ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ወፈያኻ ኣብ ምንታይ መዓላ ይውዕል፧

ብሓንቲ ኢድካ ኽትሕዞ እትኽእል ቤተ መጻሕፍቲ

ብሓንቲ ኢድካ ኽትሕዞ እትኽእል ቤተ መጻሕፍቲ

1 መስከረም 2021

 “ክሳዕ እዚ ቐረባ ግዜ፡ ብዲጂታዊ መገዲ መንፈሳዊ ምግብና ኽንረክብ ኣይንሓስቦን ኢና ኔርና።” ነዚ ቓላት እዝስ ትዝክሮዶ፧ ካብቲ ሓውና ጀፍሪ ጃክሰን ኣብ እዋናዊ ሓበሬታ ኣመሓዳሪ ኣካል 2020ቍ. 6 ዘቕረቦ ዜተባብዕ መደረ እተወስደ እዩ። ኣስዕብ ኣቢሉ ድማ፡ “ሕጂ ግና ነዚ ለበዳ ብዘይ ከም JW Library ዝኣመሰለ ናውቲ ኣይምኸኣልናዮን። የሆዋ ዓመታት ኣቐዲሙ፡ ንኸምዚ ዝበለ እዋን ኬዳልወና ጸኒሑ እዩ” በለ።

 እሞ ደኣ ብኸመይ እዩ የሆዋ ኼዳልወና ጸኒሑ፧ ኣፕሊኬሽን JW Library ንምድላው እንታይ ዕዮታት እዩ ተዓይዩ፧ ንምክንኻኑን ንምምሕያሹንከ እንታይ ኪግበር ኣለዎ፧

ብዓይነቱ ናይ መጀመርታ

 ኣብ ግንቦት 2013፡ ኣመሓዳሪ ኣካል ነቲ ኣብ ዓለምለኻዊ ቐንዲ ቤት ጽሕፈት ዚርከብ ክፍሊ ፕሮግራሚንግ መፕስ፡ ነቲ እተኸለሰ ትርጉም ሓዳስ ዓለም ዝሓዘ ኣፕ ኬዳሉ ሕቶ ኣቕረበሉ። ኣብ ፕሮግራሚንግ መፕስ ዚዓዪ ፖል ዊሊስ፡ “ክሳዕ ሽዑ፡ ኣብ ዝዀነ ኣፕ ስቶር ናይ ሞባይል ኣፕ ኣውጺእና ኣይንፈልጥን ኢና ኔርና” ይብል። ኣስዕብ ኣቢሉ ድማ ከምዚ ይብል፦ “እንተዀነ ግና፡ ሓደ ጕጀለ ጠርኒፍና፡ እተወሰነ ፕሮጀክት ወዚፍና፡ ምስ ካልእ ክፍልታት ብምትሕብባር ነቲ ኣፕን ትሕዝቶኡን ክንነድፍን ክንሃንጽን ጀሚርና። ብዙሕ ሳዕ ኢና እንጽሊ ኔርና፣ ብሓገዝ የሆዋ ድማ እቲ ኣፕ ድሕሪ ሓሙሽተ ወርሒ ኣብ ዓመታዊ ኣኼባ ወጺኡ!”

 እቲ ዚቕጽል ብድሆ፡ ነቲ ኣፕ እቲ ተወሳኺ ጽሑፋትን ቋንቋታትን ናብ ዚሕዝ ናይ ሓቂ ቤተ መጻሕፍቲ ምቕያር እዩ ነይሩ። ኣብ ጥሪ 2015፡ መብዛሕትኡ እቲ ብእንግሊዝኛ ዝወጸ እዋናዊ ሕታማትና ኣብቲ ኣፕ ይርከብ ነይሩ እዩ፣ ድሕሪኡ ድሕሪ ሽዱሽተ ወርሒ ድማ፡ እቲ ኣፕ ብኣማእታት ቋንቋታት ኪሰርሕ ጀመረ።

 ካብ ሽዑ ንነጀው፡ ኣሕዋትና ነቲ ኣፕ ብእተፈላለየ መገድታት ኣመሓይሾምዎ፡ ቪድዮታት ወሲኾምሉ፡ ንዅሉ እቲ ንኣኼባታት ጉባኤ ዜድሊ ጽሑፋትን ሚድያን ኣብ ትሕቲ ሓደ ኽፋል ጠርኒፎምዎ፡ ከምኡ እውን ተጠቀምቲ ንመሐበሪ ምርምር ብቐጥታ ኻብ ፍቕዲ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዚጥቀሙሉ ገይሮም እዮም።

ነቲ ቤተ መጻሕፍቲ ዚግበረሉ ቐጻሊ ኽንክን

 JW Library ኣብ መመዓልቲ ኣብ 8 ሚልዮን ናውቲ፡ ኣብ ወወርሒ ድማ ኣብ ልዕሊ 15 ሚልዮን ናውቲ ይኽፈት እዩ! እሞ ደኣ ነቲ ኣፕ ብዘይ ሽግር ከም ዚዓዪ ንምግባር እንታይ ኪግበር ኣለዎ፧ ሓውና ዊሊስ ከምዚ ብምባል ይገልጽ፦ “ናይ ሞባይል ኣፕ ወዲእካ ኣይውዳእን እዩ። ሓድሽ ነገራት ንምውሳኽን ንተጠቀምቲ ኸም ዚጥዕም ጌርካ ንምምሕያሽን ወትሩ ኢና እንዓዪ። ንዲጂታዊ ናውቲ መተዓየዪ ዚኸውን ኮመርሻል ኦፐሬቲንግ ሲስተም ወትሩ ስለ ዚዝምን፡ ምስቲ ሲስተም ከም ዚሳነ ንምግባር ነዚ ኣፕ እዚ ብቐጻሊ ነመሓይሾ ኢና። ብዝሒ እቲ ኣብ JW Library ዚወጽእ ጽሑፋትን ቅዳሓትን ብቐጻሊ ስለ ዚውስኽ እውን፡ ነቲ ሶፍትዌርና ኸነመሓይሾ ኣሎና።” ኣብ JW Library ብዅሉ ቛንቋታት ዚርከብ ፍርያት ሕትመት ብድምር እንተ ጸብጺብናዮ፡ ሕጂ ኣስታት 200,000 ጽሑፋትን ልዕሊ 600,000 ቅዳሓት ኣውድዮን ቪድዮን ኣሎ!

 ነዚ ኣፕ እዚ ቐጻሊ ደገፍ ንምሃብ፡ ኮምፕዩተራት ጥራይ ኣይኰነን ዜድሊ። እተፈላለየ ፍቓድ ዋኒን ሶፍትዌር እውን ኪዕደግ የድሊ እዩ። ሓደ ፍቓድ ዋኒን ጥራይ፡ ኣብ ዓመት 1,500 ዶላር ኣመሪካ እዩ ዚኽፈሎ። ብተወሳኺ ድማ፡ ክፍሊ ፕሮግራሚንግ መፕስ፡ እዚ ኣፕ ኣብ ሓድሽ ኮምፕዩተራትን ታብለታትን ተሌፎናትን ጽቡቕ ይዓዪ ኸም ዘሎ ንምርግጋጽ፡ ካብ እተፈላለዩ ኣፍረይቲ ንዚዕደግ ናውቲ፡ ኣብ ዓመት ኣስታት 10,000 ዶላር ኣመሪካ የውጽእ እዩ።

ሕታማትና ኣራጊፍና ምጥቃም፡ እተወፈየ ገንዘብ የድሕን

 JW Library ነቲ ጽሑፋት ኣብ ምሕታምን ኣብ ምጥራዝን ኣብ ምልኣኽን ዚወጽእ ዝነበረ ገንዘብ ኣመና ነክይዎ እዩ። ንኣብነት፡ ነታ ቅዱሳት ጽሑፋት መዓልቲ መዓልቲ ምምርማር እስከ ንርአ። ናይ 2013 ሕታም እዛ ጽሕፍቲ፡ ዳርጋ 12 ሚልዮን ቅዳሓት እዩ ተሓቲሙ። ናይ 2020 ሕታም ግና፡ ኣስታት ሓሙሽተ ሚልዮን ቅዳሓት ጥራይ እዩ ተሓቲሙ፣ ኣብ መንጎ ኽልቲኡ እዋን ድማ ኣብ ብዘላ ዓለም ኣስታት 700,000 ኣስፋሕቲ ወሲኾም እዮም። እዚ ለውጢ ኺህሉ ዝኸኣለ ስለምንታይ እዩ፧ ምኽንያቱ፡ ሕጂ መብዛሕትኦም ኣሕዋትናን ኣሓትናን ብ JW Library እዮም ጥቕሲ ዕለት ዜንብቡ ዘለዉ። a

“እዚ ብዋጋ ዚሽነን ኣይኰነን”

 JW Library ንተጠቀምቱ ብብዙሕ መገድታት ይሕግዞም እዩ። ኣብ ካናዳ እትነብር ዠነቭየቭ፡ እዚ ኣፕ እዚ ንመጽናዕታ ስሩዕ ኪኸውን ኣበርክቶ ኸም ዝገበረ እዩ ዚስምዓ። ብኸመይ ከም ዝሓገዛ ኽትገልጽ ከላ ኸምዚ ትብል፦ “መዓት መጻሕፍቲ እናገንጸልኩ ኸጽንዕ እንተ ዝግደድ፡ ንግሆ ንግሆ ዘጽንዕ ኣይመስለንን። ሳላ እዚ ኣፕ ግና፡ ታብለተይ ምስ ከፈትኩ፡ ዜድልየኒ ዅሉ ኣብዚ እረኽቦ እየ። እዚ ስሩዕ መጽናዕቲ እዚ ድማ፡ ንእምነተይ ኣደልዲልዋ፡ ንመንፈሳውነተይ እውን ኣዕሚቝዎ እዩ።”

ዠነቭየቭ

 ምናዳ ኣብ እዋን ለበዳ ኮቪድ-19፡ እዚ ኣፕ እዚ ብዙሕ ጠቒሙና እዩ። ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ እትነብር ሻርሊን ከምዚ ትብል፦ “ኮቪድ-19 ንብዘላ ዓለም ለቢዕዋ ብምንባሩ፡ ንልዕሊ ዓመት ዋላ ሓደ ኻብቲ ኣብ ወረቐት እተሓትመ ሓድሽ ጽሑፋትና ኣይረኣኹን ነይረ። ሳላ JW Library ግና ብመንፈሳዊ መዳይ ጽቡቕ ኢና ተመጊብና፣ ንየሆዋ ድማ ነዚ ፍቕራዊ መሰናድዎ ብምግባሩ አመስግኖ እየ።”

 ኣብ ፊሊፒንስ እትነብር ፌይ ከኣ ከምዚ ዚስዕብ ብምባል ናይ ብዙሓት ስምዒት ገሊጻ ኣላ፦ “ብዘሎ መንፈሳዊ ህይወተይን ልማዳተይን ኣብ ሓደ ሓያል ኣፕ ተጠርኒፉ ኣሎ። ንግሆ ምስ ተንሳእኩ፡ ፈለማ ብእኡ እየ ዘንብብ። ካልእ ዋኒነይ እናገበርኩ ብእኡ እየ ዝሰምዕ። ንኣኼባታት ክዳሎ ኸለኹ፡ ብእኡ እየ ዘጽንዕ። ንመጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክዳሎ ኸለኹ፡ ብእኡ እየ ዝጥቀም። ናጻ ግዜ ኺህልወኒ ኸሎ፡ ካብኡ እየ ቪድዮታት ዝርኢ። ሪጋ እናተጸበኹ፡ ካብኡ እየ ዓንቀጻት ወይ መጽሓፍ ቅዱስ ዘንብብ። ኰታስ፡ እዚ ብዋጋ ዚሽነን ኣይኰነን።”

 እዚ ኣፕ እዚ ኣብ ኣገልግሎት እውን ኣዝዩ ጠቓሚ እዩ። ንኣብነት፡ ሓንቲ ኣብ ካመሩን እትነብር ሓብቲ ኣብ ኣገልግሎት እናሰበኸት ከላ፡ ቅድሚ ሒደት ሰሙናት ካልእ ሓብቲ እተጠቕመትላ ጥቕሲ ኽትጥቀም ደለየት። ኰይኑ ግና፡ እታ ጥቕሲ ኣበይ ከም እትርከብ ጠፍኣታ። ሽዑ ዝገበረቶ ኽትገልጽ ከላ ኸምዚ ትብል፦ “እቲ ዜሕጕስ ግና፡ ካብታ ጥቕሲ ሓንቲ ሓረግ ዘከርኩ። ነቲ ኣፕ ከፊተ፡ ናብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣትየ፡ ነታ ሓረግ ኪደሊ ኣዘዝክዎ። ብኡብኡ፡ ነታ ጥቕሲ ረኸብክዋ። ሓያሎ ዝጠፍኣኒ ጥቕስታት፡ በቲ ኣፕ ኣቢለ ኽረኽቦ ኽኢለ እየ።”

 እቲ ብ⁠donate.pr418.com ኣቢልካ እትልእኮ ወፈያታት፡ ነቲ ኣብ ብዘላ ዓለም ንዘለዉ ኣሕዋትን ኣሓትን ዜገልግል ኣፕ JW Library ንምምዕባልን ንምክንኻንን ንምምሕያሽን ኣኽኢሉ እዩ። ስለቲ ልግስኻ ነመስግነካ።

ታሪኽ JW Library

  1. ጥቅምቲ 2013—እቲ ኣፕ፡ እተኸለሰ ትርጉም ሓዳስ ዓለም ሒዙ ወጺኡ

  2. ጥሪ 2015—ካልእ ጽሑፋት ብእንግሊዝኛ ኣብቲ ኣፕ ወጺኡ፣ ብኣማእታት ዚቝጸር ቋንቋታት እውን ስዒቡ

  3. ሕዳር 2015—ኣድምቕ ዚብል ትእዛዝ ተወሲኽዎ

  4. ግንቦት 2016—ኣኼባታት ዚብል ክፋል ተወሲኽዎ

  5. ግንቦት 2017—መዘኻኸሪ ንምምዝጋብ ዜኽእል ክፋል ተወሲኽዎ

  6. ታሕሳስ 2017—ንመጽሓፍ ቅዱስ መጽናዕቲ ዚኸውን ክፋል ተወሲኽዎ

  7. መጋቢት 2019—ቅዳሓት ኣውድዮ ንምርጋፍ፡ ቪድዮ ኻብ ኢንተርነት ብቐጥታ ንምርኣይ፡ ከምኡ ድማ መወከሲታት መሐበሪ ምርምር ንምርካብ ዜኽእል ነገራት ተወሲኽዎ

  8. ጥሪ 2021—እታ ብውቁብ መገዲ እተዳለወት ንዘለኣለም ብህይወት ንበር! ተወሲኻቶ

a ካብ JW Library ሓደ ሕታም ብዘራገፍና መጠን፡ ንእሽቶ ኽፍሊት ንኸፍል ኢና። ንኣብነት፡ ዓሚ ኻብ jw.org⁠ን ኣፕ JW Library⁠ን ንዚራገፍ ሕታማት፡ 1.5 ሚልዮን ዶላር ኣመሪካ ኣውጺእና ኢና። ይኹን እምበር፡ ዲጂታዊ ጽሑፋትን ቅዳሓትን ምርጋፍ፡ ጽሑፋትን ሲዲን ዲቪዲን ኣፍሪኻ ኻብ ምልኣኽ ኣጸቢቑ ይሓስር።