ወፈያኻ ኣብ ምንታይ መዓላ ይውዕል፧
ብረድዮን ብተለቪዥንን እተመሓላለፈ ኣኼባ ዞባ
1 ነሓሰ 2021
ኣኼባ ዞባ 2020 ታሪኻዊ እዩ ነይሩ። ከመይሲ፡ እዚ ዓለምለኻዊ ኣኼባ ንፈለማ እዋን ተቐዲሑ ኣብ ኢንተርነት ተዘርጊሑ እዩ። ይኹን እምበር፡ መብዛሕትኦም ኣብ ማላዊን ኣብ ሞዛምቢክን ዚርከቡ ኣሕዋትን ኣሓትን ነቲ ኣኼባ ብዘይ ኢንተርነት እዮም ተኸታቲሎምዎ። እዚ ብኸመይ እዩ ኺግበር ተኻኢሉ፧
ኮሚተ ኣተሓባበርትን ኮሚተ ትምህርትን ኣመሓዳሪ ኣካል፡ ኣብ ማላዊን ኣብ ሞዛምቢክን ኣኼባ ዞባ ብተለቪዥንን ብረድዮን ኪፍኖ እተፈልየ ፍቓድ ሂቡ። እዚ ኣድላዪ ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧ ማላዊ ኻብተን ኣብ ዓለም ንኢንተርነት ብዙሕ ዋጋ ዜኽፍላ ሃገራት ሓንቲ እያ። ኣባል ኮሚተ ጨንፈር ዝዀነ ዊልያም ቹምቢ “ንኣሕዋትን ኣሓትን መንፈሳዊ ምግቢ ኺመሓላለፈሉ ዚኽእል ዝነበረ መገዲ፡ ረድዮን ተለቪዥንን ጥራይ እዩ ነይሩ” በለ። ኣባል ኮሚተ ጨንፈር ማላዊ ዀይኑ ዜገልግል ሉካ ሰቤኮ ዚብሃል ሓው እውን ከምዚ ይብል፦ “እዚ ብተለቪዥንን ብረድዮን እንተ ዘይመሓላለፍ ነይሩ፡ ኣብ ክልና ኻብዚ ኣኼባ እዚ ዚጥቀሙ ኣሕዋት ሒደት ጥራይ ምዀኑ ነይሮም። ኣብ ሞዛምቢክ እውን እንተ ዀነ ይትረፍዶ ኢንተርነት፡ ጽቡቕ ኤለክትሮኒካዊ መሳርሒ ኺዕድጉ ዚኽእሉ ሒደት ኣሕዋት ጥራይ እዮም።”
እተገብረ መሰናድዎታት
ብሰንኪ ለበዳ ኮቪድ 19፡ እተወሰና መደበራት ተለቪዥንን ረድዮን ኣቐዲመን ኣኼባታት ጉባኤ የመሓላልፋ ነይረን እየን። a ስለዚ፡ ኣሕዋትና ናብዘን መደበራት ብምኻድ፡ ነዚ ኣኼባ ዞባ ንምፍናው ተወሳኺ ሰዓት ኣየር ሓተቱ።
ኣብ ማላዊ ዚርከቡ ኣሕዋትና፡ በዳሂ ዅነታት ኣጋጢምዎም ነይሩ እዩ። ከመይሲ፡ እተን መደበራት ፈነወ ንዓማዊለን ናይ ሓደ ሰዓት ግዜ ጥራይ እየን ዚህባ ነይረን። ምኽንያቱ፡ እቲ መደብ ብዝነውሐ መጠን፡ ሰማዕቲ ይስልክዮም እዩ ዚብል ስግኣት ኣለወን። እቶም ኣሕዋት ግና፡ ነተን መደበራት ዕዮና ንማሕበረሰብ ከም ዚጠቅም ገለጹለን። ኣብ እዋን ዕጽዋ እውን ከይተረፈ፡ ንሰባት ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ዜጸናንዕ ብስራት ከም እነካፍሎም እዚ ድማ፡ ንሰባት እሩማት ዜጋታት ኪዀኑን ሕጉስ ናብራ ስድራ ቤት ኪህልዎም ከም ዚሕግዝን ተዛረቡ። እተን መደበራት ነዚ ምስ ሰምዓ፡ ነቶም ኣሕዋት ተወሳኺ ሰዓት ኣየር ፈቐዳሎም።
ኣብ ማላዊ፡ ኣኼባ ዞባ ኣብ ምልእቲ ሃገር ኣብ ዚመሓላለፍን ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት ኪከታተልዎ ኣብ ዚኽእሉን መደበር ተለቪዥንን ረድዮን እዩ ተፈንዩ። ኣብ ሞዛምቢክ ድማ ኣኼባ ዞባ ኣብ ሓንቲ መደበር ተለቪዥንን ኣብ 85 መደበራት ረድዮን እዩ ተፈንዩ።
ኣብ ክልቲአን ሃገራት፡ ኣኼባ ዞባ ብተለቪዥን ንምምሕልላፍ 28,227 ዶላር፡ b ብረድዮ ንምምሕልላፍ ድማ ዳርጋ 20,000 ዶላር ወጻኢ ተገይሩ እዩ። ዋጋ መደበራት ረድዮ ይፈላለ እዩ፣ ንናእሽቱ 15 ዶላር፡ ንሃገራዊ መደበራት ድማ ክሳዕ 2,777 ዶላር ይበጽሕ እዩ።
ኣሕዋትና እቲ እተወፈየ ገንዘብ ከይባኽን ብዙሕ ጽዒሮም እዮም። ንኣብነት፡ ኣብ ማላዊ ዝተሓተ ዋጋ ኺግበረሎም ተዋግዮም እዮም፣ ወረግ ኣብ ሓደ ቦታስ 30 ሚእታዊት ተቐኒሱሎም እዩ። ሳላ እዚ ቕናስ እዚ፡ ብድምር 1,711 ዶላር ተዓቂቡ እዩ። ኣብ ሞዛምቢክ በቲ ኣሕዋት ዘርኣይዎ ቕንዕናን ክፍሊቶም ኣብ እዋኑ ብምኽፋል ብዘጥረይዎ ጽቡቕ ስምን ገሊአን መደበራት ዋጋ ኺንክያሎም ፍቓደኛታት ኰይነን እየን።
ሞሳኦም ገሊጾም
ኣሕዋትና ኣብ ከባቢኦም ብዚርከባ መደበራት፡ ኣኼባ ዞባ ስለ ዝርኣዩ ወይ ስለ ዝሰምዑ ኣዝዮም ኣማስዮም እዮም። ኣብ ማላዊ፡ ሽማግለ ዀይኑ ዜገልግል ፓትሪክ ከምዚ ይብል፦ “ኣባላት ኣመሓዳሪ ኣካል ኣብ እዋን ለበዳ ንዝገበሩልና ነገራት፡ ኣዚና ነማስወሉ ኢና።” ኣብ ማላዊ ዚነብር ኣይዛክ እውን ከምዚ ይብል፦ “ካልእ ናውቲ የብልናን፣ ስለዚ፡ ነቲ ውድብ የሆዋ፡ ኣኼባ ዞባ ብረድዮ ኽንሰምዕ ዝገበረልና ፍሉይ ምድላው ነማስወሉ ኢና። ሳላ እዚ መሰናድዎ እዚ፡ ምልእቲ ስድራ ቤተይ ካብቲ ኣኼባ ዞባ ተጠቒማ እያ። በዚ ኸምዚ የሆዋ ንህዝቡ ዘለዎ ፍቕሪ ኽንርኢ ኽኢልና ኢና።”
ኣብ ሞዛምቢክ ንፈለማ እዋን ኣብ ኣኼባ ዞባ 2020 እተሳተፈ ሓደ ኣስፋሒ ኸምዚ ይብል፦ “እቲ ኣኼባ ዞባ ብተለቪዥን ክንርኢ እተገብረ መሰናድዎ፡ የሆዋ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ከም ዝዀነ ኣዘኻኺሩኒ እዩ። እቲ ለበዳ፡ የሆዋ መንፈሳዊ ምግቢ ኸይህበና ኣይዓገቶን፣ እኳ ደኣስ፡ ነዚ መደብ ኣብ ሳሎነይ ኰይነ እየ ተኸታቲለዮ። ኣብ መንጎ ህዝቢ የሆዋ ድማ ፍቕሪ ኸም ዘሎ መርትዖ ዀይኑኒ እዩ። እዚ ናይ ሓቂ ሃይማኖት ከም ዝዀነ ኣእሚኑኒ እዩ።”
ሽማግለ ዀይኑ ዜገልግል ዋይሰን ከምዚ ይብል፦ “ነቲ እቲ እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ ኣብዚ እዋን ለበዳ ንዓና እተኸናኸነሉ መገዲ ሞሳይ ክገልጽ እፈቱ። ኣኼባ ዞባ ብረድዮን ብተለቪዥንን ኪመሓላለፍ እተገብረ መሰናድዎ፡ ነቶም ኣብ ድኻታት ሃገራት እንነብር ትሑት ኣታዊ ዘለና፡ ነዚ መደብ እዚ ኽንከታተልን ካብኡ ኽንጥቀምን ሓጊዙና እዩ።”
ኮሚተ ኣተሓባበርትን ኮሚተ ትምህርትን፡ ኣኼባ ዞባ 2021 እውን ኣብ እተመርጻ ሃገራት ብረድዮን ብተለቪዥንን ኪመሓላለፍ ፍቓድ ሂቡ እዩ። እቲ ኣኼባ ዞባ ብረድዮን ብተለቪዥንን ንኺመሓላለፍ ዚግበር ወጻኢታት ብኸመይ እዩ ዚሽፈን፧ በቲ ንዓለምለኻዊ ዕዮ ዚግበር ወፈያ እዩ ዚሽፈን። መብዛሕትኡ ኻብዚ ኸኣ ብdonate.pr418.com እዩ ዚግበር። ብልግሲ ንዝገበርኩምዎ ወፈያታት ኣዚና ነማስወሉ ኢና።
a ኣብ መጀመርታ 2020፡ ኣብ እዋን ለበዳ ኮቪድ 19፡ ኮሚተ ኣተሓባበርቲ ኣብ እተመርጻ ሃገራት፡ ኣኼባ ጉባኤ ብተለቪዥንን ብረድዮን ኪመሓላለፍ ፈቒዱ። እዚ መሰናድዎታት እዚ፡ ነቶም ሰኣን ኢንተርነትን ኣገልግሎት ሞባይልን ወይ ኢንተርነትን ሞባይልን ክቡር ስለ ዝዀነ ኣኼባታት ጉባኤ ኺካፈሉ ዘይክእሉ፡ ወይ JW ስትሪም ኪረኽቡ ዘይክእሉ ኣሕዋት ሓጊዝዎም እዩ። ይኹን እምበር፡ እዚ መሰናድዎታት እዚ፡ ነቶም ብኢንተርነት ጉባኤ ኺከታተሉ ዚኽእሉ ኣሕዋት ኣየጠቓልልን እዩ።
b ኵሉ እቲ ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ተጠቒሱ ዘሎ ዶላር ናይ ሕ.መ.ኣ. ዶላር የመልክት።