ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ወፈያኻ ኣብ ምንታይ መዓላ ይውዕል፧

መጽሓፍ ቅዱስ ንምጽናዕ እትሕግዝ ፍልይ ዝበለት መጽሓፍ

መጽሓፍ ቅዱስ ንምጽናዕ እትሕግዝ ፍልይ ዝበለት መጽሓፍ

1 ሚያዝያ 2022

 ኣብ ጥሪ 2021፡ ኣመሓዳሪ ኣካል፡ ሓዳስ መጽሓፍ ቅዱስ ንምጽናዕ እትሕግዝ ንዘለኣለም ብህይወት ንበር! ዘርእስታ መጽሓፍ ከም ዝወጸት ምልክታ ነገረ። a ነዚ ምልክታ እዚ ምስ ሰማዕካ ኸመይ ተሰሚዑካ፧ ኣብ ካናዳ ዚነብር ማቲው ከምዚ ይብል፦ “ኣዝየ እየ ተሓጒሰ! እታ ጽሕፍቲ ብኸመይ ከም እተዳለወትን ብኸመይ ከም እተፈተነትን ዚገልጽ መደረታትን ቪድዮታትን ምስ ረኣኹ ኸኣ እቲ ሓጐሰይ እናወሰኸ እዩ ኸይዱ። ክርእያን ክጥቀመላን ተሃንጥየ እየ ዘለኹ።”

 እታ ንዘለኣለም ብህይወት ንበር! ዘርእስታ መጽሓፍ፡ መጽናዕትታት መጽሓፍ ቅዱስ እንመርሓሉ ሓድሽ ሜላ እያ ኣተኣታትያ። ኣብ መንጎ እታ ሓዳስ መጽሓፍን ቅድሚኡ ዝነበረ ንመጽናዕቲ ዚሕግዝ ጽሑፋትን ዘሎ ፍልልይ ግና እዚ ጥራይ ኣይኰነን። ብወረቐት እተሓትመ ቕዳሕ እታ ንዘለኣለም ብህይወት ንበር! ዘርእስታ መጽሓፍ እንተ ተጠቒምካ፡ እቲ ወረቐታ ፍልይ ዝበለ እዩ። ስለምንታይ ከምኡ ኸም ዝዀነ ንምፍላጥ፡ ብኸመይ ከም እተዳለወት እስከ ንርአ።

ፍልይ ዝበለ ወረቐት ዘለዋ ሓዳስ መጽሓፍ

 ረጒድ ወረቐት። ስለምንታይ እዩ እዚ ዜድሊ፧ ንዘለኣለም ብህይወት ንበር! ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ልዕሊ 600 ሕብራዊ ስእልታት ኣለዋ፣ እዚ ድማ ምስታ ይምህረና እትብሃል መጽሓፍ ኪነጻጸር ከሎ፡ ዳርጋ ዓሰርተ ዕጽፊ ማለት እዩ። ብዘይካዚ፡ እዛ ሓዳስ መጽሓፍ፡ ጽሑፍን ስእልን ዘይብሉ ዝያዳ ባዶ ገጻት ኣለዋ። እዚ ኽልተ ረቛሒታት፡ ጸገም ይፈጥር እዩ። እቲ ወረቐት ረቂቕ እንተ ዀይኑ፡ እቲ ኣብ ዝባን ዘሎ ስእልታት ህስስ ኢሉ ኺርአ ይከኣል እዩ። ከምኡ ምእንቲ ኸይከውን፡ ኣብቲ ኣብ ዎልኪል፡ ኒው ዮርክ፡ ሕ.መ.ኣ. ዚርከብ ክፍሊ ኣህጉራዊ ሕትመት ዜገልግሉ ኣሕዋትና፡ ሕጂ ኣብ ኣብያተ ሕትመትና እንጥቀመሉ ዘለና ኣርባዕተ ዓይነት ወረቐት ፈተኑ። ኮሚተ ሕትመት ኣመሓዳሪ ኣካል ከኣ፡ ነቲ ዝቐረበሉ ኣማራጺታት ድሕሪ ምምርማር፡ ነቲ ምስሊ ብዙሕ ዘየመሓላልፍ ዓይነት ወረቐት መረጸ። እዚ ዓይነት ወረቐት እዚ ኻብቲ ንመብዛሕትኡ ኻልእ ጽሑፋት እንጥቀመሉ ወረቐት ብ16 ሚእታዊት ዚኸብር እኳ እንተ ዀነ፡ ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ነታ ንዘለኣለም ብህይወት ንበር! ዘርእስታ መጽሓፍ ኬንብብዋ ኸለዉ፡ በቲ ኣብ ዝባኑ ዘሎ ምስሊ ኣቓልቦኦም ከይስረቕ ይሕግዝ እዩ።

ኣብ የማን ዘሎ ስእሊ፡ ኣብታ ንዘለኣለም ብህይወት ንበር! ዘርእስታ መጽሓፍ ንሕትመት ዝወዓለ ወረቐት የርኢ

 ፍሉይ ዓይነት ገበር። እዛ መጽሓፍ እዚኣ፡ ካብ ካልኦት መጻሕፍትና ፍሉይ ዓይነት ገበር እዩ ዘለዋ። እዚ ዓይነት ገበር እዚ፡ ነቲ ኣብኡ እተሳእለ ስእሊ ጐሊሑ ኸም ዚወጽእ ይገብር እዩ። ኣብ ርእሲ እዚ ድማ፡ ቀልጢፉ ዚኣርግ ኣይኰነን። ኰይኑ ግና፡ እዚ ዓይነት ገበር እዚ ምስቲ ኣብ ካልእ እነዘውትሮ ዓይነት ገበር ኪነጻጸር ከሎ፡ ዋጋኡ ሓሙሽተ ዕጽፊ እዩ። ስለዚ፡ ነዚ ዓይነት ገበር እዚ ብዝሓሰረ ዋጋ ንምርካብ፡ እተፈላለያ ጨናፍር ተሓባቢረን እየን።

እቲ ገበር ኪጥረዝ ከሎ

 ስለምንታይ ኢና እዚ ኽቡር ናውቲ እዚ ኽንጥቀም ወሲንና፧ ኣብ ክፍሊ ኣህጉራዊ ሕትመት ዜግልግል ሓደ ሓው ከምዚ ኢሉ ይገልጽ፦ “ነዛ መጽሓፍ እዚኣ ኣጸቢቕና ኽንጥቀመላ ኢና ትጽቢት እንገብር። ስለዚ፡ ዋላ እውን ብተደጋጋሚ እናተጠቐምናላ ኸለና፡ ትርኢታ ጽቡቕ ኪኸውን ኢና እንደሊ።” ኣብ ጨንፈር ብራዚል ኣብ ዚርከብ ቤት ጽሕፈት ሕትመት ዜገልግል ኤድዋርዶ እውን ከምዚ ይብል፦ “ውድብ የሆዋ ነዛ ጽብቕትን ብዙሕ እተገልግልን ንምሓዛ ባህ እተብልን መጽሓፍ ንምድላው፡ ብሉጽ ናውቲ ምጥቃማን ነቲ እተወፈየ ገንዘብ ብጥበብ እትጥቀመሉ ምዃናን ብዙሕ እዩ ኣሐጒሱና።”

ኣብ እዋን ለበዳ ኮቪድ-19 እተገብረ ሕትመት

 ሕትመት እታ ንዘለኣለም ብህይወት ንበር! ዘርእስታ መጽሓፍ ኣብ መጋቢት 2021 እዩ ተጀሚሩ። እዚ ኣብ እዋን ለበዳ ኮቪድ-19 ብምዃኑ ብድሆታት ፈጢሩ ነይሩ እዩ። ቤት-ኤል ኣብ ዕጽዋ ብምንባሩ፡ ተመላለስቲ ወለንተኛታት ናብ ኣብያተ ማሕተምና ኺዕደሙ ኣይከኣልን እዩ ነይሩ። ሓደስቲ ቤት-ኤላውያን እውን ኣብ ቤት-ኤል ንምግልጋል ኺዕደሙ ኣይከኣልን እዩ ነይሩ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ገሊኡ ኣብያተ ማሕተምና፡ እኹል ዚዓይዩ ሰባት ኣይነበሮን፣ ገሊኡ ኸኣ፡ ብምኽንያት እቲ መንግስቲ ዘውጽኦ ሕጊ ንግዜኡ ተዓጽዩ እዩ ነይሩ።

 እሞ ደኣ እዚ ጸገማት እዚ ብኸመይ ተሰጊሩ፧ ኣብያተ ማሕተምና ኺዓዪ ምስ ከኣለ፡ ኣብ ካልእ ክፍልታት ቤት-ኤል ዜገልግሉ ኣሕዋትን ኣሓትን ንግዜኡ ኣብ ኣብያተ ማሕተም ኪሕግዙ ተመዲቦም። ኣብ ክፍሊ ኣህጉራዊ ሕትመት ዜገልግል ጆኤል ከምዚ ይብል፦ “እቲ ጥቕሚ ርእሲ ናይ ምስዋእ መንፈሶምን እቲ ሓድሽ ዕዮ ኺምሃሩ ዘለዎም ፍቓደኛነትን ነቲ ዕዮ ንምዕማም ኣገዳሲ እዩ ነይሩ።”

 እዚ ዅሉ ጸገማት እናሃለወ ኽነሱ፡ ብሚልዮናት ዚቝጸር ቅዳሓት እዛ ንዘለኣለም ብህይወት ንበር! ዘርእስታ መጽሓፍ ተሓቲሙ ኣሎ። ነዚ ቕዳሓት ንምድላው፡ እተፈላለየ ናውቲ ኣድልዩ እዩ። ገለ ኻብኡ፡ ቀጸላ ሕትመት፡ መጠረዚ፡ ወረቐት፡ ቀለም፡ መጣበቒ ኺጥቀስ ይከኣል። ኣብቲ ኣብ መጀመርታ ሓሙሽተ ወርሒ እተገብረ ሕትመት ኣብ ናውቲ ጥራይ ልዕሊ $2.3 ሚልዮን ዶላር ኣመሪካ እዩ ወጻኢ ተገይሩ። ወጻኢታት ንምንካይ ከኣ፡ ንጉባኤታት ብሓቂ ዜድልየን ብዝሒ መጻሕፍቲ ጥራይ እዩ ተሓቲሙ።

“ፍርያት ስነ ጥበብ እያ”

 መምህራንን ተምሃሮን መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዛ ንመጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እትሕግዝ ሓዳስ መጽሓፍ እንታይ ተሰሚዕዎም፧ ኣብ ኣውስትራልያ ዚነብር ፖል ዚብሃል ሓው ከምዚ ይብል፦ “ንዘለኣለም ብህይወት ንበር! ዘርእስታ መጽሓፍ ባህ እተብል ስለ ዝዀነት፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምምራሕ ተሃንጥየ እየ ዘለኹ። ቅርጺ እታ መጽሓፍ ኣዝዩ ማራኺ እዩ፣ ብሓቂ እውን ኣሳታፊት እያ። ንጹር ሓበሬታ፡ ልቢ ዚትንኪ ሕቶታት፡ ቪድዮታት፡ ስእልታት፡ ሰሌዳታት፡ ንተምሃራይ ዚኸውን ሸቶታት ኣጣሚራ ዝሓዘት ብልጽቲ መጽሓፍ እያ። ናይ ምምሃር ክእለተይ ንምምሕያሽ እትድርኽ ፍርያት ስነ ጥበብ እያ።”

 ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዚነብር ተምሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፦ “ነዛ ሓዳስ መጽሓፍ እዚኣ ብሓቂ እየ ፈትየያ። እቲ ስእልታት ነቲ ቐንዲ ነጥብታት ክርድኦ ይሕግዘኒ እዩ። እቲ ቪድዮታት ንልበይ ይትንክዮ፡ ስጕምቲ ኽወስድ እውን የለዓዕለኒ እዩ።” እዚ ተምሃራይ እዚ ኣብ ሰሙን ክልተ ሳዕ የጽንዕ ኣሎ፣ ብስሩዕ እውን ኣብ ኣኼባታት ጉባኤ ይእከብ ኣሎ።

 ብሚልዮናት ዚቝጸር ቅዳሓት እዛ ንዘለኣለም ብህይወት ንበር! ዘርእስታ መጽሓፍ ገና ብብዙሕ ቋንቋታት ኪሕተም እዩ። ከም ሓቂ እኳ ደኣስ፡ ኣመሓዳሪ ኣካል፡ እዛ መጽሓፍ እዚ ብ710 ቋንቋ ኽትሕተም ፍቓድ ሂቡ ኣሎ፣ እዚ ድማ ካብቲ እታ ይምህረና እትብሃል መጽሓፍ እተሓትመትሉ ብዝሒ ቛንቋታት ብ340 ይዛይድ!

 እሞ ደኣ ወጻኢታት ሕትመት ብኸመይ እዩ ዚሽፈን፧ በቲ ንዓለምለኻዊ ዕዮ ዚግበር ወፈያታት ኣቢሉ እዩ ዚሽፈን፣ መብዛሕትኡ ኻብዚ ወፈያታት እዚ ድማ በቲ donate.pr418.com ኣቢልካ እዩ ዚልኣኽ። ስለቲ ናይ ልግሲ መንፈስኩም ነመስግነኩም፣ ሳላ እቲ ልግስኹም ከኣ ነቶም ብዛዕባ የሆዋ ኺምሃሩን ‘ንዘለኣለም ብህይወት ኪነብሩን’ ዚደልዩ ሰባት ዚኸውን ንመጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚሕግዝ ናውቲ ኸነዳሉ ኽኢልና ኣለና።—መዝሙር 22:26

a ኣብቲ ምስ ዓመታዊ ኣኼባ ተተሓሒዙ ዝቐረበ መንፈሳዊ ትምህርቲ ዝቐረበሉ ፈነወ JW እያ ወጺኣ።