ ተምሃራይ መደረ ወይ መርኣያ ኬቕርብ ከሎ፡ እቲ ኣቀራርባ ሓደ ነገር ዝጐደሎ ዀይኑ እንተ ተሰሚዕዎ፡ ሓውና ፍሬንድ ሓንቲ ኻብተን መብራህቲ ይውልዕ ነይሩ። ሓፋር ስለ ዝነበርኩ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ክፍሊ ኬቕርብ ከለኹ፡ ሓንቲ ኻብተን መብራህቲ ይውልዓለይ ነይሩ። ከምኡ ኺገብር ከሎ ሓድሓደ ግዜ እበኪ ነይረ። ይኹን እምበር፡ ንሓውና ፍሬንድ ይፈትዎ ነይረ እየ። ኣብ መንጎ ትምህርቲ ንዚውሃበና ዝነበረ ዕዮ ጽሬት ክዓዪ ኸለኹ፡ ቡን ሒዙለይ ይመጽእ ነይሩ።

 ኣዋርሕ እናሓለፈ ምስ ከደ፡ ኣበይ ኰን እምደብ ኢለ እሓስብ ነይረ። ናይ ቀደም መገላግልተይ ዝነበረት መርሊ ኻብ ጊልዓድ ተመሪቓ ኣብ ፐሩ ተመዲባ ነበረት። ንሳ ድማ ነቲ ኣብቲ እዋን እቲ መሪሕ ግደ ዝነበሮ ሓውና ናታን ኖር፡ ኣብ ቀረባ እዋን ክትምርዖ ተዳልያ ንዝነበረት ሚስዮናዊት መገላግልታ ኽትክኣ ዝኽእል እንተ ዀይነ ኽሓትቶ ሓሳብ ኣቕረበትለይ። ሓውና ኖር ንቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ኣብ እተወሰነ ሰሙናት ይበጽሕ ስለ ዝነበረ፡ ንዕኡ ምዝራብ ቀሊል እዩ ነይሩ። ምስ ተመረቕኩ ኸኣ ኣብ ፐሩ ተመዲበ።

ኣብ ኣኽራን ምግልጋል

ብ1959 ኣብ ፐሩ፡ ምስ መርሊ (የማን)

 ኣብ ሊማ፡ ፐሩ ምስ መርሊ እንደገና ብምርኻበይ ተሓጐሰ እየ። ስጳንኛ እመሃር እኳ እንተ ነበርኩ፡ ካብ ፈለማ ኣትሒዙ ግና ዕቤት ዚገብሩ መጽናዕትታት መጽሓፍ ቅዱስ ነይሮምኒ እዮም። ጸኒሕና፡ ኣነን መርሊን ኣብ ኣኽራን ኣብ እትርከብ ኣያኩቾ ተመደብና። ከም ሓቂ እቲ ምደባ ቀሊል ኣይነበረን። እተወሰነ ስጳንኛ ተማሂረ ነይረ፣ መብዛሕትኦም እቶም ህዝቢ ግና ኩችዋ ጥራይ እዮም ዚዛረቡ ነይሮም። ነቲ ትሑት መጠን ኦክስጅን ዝነበሮ ኣኽራን ክንለምዶ እውን ግዜ ወሲዱልና እዩ።

ብ1964 ኣብ ፐሩ ኸገልግል ከለኹ

 ኣብ ኣያኩቾ ብዙሕ ዝዓመምኩ ዀይኑ ኣይተሰምዓንን። ከመይሲ፡ ኣብቲ ኸባቢ ብዙሓት ሰባት ሓቂ ኪቕበሉ እዮም ኢለ ኣይሓሰብኩን ነይረ። ይኹን ኣምበር፡ ኣብዚ ግዜ እዚ ኣብ ከተማ ኣያኩቾ፡ ልዕሊ 700 ኣስፋሕትን ቤት ጽሕፈት ትርጉም ማዕዶ ቛንቋ ኣያኩቾን ኣሎ።

 ድሕሪ ግዜ፡ መርሊ ምስ ራሞን ካስቲሎ ዚብሃል ሓላው ወረዳ ተመርዕያ። ብ1964 ራሞን ኣብ ጊልዓድ ን10 ወርሒ ሰልጢነ። ኣብ ክፍሉ ድማ ቀደም ኣብ ጊልዓድ መማህርተይ ዝነበረ ፉ ሎን ሊያን እተባህለ መንእሰይ ነይሩ። ንሱ ኣብ ሆንግ ኮንግ የገልግል ነይሩ። ደሓር ድማ ምስ ዕዮ ጨንፈር እተተሓሓዘ ሓላፍነታት ተወሳኺ ስልጠና ንምውሳድ እንደገና ናብ ጊልዓድ ተዓዲሙ።  a ፉ ሎን ኣብ ፐሩ ኸመይ ከም ዘለኹ ንራሞን ሓቲትዎ፡ ጸኒሕና ኸኣ ምስ ፉ ሎን ክንጸሓሓፍ ጀሚርና።

 ካብ መጀመርታኡ፡ ፉ ሎን እቲ እንጸሓሓፎ ዘሎና ንወረዘ ኸም ዝዀነ ብንጹር ገሊጹለይ ነይሩ። ኣብ ሆንግ ኮንግ ዚነብር ሃሮልድ ኪንግ ዚብሃል ሚስዮናዊ፡ ናብ እንዳ ጶስጣ ይመላለስ ስለ ዝነበረ ንደብዳቤታቱ ይማልኣሉ ነይሩ። ሃሮልድ፡ ኣብቲ ፉ ሎን ናባይ ዚሰድዶ ዝነበረ ጶስጣ ንኣሽቱ ስእልታት ይስእልን ንኽዋዘ ድማ “ቀቀልጢፍካ ጽሓፈላ ኺብሎ እየ” ዚብልን ይጽሕፍ ነይሩ።

ምስ ፉ ሎን

 ን18 ኣዋርሕ ምስ ተጸሓሓፍና፡ ኣነን ፉ ሎንን ክንምርዖ ወሰንና። ኣብ ፐሩ ንኣስታት ሸውዓተ ዓመት ድሕሪ ምግልጋለይ ካብኡ ወጻእኩ።

ኣብ ሆንግ ኮንግ ሓድሽ ህይወት ጀሚረ

 ብ17 ሕዳር 1965 ኣነን ፉ ሎንን ተመርዓና። ኣነን ሰብኣየይን ምስ ካልኦት ክልተ ሰብ ሓዳር፡ ኣብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ሆንግ ኮንግ ክንነብር ጀመርና፣ ነዚ ሓድሽ ህይወት ድማ ፈቲናዮ ኔርና። ፉ ሎን ኣብቲ ጨንፈር ኣብ ዕዮ ትርጉም ኪውዕል ከሎ፡ ኣነ ድማ ኣብ ኣገልግሎት እውዕል ነይረ። ቋንቋ ቻይንኛ ኽምሃር ከቢዱኒ ነይሩ። እንተዀነ ግና፡ እተን ካልኦት ሚስዮናውያን ኣሓትን እቲ ፍቑር ብዓል ቤተይን ብትዕግስቲ ሓጊዞምኒ እዮም። ቋንቋ እናተመሃርኩ ንንኣሽቱ ቘልዑ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምምራሕ፡ ካብቲ ዝነበረኒ ወጥሪ ፍዅስ ከም ዚብለኒ ገይሩ እዩ።

ኣብ መፋርቕ 1960ታት ኣባላት ስድራ ቤት ሆንግ ኮንግ ዝነበርና ሽዱሽተ ሰባት። ኣነን ፉ ሎንን ኣብ ማእከል ኣለና።

 ድሕሪ እተወሰነ ዓመታት፡ ኣነን ፉ ሎንን ኣብ ካልእ ክፋል ሆንግ ኮንግ ኣብ እትርከብ ከተማ ኩዋን ቶንግ ኣብ ቤት ሚስዮናውያን ክንነብር ጀመርና። ኣብኡ ፉ ሎን ሓደስቲ ንዝመጹ ሚስዮናውያን ቋንቋ ቻይንኛ ይምህሮም ነይሩ።  b ኣገልግሎት ጥዑም ስለ ዝነበረ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ናብ ገዛይ ቀልጢፈ ኽምለስ ኣይደልን እየ ነይረ።

 ብ1968 ነታ ናብ ናይ ዘልአለም ህይወት እትመርሕ ሓቂ ዘርእስታ ንመጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እትሕግዝ ሓዳስ መጽሓፍ ብምውጽኣ ኣዝየ እየ ተሓጒሰ። ካብታ ቕድሚኣ ዝነበረት “ለት ጎድ ቢ ትሩ” ዘርእስታ ሕታም ዝቐለለት እያ ነይራ። እዛ መጽሓፍ እዚኣ፡ ብፍላይ ነቶም ምስ መጽሓፍ ቅዱስን ምስ ክርስትናን ብዙሕ ሌላ ዘይነበሮም ተምሃሮ ኣዝያ ቐላል እያ ነይራ።

 ይኹን እምበር፡ እቶም ተምሃሮ ነቲ ኣብቲ ጽሑፍ ዝነበረ ሕቶታት ኪምልሱ ብምኽኣሎም ጥራይ፡ ነታ ሓቂ ኸም እተቐበልዋ ገይረ ምሕሳበይ ጌጋ እዩ ነይሩ። ንኣብነት፡ ሓንቲ ኻብተን ምሳይ መጽሓፍ ቅዱስ እተጽንዕ ዝነበረት ሰበይቲ ንብምልእታ መጽሓፍ ሓቂ ወዲኣ ኸተብቅዕ፡ ብኣምላኽ ኣይኣመነትን። በዚ ኸምዚ፡ እቶም ተምሃሮይ ነቲ ዚምህሮም ዝነበርኩ ይርድኦም እንተ ነይሩ ንምፍላጥ ብዝያዳ ምስኦም ክመያየጥ ከም ዘሎኒ ተማሂረ እየ።

 ኣብ ክዋን ቶንግ ንሒደት ዓመታት ድሕሪ ምጽናሕ፡ ናብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ተመሊስና፡ ኣብኡ ኸኣ ፉ ሎን ኣባል ኮሚተ ጨንፈር ሆንግ ኮንግ ኰይኑ ኼገልግል ጀሚሩ። ኣብቲ ዘገልገልኩሉ ዓመታት፡ ኣብ ጽሬትን ኣብ መቐበሊ ኣጋይሽን እሰርሕ ነይረ። ሓድሓደ ግዜ፡ ፉ ሎን ምስጢራዊ ዝዀነ ቲኦክራስያዊ ዕዮታት ንምዕያይ ይገይሽ ነይሩ። ኣነ ኸሰንዮ ዘይክእል እኳ እንተ ነበርኩ፡ ሓላፍነቱ ኣብ ምፍጻም ይድግፎ ስለ ዝነበርኩ ግና ሕጕስቲ እየ።

ፉ ሎን ካልአይቲ ጥራዝ ሕታም ትንቢት ኢሳይያስ ብናይ ቀደም ቻይንኛን ብቕልል ዝበለ ቻይንኛን ከም ዝወጸት ኬፋልጥ ከሎ

ሃንደበታዊ ለውጢ

 እቲ ዜሕዝን፡ ብ2008 ኣብ ህይወተይ ብሃንደበት ዓብዪ ለውጢ ኣጋጠመኒ። ፉ ሎን ኣብ መገሻ ኸሎ ቀቅድሚ ዝኽሪ ሞት የሱስ ብሃንደበት ሞይቱ። እቲ ሓዘን ኣመና ኸቢዱኒ ነይሩ። ብኡብኡ፡ ኣሕዋትን ኣሓትን ንኼጸናንዑኒ ተኣከቡ። መደረ በዓል ዝኽሪ እናቐረበ ኸሎ፡ ንሓንቲ ተገዳሲት ነቲ ዚንበብ ጥቕስታት የርእያ ነይረ። እዚ ድማ ንኸይበኪ ሓጊዙኒ እዩ። ብፍላይ ካብ ሓንቲ ፉ ሎን ዚፈትዋ ዝነበረ ጥቕሲ ሓይሊ ረኺበ እየ። እታ ጥቕሲ ኸኣ ከምዚ ትብል፦ “ብየማነይቲ ኢድካ ሒዘካ ዘለኹ፡ . . . ‘ኽረድኣካ እየ’ ኸኣ ዝብለካስ ኣነ የሆዋ ኣምላኽካ እየ።”—ኢሳይያስ 41:13

 ፉ ሎን ድሕሪ ሙማቱ ሸውዓተ ዓመት ጸኒሑ፡ ኣብ ሆንግ ኮንግ ዝነበሩ ኣሕዋት፡ ዝሓሸ ኽንክን ጥዕና ምእንቲ ኽረክብ ናብ ዝዓበየ ጨንፈር ክግዕዝ ሓሳብ ኣቕሪቦም። ስለዚ፡ ብ2015 ናብቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዚርከብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ግዒዘ። እዚ ቦታ እዚ፡ ካብቲ ብ1947 ሓቂ ዝፈለጥኩሉ ቦታ ብዙሕ ርሑቕ ኣይነበረን።

 ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ብዙሕ ዜሕጕስ ዓመታት ኣሕሊፈ እየ። የሆዋ ኸኣ ነቲ ዘርኣኽዎ መንፈስ ፍቓደኛነት ባሪኽዎ እዩ። ምስቶም ክሳዕ ሕጂ እሙናት ኰይኖም ንየሆዋ ዘገልግሉ ዘለዉ ናይ ቀደም ተምሃሮይ እራኸብ እየ። ኣብ ዕዮ ስብከት እነበርክቶ ንእሽቶ ነገር የሆዋ ኽሳዕ ክንደይ ከም ዚባርኾ ርእየ እየ። ንኣብነት፡ ኣብ ፐሩ ብ1958 ኣስታት 760 ዝነበረ ቝጽሪ ኣስፋሕቲ፡ ኣብ 2021 ናብ ኣስታት 133,000 ደይቡ እዩ። ኣብ ሆንግ ኮንግ ድማ ብ1965 ኣስታት 230 ዝነበረ ቝጽሪ ኣስፋሕቲ ኣብ 2021 ናብ 5,565 ደይቡ እዩ።

 ዕድመይ ስለ ዝደፍአ፡ ከምቲ ቐደም ዝገብሮ ዝነበርኩ ሕጂ ኽገብር ኣይክእልን እየ። ይኹን እምበር፡ እቲ ንየሆዋ ንምግልጋል ዘሎኒ መንፈስ ፍቓደኛነት ኣይተቐየረን። እዚ መንፈስ እዚ፡ ኣብታ የሆዋ ዜምጽኣ ሓዳስ ዓለም ደጊመ ኸንጸባርቖ እህንጠ እየ። ኣብኡ ብዙሕ ዕዮ ኺህሉ እዩ፡ ኣነ እውን “ሕራይ እኸይድ” ክብል እየ።

a ፉ ሎን ሊያንግ ናብ ሓቂ ብኸመይ ከም ዝመጸ ዝያዳ ንምፍላጥ፡ ኣብ መጽሓፍ ዓመት ናይ የሆዋ መሰኻኽር 1974 (እንግሊዝኛ)፡ ኣብ ገጽ 51 ርአ

b ፉ ሎን ኣብ ክዋን ቶንግ ካብ ዘጋጠሞ ሓደ ተመክሮ ኽትፈልጥ እንተ ደሊኻ፡ ኣብ መጽሓፍ ዓመት ናይ የሆዋ መሰኻኽር 1974 (እንግሊዝኛ)፡ ኣብ ገጽ 63 ርአ