ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ካብ መዛግብትና

መሃይምነት ንምጥፋእ እተገብረ ዓለምለኻዊ ጻዕሪ

መሃይምነት ንምጥፋእ እተገብረ ዓለምለኻዊ ጻዕሪ

 ኣብ ብራዚል ዚነብር ኣጎሽቲኖ፡ “ኣብ ገጠር ኣብ ዚርከብ ሕርሻ እየ ዓብየ። ድኻታት ኢና ኔርና። ምእንቲ ኽሰርሕን ንስድራይ ዜድሊ ምእንቲ ኽምእርርን፡ ትምህርተይ ኣቋሪጸ እየ” ይብል። ኣጎሽቲኖ ወዲ 33 ዓመት ክሳዕ ዚኸውን፡ መሃይም እዩ ነይሩ። ብዛዕባ እዚ ኸኣ፡ “ንባብን ጽሕፈትን ምኽኣለይ፡ ንርእሰይ ዝያዳ ኣኽብሮት ከም ዚህልወኒ ገይሩ እዩ” ይብል።

 ኣጎሽቲኖ ሓደ ኻብቶም ኣብ ዝሓለፈ 70 ዓመት ብናይ የሆዋ መሰኻኽር ንባብን ጽሕፈትን እተማህሩ ርብዒ ሚልዮን ሰባት እዩ። እሞ ደኣ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነዚ ትምህርቲ እዚ ዚህቡ ስለምንታይ እዮም፧ ሰባትከ ኻብዚ ትምህርቲ እዚ ብኸመይ ተጠቒሞም፧

መሃይምነት ንፍልጠት ይዕንቅፍ

 ኣብ መፋርቕ 1930ታት፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ 115 ሃገራት ይሰብኩ ነይሮም እዮም። ሚስዮናውያን ከኣ በበይኑ ቛንቋታት ንዚዛረቡ ሰባት ንምሕጋዝ፡ ተተርጒሙ እተቐድሐ መደረታት መጽሓፍ ቅዱስ ይውልዑሎም ነይሮም እዮም፣ ኣብ ገሊኡ መዳያት ከኣ በቲ ናይቲ ዓዲ ቛንቋታት ጽሑፋት የበርክቱ ነይሮም እዮም። ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ተገዳስነት ከም ዘለዎም እኳ እንተ ኣርኣዩ፡ መሃይምነት ግና ተወሳኺ ፍልጠት ከይቐስሙ ይዕንቅፎም ነይሩ እዩ።

 ገሊኦም ሰባት ንመጽሓፍ ቅዱስ ባዕሎም ኬንብብዎ ስለ ዘይክእሉ፡ ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ከም ዚትግብርዎ ምፍላጥ የጸግሞም ነይሩ እዩ። (እያሱ 1:8፣ መዝሙር 1:2, 3) ክርስትያናዊ ሓላፍነታቶም ኣብ ምፍጻም እውን፡ ብድሆታት የጋጥሞም ነይሩ እዩ። ንኣብነት፡ ወለዲ ኼንብቡ ዘይክእሉ እንተ ዀይኖም፡ ንደቆም ምምሃር ብዝያዳ ቓልሲ እዩ ዚዀኖም። (ዘዳግም 6:6, 7) ኬንብቡ ዘይክእሉ ሓደስቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ድማ፡ ንኻልኦት ንምምሃር ዘለዎም ክእለት ድሩት እዩ ዚኸውን።

መሃይምነት ንምጥፋእ እተገብረ ወፈራ

 ኣብ 1940ታትን 1950ታትን፡ ክልተ ኻብቶም ኣብ ህዝቢ የሆዋ መሪሕ ግደ ዝነበሮም ናታን ኖርን ሚልተን ሄንሸልን ንዕዮ ስብከት ንምውዳብ፡ ናብ እተፈላለያ ሃገራት ገሹ። ኣብተን መሃይምነት ዘስፋሕፍሓለን ሃገራት ከኣ፡ ንኣብያተ ጽሕፈት ጨንፈር ኣብ ጉባኤታት ትምህርቲ ንባብን ጽሕፈትን ኪቐውም ኣተባብዑ።

ብ1954፡ ኣብ ቺንጎላ፡ ዛምብያ ኣብ እተገብረ ዓብዪ ኣኼባ፡ ንንባብ እትሕግዝ ጽሕፍቲ ብቛንቋ ሲንያንጃ ወጸት

 ኣብያተ ጽሕፈት ጨንፈር ድማ፡ ብዛዕባ ኣካይዳ እቲ ትምህርቲ ዚገልጽ መምርሒ ናብ ጉባኤታት ለኣኹ። ኣብ ገሊኡ ሃገራት፡ መንግስቲ እቲ ዓዲ ዝሰርዖ መደብ ትምህርቲ ነይሩ እዩ። ንኣብነት፡ ኣብ ብራዚል፡ እቲ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ካብ መንግስቲ ናውትን መጻሕፍትን ምስ ተቐበለ፡ ንጉባኤታት ልኢኽዎ እዩ። ኣብ ካልእ ሃገራት ድማ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናይ ርእሶም መደብ ትምህርቲ ንባብን ጽሕፈትን ኬማዕብሉ ነይርዎም እዩ።

 ትምህርቲ ንባብን ጽሕፈትን፡ ንደቂ ተባዕትዮን ንደቂ ኣንስትዮን፡ ንንኣሽቱን ንዓበይትን ክፉት እዩ ነይሩ። ዕላማ እቲ ትምህርቲ ንተምሃሮ ብቛንቋኦም ኬንብቡ ምምሃር እዩ ነይሩ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ሓድሓደ ግዜ ኣብ ሓንቲ ጉባኤ ናይ በበይኑ ቛንቋታት ትምህርቲ ኺውሃብ ኣድልዩ እዩ።

ንሰባት ዚሕግዝ ትምህርቲ

 ሰባት ካብ ትምህርቲ ንባብን ጽሕፈትን ብኸመይ ተጠቒሞም፧ ኣብ መክሲኮ እትነብር ናይ የሆዋ ምስክር ከምዚ ትብል፦ “ሕጂ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል ከም ዘሎ ኽርዳእ ክኢለ እየ፣ እዚ ድማ ንልበይ ተንክይዎ እዩ። ንባብ ስለ ዝኸኣልኩ፡ ምስ ጐረባብተይ ከይተሰከፍኩ ኽዛራረብ እኽእል እየ፣ መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ እውን ንብዙሓት ሰባት ከካፍሎም ክኢለ እየ።”

 ትምህርቲ ንባብን ጽሕፈትን ዜምጽኦ ጥቕሚ፡ ሰባት ንመጽሓፍ ቅዱስ ኪርድእዎ ኻብ ምሕጋዝ ዝዘለለ እዩ። ኣብ ቡሩንዲ ዚነብር ኣይዛክ፡ “ንባብን ጽሕፈትን ብምኽኣለይ፡ ህንጸት ክምሃር ሓጊዙኒ እዩ። ህንጸት ሞያይ ኰይኑ እዩ፣ ሕጂ ድማ ዓበይቲ ፕሮጀክትታት ህንጸት እቈጻጸር ኣለኹ” ይብል።

ብ2014፡ ኣብ ሊሎንግወ፡ ማላዊ፡ ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ብቛንቋ ቺቸዋ ትምህርቲ እናተዋህበ

 ኣብ ፐሩ እትነብር ሀሱሳ፡ ትምህርቲ ንባብን ጽሕፈትን ክትጅምር ከላ፡ 49 ዓመት ገይራ ነይራ። ንሳ ኸምዚ ትብል፦ “ብዓልቲ ሓዳር ብምዃነይ፡ ኣብ ዕዳጋ ናይ ዝረኽቦ ኣስቤዛ ዋጋታትን ስማቱን ክፈልጥ የድልየኒ ነይሩ። ቀደም፡ እዚ የጸግመኒ ነይሩ። ሳላ ትምህርቲ ንባብን ጽሕፈትን ግና፡ ንስድራ ቤተይ ክሽምት ከለኹ፡ ከይጋገ ኣይስከፍን እየ።”

 ኣብ ሕሉፍ ግዜያት፡ ሰበ ስልጣን እተፈላለያ ሃገራት ንናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ብምኽንያት እቲ መሃይምነት ንምጥፋእ ዝገበርዎ ዕዮ ንኢዶምዎም እዮም። ሎሚ እውን፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር በቲ ንዓመታት እናተመሓየሸ ዝኸደ ትምህርትን ናውትን ገይሮም ትምህርቲ ንባብን ጽሕፈትን ይህቡ ኣለዉ። ንባብ ንምምሃር ወይ ነቶም ድሩት ትምህርቲ ዘለዎ ንምሕጋዝ ድማ፡ ብ720 ቋንቋ ኣስታት 224 ሚልዮን ብሮሹራት ነዲፎምን ሓቲሞምን ኣለዉ። a

a ንኣብነት፡ እታ ኣፕላይ ዮርሰልፍ ቱ ሪዲን ኤንድ ራይቲን ዘርእስታ ብሮሹር ብ123 ቋንቋ ተዳልያ ኣላ። እታ ንኣምላኽ ስምዓዮ ዘርእስታ ብሮሹር ከኣ ብ610 ቋንቋ ተዳልያ ኣላ።