ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ወፈያኻ ኣብ ምንታይ መዓላ ይውዕል፧

ተረፍ ገሊኦም፡ ንጐደሎ ኻልኦት ይምልእ

ተረፍ ገሊኦም፡ ንጐደሎ ኻልኦት ይምልእ

1 ጥቅምቲ 2020

 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ልዕሊ 200 ሃገራት፡ ሃይማኖታውን ግብረ ሰናያውን ንጥፈታት የካይዱ እዮም። ግናኸ፡ 35 ሃገራት ጥራይ እየን ኣብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈርን ብዘለዉ ኣሕዋትን ኣሓትን ብዚገብርዎ ወፈያታት፡ ወጻኢታተን ዚሽፍና። ወጻኢታት እንተ ዘይበልጸጋ ሃገራት ደኣ እሞ ብኸመይ እዩ ዚሽፈን፧

 ኣመሓዳሪ ኣካል ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ኣብ መላእ ዓለም ንዚርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዜድልዮም መንፈሳዊ ነገራትን ንጥፈታቶምን ኣብ ግምት ብምእታው፡ ተጠንቂቑ ባጀት የውጽእን ከከም ኣድላይነቱ ይጥቀመሉን እዩ። ሓንቲ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ካብቲ ኣብ ትሕቲኣ ንዚካየድ ንጥፈታት ዜድልያ ወፈያ ንላዕሊ እንተ ረኺባ፡ ነቲ ተረፍ ናብተን እኹል ገንዘብ ዘይብለን ሃገራት ትልእኮ እያ። እዚ መሰናድዎ እዚ፡ ንኣብነት እቶም ‘ብምምዕርራይ’ ንሓድሕዶም ዚተሓጋገዙ ዝነበሩ ቐዳሞት ክርስትያናት ብምስዓብ እተገበረ እዩ። (2 ቈረንቶስ 8:14) ንሳቶም በቲ ተረፎም፡ ንጐደሎ እቶም ስኡናት ኣሕዋቶም ይምልኡ ነይሮም።

 ካብ ተረፍ ካልኦት ኣብያተ ጽሕፈት ጨንፈር፡ ሓገዝ ዝረኸቡ ኣሕዋትና እንታይ ተሰሚዕዎም፧ ንኣብነት፡ ኣብ ታንዛንያ ልዕሊ ፍርቂ እቲ ህዝቢ ንመዓልቲ ብትሕቲ ኽልተ ዶላር ኣመሪካ እዩ ዚናበር። ገለ ኻብቲ ናብቲ ሃገር እተላእከ ገንዘብ፡ ነቲ ጉባኤ ማፊንጋ እትጥቀመሉ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ንምጽጋን ውዒሉ እዩ። እታ ጉባኤ ኸምዚ ኢላ ጸሓፈት፦ “ድሕሪ እቲ ጽገና፡ ቍጽሪ ተኣከብቲ ኣዝዩ ወሲኹ እዩ። እዚ ውቁብ ቦታ ኣምልኾ እዚ ምእንቲ ኺህልወና፡ ውድብ የሆዋን ኣብ መላእ ዓለም ዚርከቡ ኣሕዋትናን ብልግሲ ስለ ዝሓገዙና፡ ኣዚና ኢና እነመስግኖም።”

 ብሰንኪ ለበዳ ኮቪድ-19፡ ገሊኦም ኣብ ስሪ ላንካ ዚነብሩ ኣሕዋትና፡ ሕጽረት ምግቢ ኣጋጢምዎም እዩ። ገለ ኻብዚኣቶም ኢማራ ፈርናንዶን ኢኖሽ ዝስሙ ንእሽቶ ወዳን ይርከብዎም። ኰይኑ ግና፡ ሳላ እቲ ኻብ ካልኦት ሃገራት እተረኽበ ወፈያታት፡ ዜድልዮም ረድኤት ረኺቦም እዮም። ብኢድ ኣብ እተገብረ ካርድ ድማ ከምዚ ኢሎም ጽሓፉ፦ “ኣብዚ ጽንኩር እዋናት፡ ፍቕሪ ንዘርኣዩና ኣሕዋትና ነመስግኖም ኢና። ኣባላት እዚ ስድራ ቤት እዚ ብምዃንና ኣዚና ሕጕሳት ኢና። የሆዋ ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት፡ ንዅሎም ኣሕዋትና ኺሕግዞም ከኣ ናይ ወትሩ ጸሎትና እዩ።”

ኢማራ ፈርናንዶ ምስ ወዳ ኢኖሽ

 ኣሕዋትናን ኣሓትናን ዚነብሩሉ ኸባቢ ብዘየገድስ፡ ዘለዎም ኬማቕሉ ይድረኹ እዮም። ንኣብነት፡ ኢኖሽ እውን ብወገኑ፡ ንስኡናት ስድራ ቤታት ንምሕጋዝ ዚውዕል ወፈያ ምእንቲ ኺገብር፡ ንእሽቶ ሳጹን ውጽኢት ኣዳልዩ እዩ። ጐዳሉፐ ኣልቫሬዝ እውን ከምዚ ዓይነት ናይ ልግሲ መንፈስ ኣርእያ እያ። ንሳ ኣብታ መብዛሕትኦም ብዙሕ እቶት ዘይብሎም ተቐማጦ ዚነብሩላ ኽፋል መክሲኮ እያ እትነብር። ይኹን እምበር፡ ዓቕማ ዝፈቐዶ ትውፊ እያ። ከምዚ ኢላ ኸኣ ጸሓፈት፦ “ንየሆዋ ስለ እቲ ሰናዩን ብተኣማንነት ዝርአ ፍቕሩን፡ አመስግኖ እየ። ወፈያይ ምስ ናይ ካልኦት ተደሚሩ ንስኡናት ኣሕዋተይ ከም ዚጠቕሞም እፈልጥ እየ።”

 ሓገዝ ናብ ዜድልየን ሃገራት ገንዘብ ዚልእካ ኣብያተ ጽሕፈት ጨንፈር፡ ከምኡ ብምግባረን ሕጕሳት እየን። ኣባል ኮሚተ ጨንፈር ብራዚል ዝዀነ ኣንቶኒ ካርቫሎ ኸምዚ በለ፦ “ኣብ ሃገርና ዘሎ ዕዮ፡ ንሓያሎ ዓመታት ካልኦት ሃገራት ብዚገብራኦ ወፈያ ይሕገዝ ነይሩ እዩ። ሳላ እዚ ሓገዝ እዚ ኸኣ፡ ዜደንቕ ዕቤት ርኢና ኢና። ሕጂ ግና፡ ቍጠባዊ ዅነታትና ስለ እተመሓየሸ፡ ንኻልኦት ናይ ምሕጋዝ መሰል ረኺብና ኣለና። ኣሕዋትና ንዕዮ ስብከት ብደረጃ ዓለምለኸ ስለ ዚጥምትዎ፡ ጥቕሚ ርእሶም ዚስውኡ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ከም ምዃኖም መጠን፡ ንኻልኦት ዚሕግዙሉ መዳያት የናድዩ እዮም።”

 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንስኡናት ኣሕዋቶምን ኣሓቶምን ብኸመይ እዮም ዚሕግዝዎም፧ ናብ ካልኦት ኣብያተ ጽሕፈት ጨንፈር ብቐጥታ ገንዘብ ብምልኣኽ ዘይኰነስ፡ ንዓለምለኻዊ ዕዮ ወፈያ ብምግባር እዮም። ነዚ ኸኣ በቲ ንዓለምለኻዊ ዕዮ ዚብል እተለጠፎ ሳጹን ውጽኢት ጉባኤ ወይ ብdonate.pr418.com ኣቢሎም እዮም ዚገብርዎ። ንዅሉ እዚ ወፈያታት እዚ ኣዚና ነማስወሉ ኢና።