ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ካብ መዛግብትና

ኣብ እተኸፋፈለት ሃገር እተራእየ ሓድነት

ኣብ እተኸፋፈለት ሃገር እተራእየ ሓድነት

 ደቡብ ኣፍሪቃ ኻብ 1948 ክሳዕ መጀመርታ 1990ታት፡ ብስርዓት ኣፓርታይድ እያ እትምራሕ ነይራ። a ኣብቲ እዋን እቲ፡ ብዙሓት ሰባት ብሰንኪ ዓሌቶም ይግፍዑ ነይሮም እዮም። ኬሊ እተባህለት ኣብቲ ግዜ እቲ ኸም ሓንፈጽ እትቝጸር ዝነበረት ሰበይቲ፡ “እቶም ጸዓዱ ዘይኰኑ እውን ከይተረፈ ኣብ ንሓድሕዶም ምፍልላይ ይገብሩ ነይሮም እዮም” ብምባል ትዝክር።

 ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዚነብሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብ ብዙሕ ዓሌታት ዝመጹ እዮም። ኣብ እዋን ኣፓርታይድ ዝነበረ ዅነታት ብኸመይ ሓሊፎምዎ፧ ካብ ታሪኾም እንታይ ንምሃር፧

ብሰሪ ኣፓርታይድ እተፈጥረ ሓደጋታት ምግጣሙ

 ነቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዚግበር ዝነበረ ዓሌታዊ ኣፈላላይ ብዙሓት ተቓዊሞም እዮም። ነቲ ብመንግስቲ ዚግበር ዝነበረ ኣፈላላይ እተቓወሙ ሰባት ገሊኦም ተኣሲሮም፡ ገሊኦም ድማ ተቐቲሎም እዮም። እዚ ኸኣ፡ ነቲ ዚገብርዎ ዝነበሩ ተቓውሞ ናብ ጐነጽ ከም ዜምርሕ ገይርዎ። ብኣንጻሩ ኸኣ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንሕጊ ተኣዚዞም፡ ኣብቲ ዚግበር ዝነበረ ተቓውሞ ወይ ፈተነ ዕልዋ መንግስቲ ኢዶም ኣየእተዉን። በዚ ኸኣ፡ ኣብ ቀዳማይ ክፍለ ዘመን ንዝነበሩ ክርስትያናት ብምምሳል ‘ነቶም ኣብ ልዕሊኦም ዘለዉ ሰበ ስልጣን’ ከም ዚግዝኡ ኣርእዮም እዮም።—ሮሜ 13:1, 2

 ብዙሓት ሰባት ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ገለልትነቶም ሓዲጎም ምስኦም ምእንቲ ኺውግኑ፡ ብተደጋጋሚ ጸቕጢ ይገብሩሎም ነይሮም እዮም። እንተ ዝውግኑ ነይሮም፡ ነቲ ፖለቲካዊ ግጭት ምደገፉ ወይ ከኣ ኣንጻር መንፈሳውያን ኣሕዋቶም ምተዋግኡ ነይሮም። ንኣብነት፡ ተምብዜ እተባህለት ከምዚ ትብል፦ “ኣብ 1976 ዝነበረ ዕግርግር፡ ብዙሓት ተምሃሮ ካልኣይ ደረጃ ኣብቲ ፖለቲካዊ ናዕቢ ኺካፈሉ ተገዲዶም እዮም። እቶም ናዕበኛታት ካልኦት ተምሃሮ ምእንቲ ኺጽምበርዎም ፈቐዶ ኣባይቲ እናኸዱ ይዅሕኩሑ ነይሮም። እንተ ኣቢኻ ድማ፡ ገዛኻ ኼንድድዎ ወይ ቀጥቂጦም ኪቐትሉኻ ይኽእሉ ነይሮም እዮም።” ፖለቲካዊ መራሒ ናይ ሓደ ተቓዋሚ ሰልፊ ቴዎፍሎስ ንእተባህለ ናይ የሆዋ ምስክር፡ “ነቶም ጸዓዱ ምስ ሰዓርናዮም፡ ንስኻትኩም ምእንቲ ሃገርኩም ስለ ዘይተዋጋእኹም ተመሊስና መጺእና ኽንቀትለኩም ኢና” በሎ።

ኣብ እተኸፋፈለት ሃገር ሓቢርካ ምእካብ

 ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ብሰንኪ ኣፓርታይድ ጸገማት የጋጥሞም እኳ እንተ ነበረ፡ ኣኼባኦም ግና ኣየቋረጹን። (እብራውያን 10:24, 25) ብሰንኪ እቲ ዝነበረ ዓሌታዊ ኣፈላላይ ብዙሓት ድኽነት ኣጋጢምዎም ስለ ዝነበረ፡ ገሊአን ጉባኤታት ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽ ኪሃንጻ ኣይከኣላን። b ኤንቨር እተባህለ ሓው ከምዚ ይብል፦ “ንነዊሕ ዓመታት ዝኣረገ ህንጻታት ተኻሪና ኢና እንእከብ ኔርና። ስለዚ፡ ኣቦይ ኣኼባታት ጉባኤ ኣብ ገዛና ኺግበር ፈቒዱ። ኣብ ሰሙን ክልተ ግዜ፡ ገዛና ናብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ይቕየር ነይሩ። ሓድሓደ ግዜ ልዕሊ ሚእቲ ዝዀኑ ሰባት ጭቕጭቕ ኢሎም ይእከቡ ነይሮም። ድሕሪ እቲ ኣኼባ ኸኣ ንዅሎም ዚብላዕ፡ ዚስተ ነቕርበሎም ኔርና።”

ብሚያዝያ 1950፡ ጸለምትን ጸዓዱን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሓቢሮም ተኣኪቦም

ብ1980፡ ኣብ ራንድ ስታድዩም፡ ጆሃንስበርግ እተፈላለየ ዝዓሌቶም ሰባት ተኣኪቦም

 ኣሕዋት ነቲ ብሰንኪ ዓሌታዊ ኣፈላላይ ዜጋጥሞም ዝነበረ መሰናኽላት ንምፍታሕ፡ ይበላሓቱ ነይሮም። ንኣብነት፡ ኣብ ኣውራጃ ሊምፖፖ ሓደ ጻዕዳ ሓው፡ ኣብ ሓደ ጸለምቲ ዚነብሩሉ ቦታ ኣብ ኣኼባ ወረዳ መደረ ኺህብ ምስ ተሓትተ፡ ናብቲ ቦታ ኽኣቱ ኣይተፈቕደሉን። እቲ ሓውና ምስ ሓደ ኣብ ጥቓ እቲ ጸለምቲ ዚነብሩሉ ቦታ ሕርሻ ዝነበሮ ጻዕዳ ሰብኣይ፡ ስምምዕ ገበረ። እቲ ተዛራቢ ኣብ ቦታ እቲ ጻዕዳ ሰብኣይ ኰይኑ፡ ነቶም ክንዮው እቲ ሓጹር ዝነበሩ ተኣከብቲ መደረ ኣቕረበሎም።

ሰባት ብዓሌቶም ተፈልዮም ኣብ ዚነብሩሉ ኽልታት ምምስካር

 ኣብ እዋን ኣፓርታይድ፡ ሰባት በብዓሌቶም ተፈልዮም ዚነብሩሉ ቦታ ይምደብ ነይሩ እዩ። ስለዚ፡ ኣብ ሓንቲ ጉባኤ ዚእከቡ ዝነበሩ ደቂ ሓደ ዓሌት ጥራይ እዮም ነይሮም። ብሰንኪ ስርዓት ኣፓርታይድ፡ ኣሕዋት ኣብ ኣገልግሎት ምስ ደቂ ዓሌቶም ጥራይ ኪዋፈሩ ይግደዱ ነይሮም። ንኣብነት፡ ኣብቲ ዘይተመደበ ኽሊ ኣብ እንዓየሉ እዋን፡ ብድሆታት የጋጥመና ነይሩ። ከም ዓሌት ህንዲ ዝቝጸር ዝነበረ ክሪሽ ከምዚ ይብል፦ “ጸዓዱ ዘይኰኑ ሰባት ዚሓድሩሉ መዕረፍ ኣጋይሽ ስለ ዘይነበረ፡ ኣብ ማኪናና ወይ ኣብ ትሕቲ ኣግራብ ክንሓድር ንግደድ ኔርና። ንግሆ ድማ፡ ኣብ መዐደል ነዳዲ ኣብ ዚርከብ መሕጸቢ ንሕጸብ ኔርና። ሓድሓደ ግዜ፡ እቲ መሕጸቢ ቦታታት ንጸዓዱ ጥራይ ዚብል ምልክት ይገብሩሉ ነይሮም። እቶም ኣሕዋት እዚ ዅሉ እናኣጋጠሞም፡ ኣገልግሎቶም ብተኣማንነት ፈጺሞም፡ ንብዙሓት ኣብ ገጠር ዚነብሩ ተገደስቲ ድማ ብሓጐስ ሰቢኾም እዮም።”

ብ1981፡ እተፈላለየ ዝዓሌቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ገጠር ይሰብኩ

 እዚ ዅሉ ጸገማት እናኣጋጠመ ኽነሱ፡ ብዝሒ ህዝቢ የሆዋ እናወሰኸ እዩ ኸይዱ። ብ1948 ሕጊ ኣፓርታይድ ኣብ ዝጸደቐሉ እዋን፡ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ 4,831 ኣስፋሕቲ ጥራይ እዮም ነይሮም። ብ1994 እቲ ስርዓት ኣብ ዘብቅዓሉ፡ ቍጽሪ ኣስፋሕቲ ናብ 58,729 በጺሑ። እዚ ቝጽሪ እዚ፡ እናወሰኸ እዩ ኸይዱ። ብ2021፡ ብዝሒ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዚርከቡ ኣስፋሕቲ ናብ 100,112 ደይቡ።

ብጽልኢ እኳ ተኸቢቦም እንተ ነበሩ፡ ብፍቕሪ ሓቢሮም

 ኣብ እዋን ኣፓርታይድ፡ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ዓሌታዊ ፍልልይ ብሕጊ ኣብ ዚግደደላ ሃገር እዮም ዚነብሩ ነይሮም። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ሃዋህው እናነበሩ ኽነሶም፡ ኣብ መንጎ ዅሎም ዓሌታት ፍቕርን ስኒትን ኪህሉ ኣበርቲዖም ጽዒሮም እዮም። ነዚ ድማ፡ መሰረታዊ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ብምምሃርን ብምትግባርን እዮም ገይሮሞ። (ግብሪ ሃዋርያት 10:34, 35) ብጽልኢ እኳ ተኸቢቦም እንተ ነበሩ፡ ብፍቕሪ ሓቢሮም እዮም።—ዮሃንስ 13:34, 35

 ብ1993፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንዅሉ ዓሌታት ዝሓቘፈ ዓብዪ ኣኼባ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ገይሮም እዮም። ሓደ ፍሉጥ ፖለቲካዊ መራሒ፡ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዚነብሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ካብ መላእ ዓለም ንዝመጹ ኣጋይሽ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ፡ ብውዕዉዕ ስምዒት ኪቕበልዎምን ኪሓቕፍዎምን ረኣየ። ከምዚ ኸኣ በለ፦ “ከምዚ ናትኩም ዝኣመሰለ ሓድነት እንተ ዚህልወና ነይሩ፡ ሽግራትና ቐደም ምፈታሕናዮ ኔርና።”

ብ1955፡ ካብ ዓለምለኻዊ ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝዀነ ሚልተን ሄንሸል ኣብ ዓብዪ ኣኼባ እተፈላለየ ዝዓሌቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር መደረ የቕርብ

ብ1986፡ ኣብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ናይ የሆዋ መሰኻኽር ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ሓደ ጸሊምን ሓደ ጻዕዳን ሓቢሮም ይዓይዩ

ብ1985፡ ቶማስ ስኮሳናን (ጸጋም) ኣልፍረድ ስተይንበርግን እተባህሉ ገዳይም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ዓብዪ ኣኼባ

ብ1985፡ እተፈላለየ ዝዓሌቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ዓብዪ ኣኼባ ምግቢ የቕርቡ

ብ2011፡ ብዙሓት እተፈላለየ ዝዓሌቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ኤፍኤንቢ ስታድዩም፡ ጆሃንስበርግ ተኣኪቦም

a ኣፓርታይድ ማለት ሰባት ብዓሌቶም ተፈልዮም ኪነብሩ ዜገድድ ስርዓት እዩ። እዚ ስርዓት እዚ፡ ሓደ ሰብ እንታይ ከም ዚምሃር፡ እንታይ ከም ዚሰርሕ፡ ኣበይ ከም ዚነብር፡ ንመን ከም ዚምርዖ፡ ኣብ ዓሌት ተመርኲሱ ዝውስን ስርዓት እዩ ነይሩ። ዝያዳ ሓበሬታ ንምርካብ፡ ኣብ መጽሓፍ ዓመት ናይ የሆዋ መሰኻኽር 2007 (እንግሊዝኛ)፡ ዋት ዎዝ ኣፓርታይድ፧ ዚብል ርአ።

b ካብ 1999 ኣትሒዙ፡ ኣብ መላእ ዓለም ዚርከባ ጉባኤታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝገበራኦ ወፈያታት፡ ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽ ምህናጽን ምሕዳስን ኣብ ዘድለየሉ ቦታታት ገንዘባዊ ሓገዝ ንምግባር ጠቒሙ እዩ።