ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ወፈያኻ ኣብ ምንታይ መዓላ ይውዕል፧

ነቲ ዓብዪ መምህርና ኽብሪ ዜምጽእ ህንጻታት

ነቲ ዓብዪ መምህርና ኽብሪ ዜምጽእ ህንጻታት

1 ሓምለ 2023

 የሆዋ ንህዝቡ ኺምህር ባህ ይብሎ እዩ። ስለዚ ኸኣ፡ ውድብ የሆዋ ኣብ እተፈላለየ ምድብ ኣገልግሎት ዜገልግሉ ተምሃሮ ዚስልጥኑሉ ኣብያተ ትምህርቲ ኣቚማ ኣላ። ሓደ ኻብቲ ኣብያተ ትምህርቲ ኸኣ፡ ቤት ትምህርቲ ወንጌላውያን መንግስቲ ኣምላኽ እዩ። ኣብ ቐረባ ዓመታት፡ ውድብ የሆዋ ኣብ ስርዓተ ትምህርቲ ጥራይ ዘይኰነስ፡ እቲ ቲኦክራስያዊ ትምህርቲ ዚወሃበሉ ህንጻታት ኣብ ምምሕያሽ እውን ኣተኲራ እያ። እቲ ቐንዲ ሸቶ፡ መስርሕ ምምሃርን ምስትምሃርን ንተምሃሮን ንመምህራንን ምሹእ ምግባር እዩ። እቲ እትገብርዎ ወፈያታት ነዚ ሸቶ እዚ ንምውቃዕ ዚሕግዝ ብኸመይ እዩ፧

ብዙሓት ተምሃሮ ኣብ ዝሓሸ ህንጻታት

 ንነዊሕ ዓመታት፡ ቲኦክራስያዊ ኣብያተ ትምህርቲ ኣብ ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽን ኣብ ኣዳራሻት ዓብዪ ኣኼባን እዩ ኺግበር ጸኒሑ። ኣብዚ ቐረባ ዓመታት ግና ንቲኦክራስያዊ ኣብያተ ትምህርቲ ጥራይ ዜገልግል ተወሳኺ ህንጻታት ንሃንጽን ነሕድስን ኣለና። እዚ ኣድላዪ ዝዀነሉ ሰለስተ ምኽንያት እስከ ንርአ፦

 ዝያዳ ዓየይቲ። ነዚ ብዚምልከት ሓጋዚ ኮሚተ ኣገልግሎት ኣመሓዳሪ ኣካል ዝዀነ ክሪስቶፈር ሜቮር፡ “እተፈላለያ ኣብያተ ጽሕፈት ጨንፈር፡ ኣብ ኣገልግሎት ዝያዳ ዓየይቲ ኸም ዜድልዩ ጸብጻብ ኣቕሪበን እየን። ንኣብነት፡ ብ2019፡ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ብራዚል ኣብ ክሎም ኣስታት 7600 ተወሰኽቲ ምሩቓት ቤት ትምህርቲ ወንጌላውያን ከም ዜድልዩ ገሊጾም እዮም” በለ። ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ፡ ኣብ ማእከል ከተማ ብግህዶ ዚግበር ምስክርነትን ኣብ ወደብን ኣብ ቤት ማእሰርትን ዚግበር ምስክርነትን ኬሰልጥኑ ዚኽእሉ ብቝዓት ፈለምቲ ኸም ዜድልዩ ሓቢሩ። ብተወሳኺ፡ ኣብ ክፍሊ ከባብያዊ ንድፊ/ህንጸትን ምስ ሆስፒታል ኣብ ዜረዳድእ ኮሚተን ዜገልግሉ ኣሕዋት የድልዩ ኣለዉ። ኣብዚ መዳያት እዚ፡ ምሩቓት ቤት ትምህርቲ ወንጌላውያን መንግስቲ ኣምላኽ ኪሕግዙ ይኽእሉ እዮም።

 ምውሳኽ ቍጽሪ ተምሃሮ። ብዙሓት ኣብያተ ጽሕፈት ጨንፈር እቲ ኻብ ተምሃሮ ዚልኣኸለን መመልከቲ፡ ካብቲ ኪቕበላኦ ዚኽእላ ንላዕሊ እዩ። ንኣብነት፡ ጨንፈር ብራዚል ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ጥራይ ንቤት ትምህርቲ ወንጌላውያን መንግስቲ ኣምላኽ ኣስታት 2500 መመልከቲ በጺሕዎ እዩ። እንተዀነ ግና፡ ነቲ ቤት ትምህርቲ ዚኸውን እኹል ህንጻታት ስለ ዘይነበረ፡ እቲ ጨንፈር 950 ተምሃሮ ጥራይ እዩ ተቐቢሉ።

 ምሹእ መንበሪ ቦታ። እቲ ትምህርቲ ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ወይ ኣብ ኣዳራሽ ዓብዪ ኣኼባ ኺወሃብ ከሎ፡ ኣብቲ ኸባቢ ዚነብሩ ኣሕዋት እዮም ነቶም ተመሃሮ ኣብ ኣባይቶም ዚቕበልዎም። እዚ ኣብ ዓመት ውሑድ መደባት ትምህርቲ ኣብ ዘለዎ ኸባቢ ጽቡቕ እዩ ዚዓዪ። ኣብቲ ብዙሕ መደባት ትምህርቲ ዘለዎ ኸባቢ ግና፡ እቶም ኣሕዋት ኣብ ዓመት ሓያሎ ግዜ ተምሃሮ ኣብ ኣባይቶም ምቕባል ይኸብዶም ይኸውን። ስለዚ፡ ኣብ ጥቓ እቲ ቤት ትምህርቲ እቶም ተምሃሮ ዚነብሩሉ ህንጻታት ከም ዚዳሎ ተገይሩ።

 ሓደ መምሃሪ ኽፍልን ንመምህራንን ንኣስታት 30 ተምሃሮን ዚኸውን መንበርን ካልእ ኣገልግሎት ዚህብ ክፍልታትን ዝሓዘ ህንጻ ንምስራሕ፡ ብሚልዮናት ዶላራት ዚቝጸር ወጻኢታት እዩ ዚሓትት። እቲ ወጻኢታት ከከም ከባቢኡ ኺፈላለ ይኽእል እዩ።

ነቲ ቤት ትምህርቲ ዜድሊ ነገራት

 እቲ ኣብያተ ትምህርቲ ኻብ ከተማ ወጻኢ ግና ከኣ ህዝባዊ መጕዓዝያ ኺርከበሉ ኣብ ዚኽእል ህድእ ዝበለ ቦታ እዩ ዚህነጽ። ብዘይካዚ፡ ኣብ ምሕደራን ጽገናን ኪሕግዙ ዚኽእሉ ብዙሓት ኣስፋሕቲ ኣብ ዚርከብዎ ቦታ እዩ ኺስራሕ ዚምረጽ።

 እቲ ህንጻታት፡ ኣብያተ መጻሕፍትን መጽንዒ ቦታታትን ኮምፕዩተራትን ሓተምቲ ማሽናትን ካልእ መሳርሒታትን ዝሓዘ እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ተምሃሮን መምህራንን ሓቢሮም ዚምገብሉ ኽፍሊ ኣለዎ። ንምውስዋስ ኣካላትን ንመዘናግዕን ዚኸውን ቦታ እውን ኣለዎ።

 እቲ መምሃሪ ኽፍሊ ፍሉይ ቈላሕታ ይግበረሉ እዩ። ኣብ ኒው ዮርክ፡ ዎርዊክ፡ ኣብ ዓለምለኻዊ ክፍሊ/ንድፊ ህንጸት ዚዓዪ ትሮይ ከምዚ ይብል፦ “እቲ ንድፊ መምሃሪ ኽፍልታት፡ ንተምሃሮ ብዚምሽእ መገዲ ምእንቲ ኺዳሎ፡ ንኼማኽሩና ንኽፍሊ ቲኦክራስያዊ ኣብያተ ትምህርቲ ተወኪስናዮም። እቶም ኣሕዋት ብዛዕባ ስፍሓትን ኣቀማምጣን እቲ መምሃሪ ኽፍልታት፡ ነቲ ኽፍልታት ብዛዕባ ዜድሊ መብራህትን ናውቲ ኦውድዮን ቪድዮን መምርሒ ሂቦምና።” ኣብ ሃንጋሪ፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ወንጌላውያን ዚምህር ዞልታን፡ ብዛዕባ መሳርሒ ድምጺ ከምዚ ይብል፦ “ኣብ ፈለማ፡ ማይክሮፎናት ስለ ዘይነበረና ነቶም ተምሃሮ ዓው ኪብሉ ነዘኻኽሮም ኔርና። ሕጂ ግና ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኮፍ መበሊ ማይክሮፎናት ስለ ዘሎ እቲ ሽግር ተፈቲሑ እዩ።”

“ክቡራት ኣጋይሽ የሆዋ”

 ኣብ ህንጻታት ኣብያተ ትምህርቲ እተገብረ ምምሕያሽ ኣብ መምህራንን ተምሃሮን እንታይ ጽልዋ ኣሕዲሩ፧ ኣብ ፓልም ኮስት፡ ፍሎሪዳ፡ ሕ.መ.ኣ፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ወንጌላውያን እተኻፈለት ኣንጅላ ኸምዚ ትብል፦ “እቲ ህንጻ ኣዝዩ ሰላም ዝሰፈኖ እዩ። ኣብ መጽናዕትናን ትምህርትናን ምእንቲ ኸነተኵር፡ እቲ መምሃሪ ኽፍልን መንበርን ብጽቡቕ መገዲ እዩ ተዳልዩ።” ኣብ ሃንጋሪ፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ወንጌላውያን ዚምህር ሻባ፡ ምስቶም ተምሃሮ ሓቢርካ ምምጋብ ባህ እዩ ዚብሎ። ከምዚ ኸኣ ይብል፦ “እቶም ተምሃሮ ብዘይስክፍታ ተመክሮታቶም ስለ ዚነግሩና፡ ኣጸቢቕና ኽንፈልጦም ይሕግዘና። በዚ ኸምዚ፡ ነቲ ስርዓተ ትምህርቲ ንዕኦም ኪጠቅም ብዚኽእል መገዲ ኸነቕርቦ የኽእለና።”

 እቶም ተምሃሮን መምህራንን ነቲ እተመሓየሸ ህንጻታት ቤት ትምህርቲ፡ ካብቲ ‘ዓብዪ መምህርና’ ዝዀነ የሆዋ እተረኽበ በረኸት ገይሮም እዮም ዚርእይዎ። (ኢሳይያስ 30:20, 21) ኣብ ፊሊፒንስ፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ወንጌላውያን እተኻፈለት ሓብቲ፡ ብዛዕባ እቲ እተማህረትሉ እተመሓየሸ ህንጻ ኸምዚ ትብል፦ “ሃዋህው እቲ ቤት ትምህርቲ፡ ተምሃሮ ጥራይ ዘይኰንናስ፡ ክቡራት ኣጋይሽ የሆዋ ምዃንና እውን ኣዘኻኺሩና እዩ። የሆዋ፡ ቃሉ ብዕምቈት ኣብ እነጽንዓሉ እዋን ባህ ኢሉና ኽንገብሮ እዩ ዚደልየና።”

 እቲ ህንጻ ቤት ትምህርቲ ዚህነጽን ዚሕደስን ዚጽገንን በቲ እትገብርዎ ወፈያታት እዩ። መብዛሕትኡ እቲ ወፈያታት ብመገዲ donate.pr418.com እዩ ዚግበር። ስለቲ ልግስኹም ነመስግነኩም።

ኣብ ፓልም ኮስት፡ ፍሎሪዳ፡ ሕ.መ.ኣ መእተዊ ህንጻ ቤት ትምህርቲ

ኣብ ፓልም ኮስት፡ ፍሎሪዳ፡ ሕ.መ.ኣ፡ ኣብ መቐበሊ ኣጋይሽ ቤት ትምህርቲ ዚርከብ ብግዜ የሱስ ዝነበረ ምስሊ ቤተ መቕደስ

ኣብ ብራዚል ናብ ቤት ትምህርቲ ወንጌላውያን እናኣተዉ

ኣብ ብራዚል ኣብ ክፍሊ እናተምሃሩ

ኣብ ፊሊፒንስ ናብ ቤት ትምህርቲ ወንጌላውያን እናኣተዉ

ኣብ ፊሊፒንስ ሓቢሮም እናተመገቡ