ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ወፈያኻ ኣብ ምንታይ መዓላ ይውዕል፧

ናብ ኣምላኽ ዜቕርበና መዝሙራት

ናብ ኣምላኽ ዜቕርበና መዝሙራት

1 ሕዳር 2021

 ሙዚቃ፡ የሆዋ ዝሃበና ጽቡቕ ውህበት እዩ። ንኣተሓሳስባና ኺጸልዎ፡ ንመንፈስና ኼሐድስ፡ ንተግባር ኬለዓዕለና ይኽእል እዩ። ብዛዕባ ናይ ፈለማ መዝሙራትና እውን ከምኡ ኺብሃል ይከኣል እዩ። ከም ሓቂ፡ እዚ መዝሙራት እዚ፡ ካብዚ ዝጠቐስናዮ ንላዕሊ እዩ ዚገብር። እወ፡ ናብ የሆዋ የቕርበና እዩ።

 ካብ 2014 ኣትሒዙ፡ ልዕሊ 70 ናይ ፈለማ መዝሙራት ተዳልዩ እዩ። እንተ ወሓደ ሓንቲ ኻብዚ መዝሙራት እዚ፡ ብልዕሊ 500 ቛንቋ ትርከብ እያ። ምናልባት፡ ‘ነዚ መዝሙራት እዚ መን እዩ ዜዳልዎ፧ ብኸመይ እዩኸ ዚዳሎ፧’ ኢልካ ትሓትት ትኸውን።

እቲ መዝሙራት ዚዳለወሉ መገዲ

 ናይ ፈለማ መዝሙራት፡ ኣብ ትሕቲ ኮሚተ ትምህርቲ ኣመሓዳሪ ኣካል ኰይኑ ዚዓይዪ፡ ኣብ ክፍሊ ኣገልግሎት ኣውድዮ ቪድዮ ዚርከብ ጕጅለ ሙዚቃ እዩ ዜዳልዎ። እዚ ጕጅለ ሙዚቃ እዚ፡ ኣብ ድርሰትን ምውህሃድን መደባት ምስራዕን ምድላውን ዚዓይዩ 13 ኣሕዋትን ኣሓትን ዝሓዘ እዩ። ብዘይካዚ፡ ኮሚተ ትምህርቲ ኣብ መላእ ዓለም ዚርከቡ ደረስትን ሙዚቀኛታትን ዘመርትን ዝዀኑ ወለንተኛታት ማዕዶ ኣብዚ ዕዮ ኪሕግዙ ፈቒዱ እዩ። እዞም ኣሕዋትን ኣሓትን ኣፍልጦ ኺውሃቦም ከይተጸበዩ፡ ንኽእለቶም ኣብዚ ዕዮ ብትሕትና ይጥቀሙሉ እዮም።

 ናይ ፈለማ መዝሙር ብኸመይ ይዳሎ፧ ፈለማ፡ ኮሚተ ትምህርቲ እቲ መዝሙር ዚውሰደሉ ጥቕስን ኬመሓላልፎ ዘለዎ ስምዒትን ይውስን። ቀጺሉ እቲ ጕጅለ ሙዚቃ፡ ዜማ ዚደርሱን ግጥሚ ዚጽሕፉን ይምድብ። ንመርኣዪ ዚኸውን ቅዳሕ ሙዚቃ ኸኣ ይዳሎ። ደሓር፡ ኮሚተ ትምህርቲ ነቲ እተዳለወ መርኣዪ ሙዚቃ ይግምግሞን ተወሳኺ መምርሒ ይህብን። በዚ መሰረት ድማ፡ ጕጅለ ሙዚቃ ነቲ መዝሙር የተዓራርዮን ናይ መወዳእታ ቕዳሕ የዳሉን። እዚ መዝሙራት እዚ፡ ኣብ እተፈላለየ ቦታ እንተላይ ኣብ ኣብያተ ጽሕፈት ጨንፈርን መቕድሒ መሳርሒ ኣብ ዘለዎ ኣባይቲ ኣሕዋትን እዩ ዚቕዳሕ።

 ኣሕዋትና ናይ ፈለማ መዝሙራት ንምድላውን ንምቕዳሕን፡ ዲጂታዊ ኣውድዮ ሶፍትዌራትን ኖታ ሙዚቃ መጽሓፊ ፕሮግራማትን ቤተ መጻሕፍቲ ኣውድዮን ካልእ ነገራትን ይጥቀሙ እዮም። ብዘይካዚ እቲ ዕዮ፡ ከም መሳርሒታት ሙዚቃን መወሃሃዲ ሙዚቃን መጕልሕ ድምጽን ማይክሮፎናትን ዝኣመሰለ ናውቲ የድልዮ እዩ። ዋጋ ሓንቲ ማይክሮፎን ካብ 100 ዶላር ኣመሪካ ክሳዕ ልዕሊ 1,000 ዶላር ኣመሪካ ይበጽሕ። ኣብ 2020፡ ናውቲ መቕድሒ ሙዚቃ ንምዕዳግ 116,000 ዶላር ኣመሪካ ኣውጺእና ኢና።

 ወጻኢታት ንምንካይ እንታይ ጻዕርታት እዩ ዚግበር፧ ኣብ ቤት-ኤል ዓብዪ ጕጅለ ሙዚቃ ኻብ ምቛም፡ ብዙሓት ወለንተኛታት ማዕዶ ኸም ዚዓይዩ ይግበር እዩ። ብተወሳኺ፡ ብዙሓት ሙዚቀኛታት ብኣካል ተረኺቦም ኣብ ክንዲ ዚቕድሑ፡ ኣሕዋት ኣብ ኮምፒዩተር ዚርከብ ፕሮግራማት ተጠቒሞም፡ ድምጺ ናይ እተፈላለየ መሳርሒ ሙዚቃ የዳልዉ እዮም።

“ንእምነተይ ዜደልድል”

 ኣሕዋትን ኣሓትን ናይ ፈለማ መዝሙራት ምስማዕ ባህ ይብሎም እዩ። ኣብ ጀርመን እትነብር ታራ፡ “ክጭነቕ ከለኹ ናይ ፈለማ መዝሙራት እሰምዕ እሞ፡ ፍኹስ ይብለኒ። ነዚ መዝሙራት ብቛንቋ ኣደይ ክሰምዕ ከለኹ፡ የሆዋ ሕቝፍ ዜብለኒ ዘሎ ዀይኑ እዩ ዚስምዓኒ” በለት። ድሚትሪ እተባህለ ኣብ ካዛክስታን ዚነብር ሓው ድማ፡ “ነዚ መዝሙራት ክሰምዕ ከለኹ፡ ከም ዓለማዊ ደርፍታት ምስ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ይጋጮዶ ይኸውን ኢለ ኣይጭነቕን እየ። ብተወሳኺ እዚ መዝሙራት፡ ኣብ መንፈሳዊ ነገራት ከተኵር ይሕግዘኒ እዩ” በለ።

 ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ እትነብር ደሊያ፡ ናይ ፈለማ መዝሙራት ዚፈጥረላ ስምዒት ከምዚ ብምባል ትገልጽ፦ “እዚ መዝሙራት ንእምነተይ ዜደልድል እዩ። ክጕሂ ኸለኹ ወይ ዝዀነ ጸገም ኬጋጥመኒ ኸሎ፡ ወትሩ ምስ ኵነታተይ ዚኸይድ መዝሙር እረክብ እየ። መብዛሕትኡ እዋን፡ እቲ ዜማታቱ ጥራይ ጽቡቕ ከም ዚስምዓኒ ይገብር እዩ።”

 ገሊኡ ናይ ፈለማ መዝሙራት ተፈታዊ እዩ። ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ እትነብር ሊራቶ ኸምዚ ትብል፦ “‘ጃስት ኣራውንድ ዘ ኮርነርን ‘ዘ ኒው ዎርልድ ቱ ካም ን ዘርእስተን መዝሙራት፡ ነታ ፍቕርቲ ኣደይ ዳግም ዝርእየሉ እዋን ኣብ ኣእምሮይ ንኽስእሎ ይሕግዛኒ እየን። ነዘን መዝሙራት ኣብ ዝሰምዓሉ እዋን፡ ኣደይ ኣእዳዋ ዘርጊሓ ናባይ ክትጐዪ ኸላ እዩ ዚርኣየኒ።”

 ሓንቲ ኻብተን ናይ ፈለማ መዝሙራት ኣብ ስሪ ላንካ ንእትነብር መንእሰይ ሓጊዛታ እያ። እታ መንእሰይ ከምዚ ትብል፦ “ናይ ስነ ፍልጠት መምህረይ፡ ናይ የሆዋ ምስክር ብምዃነይ ኣብ ቅድሚ ደቂ ኽፍለይ ኣዋረደትኒ። ሽዑ ፈሪሀ ስለ ዝነበርኩ፡ ዝብሎ ጠፊኡኒ። ናብ ገዛ ምስ ተመለስኩ ግና፡ ኣደይ፡ ነታ ‘ስታዲ ሜክስ ዩ ስትሮንገር ዘርእስታ መዝሙር ክሰምዕ ኣተባቢዓትኒ። እታ መዝሙር፡ ምርምር ክገብርን መልሲ ኸዳሉን ከም ዘሎኒ ኣዘኻኺራትኒ። ንጽብሒቱ ንመምህረይ ኣዛሪበያ። እታ መምህር ከኣ ሰምዓትኒ እሞ፡ ብዛዕባ እምነት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣጸቢቑ ኸም እተረድኣ ገሊጻትለይ። ከምዚ ዝኣመሰለ ዜተባብዕ መዝሙራት ስለ እተዳልወልና ንውድብ የሆዋ አመስግና እየ።”

 እሞ ደኣ፡ ነዚ መዝሙራት ንምድላው ዚግበር ወጻኢታት ብኸመይ እዩ ዚሽፈን፧ በቲ ንዓለምለኻዊ ዕዮ ንምድጋፍ ዚግበር ወፈያታት ኣቢሉ እዩ ዚሽፈን። መብዛሕትኡ ኻብዚ ወፈያታት እዚ ድማ፡ ብdonate.pr418.com ኣቢልካ እዩ ዚለኣኽ። ስለቲ ልግስኹም፡ ነመስግነኩም።