ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መደበር ረድዮ ዳብልዩ.ቢ.ቢ.ኣር.፡ 1924

ካብ መዛግብትና

ፈነወ እቲ ብስራት

ፈነወ እቲ ብስራት

 ሰንበት ምሸት 24 ለካቲት 1924፡ እቲ ዳብልዩ.ቢ.ቢ.ኣር. (WBBR) ዚብሃል ሓድሽ መደበር ረድዮ ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ a ናይ ፈለማ ፈነወኡ ገበረ። እቲ ቐዳማይ ፈነወ ኸመይ እዩ ነይሩ፧ ነዚኸ መን ሰሚዕዎ፧ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ “ብስራት መንግስቲ . . . ኣብ ኵላ ዓለም” ከም ዚፍለጥ ንምግባርከ እንታይ ብሉጽ ተክኖሎጂ እዮም ዚጥቀሙ ዘለዉ፧—ማቴዎስ 24:14

ኣብ ዳብልዩ.ቢ.ቢ.ኣር. ዜገልግል ተክኒሻን

“ፈነወና ጀሚርና”

 እቲ ናይ ፈለማ ፈነወ ኻብ ሰዓት 8:30 ምሸት ኣትሒዙ ንኽልተ ሰዓት እዩ ቐጺሉ። እቲ መደብ ካብቲ ኣብ ስታተን ኣይላንድ፡ ኒው ዮርክ እተሰርሐ ሓድሽ ስቱድዮ እዩ ተፈንዩ። እቲ ዋና ተቘጻጻሪ ድምጺ ዝነበረ ሓውና ራልፍ ለፍለር፡ ኣብቲ ስቱድዮ “ብርቱዕ ስምዒት” ተፈጢሩ ኸም ዝነበረ ተዘክሮኡ ይገልጽ። “ዚሰምዓና ይህሉ ደዀን ይኸውን፧” ኢሉ ኸም ዝሓሰበ ድሕሪ ምግላጽ፡ “ምስ ወላዕክዎ፡ ኪሰልጥ ተስፋ ብምግባር፡ ፈነወና ጀሚርና” ይብል።

 እቲ ናይቲ ታሪኻዊ ፈነወ ኣላላዪ ዝነበረ ሓውና ቪክቶር ሽሚድት ኣካያዲ እቲ መደበር እዩ ነይሩ። ንሱ ኸኣ ነቶም ብምሉኦም ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበሩ ኣቕረብቲ ብምልላይ ነቲ መደብ ከፈቶ። ፈለማ፡ ሓደ ሓው ብፕያኖ ክላሲካዊ ሙዚቃ ተጻወተ። ድሕሪኡ፡ ኮራ ወልማን ኣብታ የሱስ ዝመሰላ ምሳሌ እታ ዝጠፍአት በጊዕ እተመርኰሰት “እተን ተስዓን ትሽዓተን” ዘርእስታ መዝሙር ዘመረት። (ሉቃስ 15:4-7) ድሕሪኡ፡ ካልእ መደባት ሰዓበ። ኣብ ሓደ ኻብኡ ድማ ፍረደሪክ ፍራንዝ ኣብ ዛንታ እቲ ጥፉእ ወዲ ወይ ዘራዊ ወዲ እተመርኰሰት፡ “እቲ ተጣዓሲ” ዘርእስታ መዝሙር ዘመረ።—ሉቃስ 15:11-25

ናይ መኽፈቲ መደብ ዳብልዩ.ቢ.ቢ.ኣር.

 እቲ ኣብ ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ መሪሕ ግደ ዝነበሮ ጆሴፍ ራዘርፎርድ፡ እቲ መደበር “ንረብሓታት መንግስቲ እቲ መሲሕ” ከም እተወፈየ ዚሕብር መደረ ኣቕረበ። ኣብ መደረኡ ኸኣ፡ “ጐይታ ኣብዚ ግዜ እዚ ረድዮ ኺምሃዝ ካብ ፈቐደ፡ ብዛዕባ ምፍጻም እቲ ዓበይቲ ትንቢታቱ ንምምሃር ክንጥቀመሉ ብርግጽ ጽቡቕ ፍቓዱ እዩ” በለ።

“ዋላ ሓንቲ ቓል እኳ ኣየምለጠትንን”

 ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዚነብሩ ብዙሓት ሰባት ነቲ ቐዳማይ ፈነወ ሰሚዖምዎ እዮም። ንኣብነት፡ ልዕሊ 320 ኪሎ ሜተር (200 ማይል) ርሒቑ ኣብ ሞሪስቪል፡ ቨርሞንት ዚነብር ሰማዒ ኸምዚ በለ፦ “ነቲ ፈነወ ኽሰምዖ ኸም ዝኸኣልኩ ኽሕብረኩም እፈቱ። . . . ምናዳ ድምጺ ራዘርፎርድ ጽቡቕ እዩ ተሰሚዑ። . . . ዋላ ሓንቲ ቓል እኳ ኣየምለጠትንን።” ኣብ ሞንቲሰሎ፡ ፍሎሪዳ ዚነብር ሰማዒ እውን ነቲ መደብ ኪከታተሎ ኽኢሉ እዩ። ስለዚ፡ እቲ ሓድሽ መደበር ረድዮ ዓብዪ ኣሳልጦ ረኸበ፣ ናይ ምስጋና ደብዳበታት እውን ወሓዘ።

ጆሴፍ ራዘርፎርድ ኣብ ስቱድዮ ዳብልዩ.ቢ.ቢ.ኣር. ኣብ ጥቓ ማይክሮፎን። ኣላላዪ ዝነበረ ቪክቶር ሽሚድት

 እቲ መደበር ን33 ዓመት መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ፈነወ። b እዚ ኣገልግሎት እዚ ኸኣ ብቐዳምነት ናብ ሰሜናዊ ምብራቕ ሕቡራት መንግስትታት ዝቐንዐ እዩ ነይሩ። ሓድሓደ ግዜ ግና፡ ዳብልዩ.ቢ.ቢ.ኣር. ምስ ካልኦት መደበራት ብምትእስሳር፡ ፈነወኡ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካን ካናዳን ኣብ ካልኦት ሃገራትን ናብ ዚርከቡ ሚልዮናት ሰማዕቲ ይበጽሕ ነይሩ እዩ። ንኣብነት፡ መጽሓፍ ዓመት ናይ የሆዋ መሰኻኽር 1975 ከምዚ ዚብል ጸብጻብ ሒዛ ወጺኣ ነበረት፦ “ኣብታ እቲ ፈነወ ኣብ ዝለዓለ ጥርዚ ዝበጽሓላ 1933፡ ነቲ መልእኽቲ ናብ ሽዱሽተ ኽፍለ ዓለማት ንምብጻሕ 408 መደበራት ኣብ ኣገልግሎት ይውዕል ነይሩ፣ 23,783 መደረታት መጽሓፍ ቅዱስ እውን ይፍኖ ነይሩ። . . . ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ሓደ ሰብ ኣብ ረድዮኡ ኻብ እተፈላለየ መደበራት ዚፍኖ ፈነወ ግምቢ ዘብዐኛ ናይ ምርካብ ተኽእሎ ነይርዎ እዩ። ሞገዳት ኣየር ንኣምላኽ ብዜመጕስ ቃላት ሓቂ እዩ መሊኡ ነይሩ።”

ኣብ በቤት እናኸድካ ዚግበር ኣገልግሎት ካብ ረድዮ ዚሓይሽ ኰነ

 ኣብቲ ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ፈነወ ዳብልዩ.ቢ.ቢ.ኣር. ዝጀመሩሉ እዋን፡ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ብገምጋም 1,064 ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ እዮም ነይሮም። ስለዚ፡ እቲ ፈነወታት ነቶም ብተዛማዲ ሒደት ዝነበሩ ጕጅለ ብዙሕ እዩ ሓጊዝዎም። ብ1957 ግና ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ብገምጋም 187,762 ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ፡ ኣብ ብዘላ ዓለም ከኣ 653,273 ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ እዮም ነይሮም። ኣብ ርእሲ እዚ፡ ሳላ እቲ ኣብ ኣኼባታት ጉባኤ ዚውሃብ ስልጠና፡ እቶም ቀናኣት ኣሕዋትን ኣሓትን ኣብቲ ኣብ በቤት ዚግበር ኣገልግሎትን ኣብ ካልእ መዳያት ኣገልግሎትን ዝያዳ ኽእለት የጥርዩ ነበሩ።

 ስለዚ፡ ሓላፍነት ዘለዎም ኣሕዋት በዚ ኣወንታዊ ለውጥታት እዚ ተለዓዒሎም ፈነወታት ረድዮ ዘለዎ ጥቕምታት ምስቲ ብብሕቲ ኣብ በቤት ዚግበር ምብጻሓት ዘለዎ ጥቕምታት ኣነጻጸርዎ። ከም ውጽኢቱ ድማ፡ እቲ ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ዚውነን እንኮ መደበር ረድዮ ዳብልዩ.ቢ.ቢ.ኣር. ኪሽየጥ ተወሰነ። ብ15 ሚያዝያ 1957 ከኣ እቲ መደበር ተሸጠ። ኣብቲ ፍሉይ ናይ ስንብታ ፈነወ፡ እቲ መደበር ስለምንታይ ከም እተሸጠ፡ ንናታን ኖር ሕቶ ቐረበሉ። ንሱ ኸኣ ሽዑ ኣብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚርከብ ዝነበረ ወሰኽ፡ ብዓብይኡ ሳላ እቲ ኣብ በቤት ዚግበር ምስክርነት ምዃኑ ኺገልጽ ከሎ ኸምዚ በለ፦ “ብዙሓት ብፈነወ ዳብልዩ.ቢ.ቢ.ኣር. ተሓጊዞም እዮም። ኰይኑ ግና፡ ኣብቲ ዳብልዩ.ቢ.ቢ.ኣር. ኣገልግሎት ዚህበሉ ቦታ ዘሎ ወሰኸ፡ ካብቲ ኣብ መላእ ዓለም ዘሎ ወሰኽ ዚሓይሽ ኣይኰነን።” ስለዚ፡ ሓላፍነት ዘለዎም ኣሕዋት ካብቲ ብረድዮ ዚግበር ምስክርነት ንላዕሊ፡ ኣብ በቤት ዚግበር ምስክርነት ብዝያዳ ኣድማዒ ኸም ዝዀነ ደምደሙ። እንተዀነ ግና፡ ፈነወ ሽዑ ንሓዋሩ ኣየብቅዐን። ድሕሪ ሓያሎ ዓመታት እውን ብሓድሽ መልክዕ ዳግም ተቐልቂሉ እዩ።

ሎሚ ዘሎ ፈነወ

 ብ6 ጥቅምቲ 2014፡ ኣብ ውድብ የሆዋ ዜሐጕስ ምዕባለ ተራእየ። በታ ዕለት እቲኣ፡ ፈነወ JW ዚብሃል ተለቪዥን ኢንተርነት ጀመረ። ካብ ሽዑ ንደሓር፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽርን ካልኦት ሰባትን ነዚ ወርሓዊ ፈነወ እዚ፡ ብወብሳይት፡ ብኣፕሊኬሽን JW Library፡ ወይ ብሳተላይት ኣቢሎም ኪረኽብዎ ኽኢሎም እዮም። c ይኹን እምበር፡ ኣብ ገሊኡ ኽፋላት ዓለም፡ ህዝቢ የሆዋ ንረድዮን ንተለቪዥንን ጽቡቕ ገይሮም ይጥቀሙሉ ኣለዉ። ብኸመይ፧

ቀዳማይ ክፋል ፈነወ JW፡ ጥቅምቲ 2014

 ኣብ ቀረባ ዓመታት፡ ውድብ የሆዋ ኣብቲ ጽቡቕ ኢንተርነት ዘይርከበሉ ቦታታት ብናይ ፈነወ ትካላት ብምጥቃም፡ ሰሙናዊ ኣኼባታት ጉባኤን ኣኼባታት ዞባን ብረድዮን ብተለቪዥንን ከም ዚበጽሕ ገይራ እያ። እዚ ፈነወታት እዚ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንዘይኰኑ ብዙሓት ሰባት፡ እንተላይ ንብዙሓት ግዱሳት በጺሕዎም እዩ። ንኣብነት፡ ኣብ 2021ን 2022ን፡ ኣካየድቲ መደበር ረድዮ ንቤት ጽሕፈት ጨንፈር ምብራቕ ኣፍሪቃ፡ ብዙሓት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘይኰኑ ሰባት ስለቲ ኣኼባታትና ምስጋናኦም ከም ዝገለጹ ሓቢሮም እዮም። ኣብ ኬንያን ደቡብ ሱዳንን ታንዛንያን ዚርከቡ ብዙሓት ሰማዕቲ፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪገብሩ ሕቶ ኣቕሪቦም እዮም።

 ይኹን እምበር፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ናብ ብዘላ ዓለም ንምብጻሕ ዚጥቀሙሉ ቐንዲ ሜላ፡ ኣብ በቤት ዚግበር ኣገልግሎትን ምስክርነት ዓረብያን ወብሳይት jw.orgን እዩ። ግዱሳት ዘበሉ ኣብ ወብሳይትና ብልዕሊ 1,080 ቋንቋ፡ መጽሓፍ ቅዱስን መጽሓፍ ቅዱሳዊ ጽሑፋትን ኪረኽቡ ይኽእሉ እዮም፣ እዚ ዅሉ ድማ ብዘይ ክፍሊት እዩ ዚቐርበሎም። ብዘይካዚ፡ ንመጽሓፍ ቅዱሳዊ ሕቶታቶም ዚኸውን መልሲ ኺረኽቡ፡ ኣበይ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ከም ዚግበር ድማ ኪፈልጡ ይኽእሉ እዮም። ሳላ እዚ ጻዕርታትን ተበግሶታትን እዚ ኸኣ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንብስራት መንግስቲ ኣምላኽ፡ ኣብ ታሪኽ ደቂ ሰብ ተራእዩ ብዘይፈልጥ ደረጃ ናብ ኵሉ ኸም ዚበጽሕ ይገብሩ ኣለዉ! እወ፡ ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ እተነበዮ፡ “ኣብ ኵላ ዓለም” ይስበኽ ኣሎ።—ማቴዎስ 24:14

a ብ1931፡ ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚብል ስም ተቐበሉ።

b ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንእተወሰነ ግዜ ኣብ ከም ኣውስትራልያን ካናዳን ዝኣመሰላ ኻልኦት ሃገራት እውን መደበራት ረድዮ ነይርዎም እዩ።