ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ካብ መዛግብትና

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ኒው ዚላንድ—ሰላማውያንን ውፉያትን ክርስትያናት ድዮም፧

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ኒው ዚላንድ—ሰላማውያንን ውፉያትን ክርስትያናት ድዮም፧

 ብ21 ጥቅምቲ 1940፡ ኒው ዚላንድ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ንድሕንነት ህዝቢ ዜስግእ መነዓቢ ውድብ ገይራ ጠቀነቶም። እዚ ኣዋጅ መንግስቲ እዚ፡ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዙሕ ጽገማት እኳ እንተፈጠረሎም ተስፋ ግና ኣየቝረጾምን። ንኣብነት፡ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ይሃድንዎምን ይኣስርዎም እኳ እንተ ነበሩ፡ ንኣምልኾ ኻብ ምእካብ ግና ዓዲ ኣይወዓሉን።

 ሜሪ ስማ ናይ የሆዋ ምስክር፡ እቲ ኣንዲ ክላርክ ዝስሙ በዓል ቤታ ናይ የሆዋ ምስክር ኣይነበረን። ይኹን እምበር፡ ኣንዲ ክላርክ ነቲ ብዓልቲ ቤቱ ኣብ ዜስግእ ዅነታት እናነበረት ክነሳ፡ ኣኼባታት ከይትበኵር ዝገበረቶ ቘራጽነት ኣስተብሃለሉ። ብዓልቲ ቤቱ ኣብ ኣኼባታት ክትእከብ ከላ ኸይትእሰር ድማ ፈርሀ። ኣንዲ ቕድሚኡ ገይርዎ ዘይፈልጥ እኳ እንተ ነበረ፡ ምስ ሜሪ ናብ ኣኼባታት ኪኸይድ ጀመረ። እንተ ተእሲርኪ ምሳኺ እየ ዚእሰር ድማ በላ። ካብ ሽዑ ኣትሒዙ ኸኣ፡ ምስ ሰበይቱ ኣብ ኵሉ ኣኼባታት ይእከብ ነበረ። ድሕሪ ግዜ ኸኣ፡ ንሱ እውን ተጠሚቑ ናይ የሆዋ ምስክር ኰነ። ኣብ እዋን ካልእይ ውግእ ዓለም፡ ኣብ ኒው ዚላንድ፡ ከም ሜሪ መስጐጕቲ እንኣጋጠሞም ንኣምላኽ እሙናት ኰይኖም ኬገልግሉ ዝመረጹ ብዙሓት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነይሮም እዮም።

ማእሰርቲ ኣበርቲዕዎም

 ሓደ መዓልቲ ፖሊስ፡ ጆን ማሪ ንእተባህል 78 ዓመት ዝዕድሚኡ ናይ የሆዋ ምስክር፡ ካብ ቤት ናብ ቤት እናኸደ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ኪዛረብ ከሎ ደው ኣበልዎ። ቤት ፍርዲ ንጆን ማሪ ኣብ ንጥፈታት መነዓቢ ውድብ ከም እተሳተፈ ገይሩ ፈረዶ። ብዙሓት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተኸሲሶም ኣብ ቤት ፍርዲ ቐሪቦም እዮም። ገሊኦም ብገንዘብ ተቐጺዕም፡ ገሊኦም ከኣ ክሳዕ ሰለስተ ወርሒ ተኣሲሮም እዮም።

 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብመሰረት እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ሕልናኦም ኣብ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ከይሳተፉ ኣበዩ። (ኢሳይያስ 2:4) በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ ኣብ እዋን እቲ ብዙሓት ናብ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ዚጽውዕሉ ዝነበረ እዋን ከቢድ ጸገማት ኣሕሊፎም እዮም። ስለዚ፡ 80 ዝዀኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ወተሃደራዊ ስልጠና ብዘይ ምውሳዶም እቲ ውግእ ክሳዕ ዚዛዘም ኣብ ደምበ እሱራት ተዳጒኖም እዮም። ኣብቲ ቦታ እቲ፡ ኣዝዮም የጋፍዕዎም እኳ እንተ ነበሩ፡ ገሊኡ ወቕቲ ድማ ኣዝዩ ቈራሪ እኳ እንተ ነበረ፡ እቶም ኣሕዋት ብሓጐስ ንየሆዋ ምግልጋሎም ቀጺሎም እዮም።

 ኣብ ደምበ እሱራት ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ውዓል ሕደር ከይበሉ መንፈሳዊ ንጥፈታቶም ጀሚሮም እዮም። ጉባኤ ኣቚሞም ድማ ብስሩዕ ኣኼባታት ይእከቡን ተወዲቦም ንኻልኦት እሱራት ይሰብክሎምን ነበሩ። ኣብ ገሊኡ ቦታታት እሞ ኸኣ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሓለዋ እናተገብረሎም ዓበይቲ ኣኼባታት ከካይዱ ኽኢሎም እዮም። ገሊኦም እሱራት ኣብኡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ተማሂሮም ተጠሚቖም እዮም።

ኣብ ደምበ እሱራት ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ወዲቦም

 እቶም ኣቐዲሞም እተጠቕሱ ሜሪን ኣንዲን፡ ብሩስ ስሙ ንእሽቶ ወዶም ነቲ ደምበ እሱራት ዝያዳ መንፈሳዊ ፍልጠት ንምቕሳም ተጠቕመሉ። ከምዚ ብምባል ከኣ የዘንቱ፦ “ካብቶም ኣብኡ ተኣሲሮም ዝነበሩ ብዙሕ ተመክሮ ዝነበሮም እሕዋት ብዙሕ ፍልጠት ክቐስም ብምኽኣለይ፡ ንዓይ ልክዕ ከም ቤት ትምህርቲ እዩ ነይሩ።”

 ብ1944 መንግስቲ ንገለ ኻብቶም ኣብ ደምበ እሱራት ዝነበሩ ሰባት ኪለቆም ሓሲቡ ነበረ። ይኹን እምበር፡ ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ፡ ‘ናይ የሆዋ መሰኻኽር እንተ ተፈቲሖም፡ ብዛዕባ እምነቶም ንኻልኦት ኪዛረቡ እዮም’ ዚብል ስግኣት ስለ ዝነበሮም፡ ከይልቀቑ ተቓወሙ። እቲ ጸብጻብ ከምዚ ይብል፦ “እዞም ሰባት ኣብ ማእሰርቲ ምቕጻሎም፡ እተወሰነ ቐይዲ ዚገብረሎም እኳ እንተ ዀነ፡ እቲ ዕሙት እተሓሳስበኦም ግና ፈጺሙ ኪቕየር እይክእልን እዩ።”

ንድሕንነት ህዝቢ ዜስግኡ ኣይኰኑን

 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብምኽንያት እቲ እገዳ ኣብ ኵሉ ስለ እተፈልጡ፡ ገሊኦም ሰባት ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኪፈልጡ ተሃንጠዩ። ድሕሪ ግዜ፡ ብዙሓት ሰባት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንድሕንነት ህዝቢ ዜስግኡ ኸም ዘይኰኑ ተረዲኦም እዮም። ኣብ ክንዳኡስ፡ ዘይጓድኡ ሰላማውያን ክርስትያናት ምዃኖም ፈለጡ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ፡ ብ1939 ኣብ ኒው ዚላንድ ዝነበረ ቍጽሪ ናይ የሆዋ መሰኻኽር 320 ኪኸውን ከሎ፡ ብ1945 ግና ናብ 536 ደየበ።

 ኣብ ልዕሊ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እተገብረ እገዳ ዘይፍትሓዊ ኸም ዚዀነ ዚስምዖም ሰበ ስልጣን ኣይሰኣኑን እዮም ነይሮም። ሓደ ዳኛ፡ ንሓደ ዚሰብኽ ዝነበረ ሓው ዝቐረበሉ መርትዖ ድሕሪ ምስማዑ፡ ነቲ ኽሲ ነጸጎ። ከምዚ ኸኣ በለ፦ “ብመሰረት እቲ ዘሎኒ እምነት ኰነ፡ ብዛዕባ ሕጊ ዘሎኒ ምርዳእ፡ ሓደ ሰብ መጽሓፍ ቅዱስ ስለ ዝዘርግሐ ጥራይ ከም ገበነኛ ምቝጻሩ ቕቡል ኣይኰነን።”

 ድሕሪ ምዝዛም እቲ ውግእ፡ እቲ እገዳ ምስ ተላዕለ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንጐረባብቶም ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ኪምህርዎም ዝያዳ ቘራጽነት ገበሩ። ብ1945: ኣብ ኒው ዚላንድ ንዝነበራ ዅለን ጉባኤታት ካብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር እተላእከት ደብዳበ ኸምዚ ትብል፦ “ነፍሲ ወከፍኩም ንዅሎም ሰባት ሜለኛታትን ፍሽሕዋትን ለዋሃትን ኩኑሎም። ክትዕን ግጭትን ኣወግዱ። ሰባት ንትምህርቲ ሃይማኖቶም ብቕንዕና ኸም ዚኣምንሉን ህይወቶም ብእኡ ኺመርሑ ኸም ዚደልዩን ኣይትረስዑ። ብዙሓት ካባታቶም ኣባጊዕ ጐይታ ስለ ዝዀኑ፡ ናብ የሆዋን ናብ መንግስቱን ክንመርሖም ይግባእ።”

 ሎሚ፡ ኣብ ኒው ዚላንድ ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንተቐማጦ እታ ዓድን ንበጻሕትን መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ይነግርዎም ኣለዉ። ሓደ መዓልቲ፡ ኣብ ቱራኒ ዚነብራ 4 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ውሽጢ ኽልተ ሰዓት፡ ካብ 17 ሃገራት ንዚመጹ 67 በጻሕቲ ተዛሪበናኦም።

 ህዝቢ ኒው ዚላንድ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ዚምርሑ ሰላማውያንን ውፉያትን ክርስትያናት ከም ዝዀኑ ይፈልጡ እዮም። ኣብ ዓዓመት ብኣማእታት ዚቝጸሩ ተጠሚቖም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ይዀኑ እዮም። ብ2019፡ ኣብዛ ኣብ ደቡባዊ ኽፋል ዓለም እትርከብ ሃገር፡ ንየሆዋ ብሓጐስ ዜገልግልዎ፡ ልዕሊ 14,000 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነይሮም።

ብ1940: እቲ ዕዮ ድሕሪ ምእጋዱ፡ ቁሩብ ጸኒሑ ንመጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እተገብረ ኣኼባ

ኣብ ኖሩዝ ኣይላንድ፡ ኒው ዚላንድ፡ ኣብ ደምበ እሱራት ዚርከብ ሓደ ሰብ ዚእሰረሉ ሸላታት

ኣብ ኖሩዝ ኣይላንድ፡ ኒው ዚላንድ፡ ዚርከብ ደምበ እሱራት ሃውቱ

ብ1949፡ ብምኽንያት ገለልትነቶም ተኣሲሮም ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር