ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ወፈያኻ ኣብ ምንታይ መዓላ ይውዕል፧

ንሚልዮናት ሰባት ዚጠቅም ኣብያተ ጽሕፈት ትርጉም ማዕዶ

ንሚልዮናት ሰባት ዚጠቅም ኣብያተ ጽሕፈት ትርጉም ማዕዶ

1 መጋቢት 2021

 ልዕሊ 60 ሚእታዊት እቶም ናይ ምሉእ ግዜ ተርጐምትና፡ ኣብ ኣብያተ ጽሕፈት ጨንፈር ዘይኰነስ፡ ኣብ ኣብያተ ጽሕፈት ትርጉም ማዕዶ ዀይኖም እዮም ዚዓይዩ። እዚ መሰናድዎ እዚ፡ ጠቓሚ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ እቶም ተርጐምቲ፡ ኣብ ኣብያተ ጽሕፈት ትርጉም ማዕዶ ዀይኖም ምእንቲ ኺዓይዩ፡ እንታይ መሳርሒታት የድልዮም፧ እቶም ተርጐምቲ ዚነብሩሉ ኸባቢኸ፡ ነቲ ትርጉም ብኸመይ እዩ ዚጸልዎ፧

 እቲ ቤት ጽሕፈት ትርጉም ማዕዶ፡ ነቶም ተርጐምቲ፡ ኣብቲ ቛንቋኦም ብብዝሒ ዚዝረበሉ ቦታ ኺነብሩ ኣጋጣሚ ይኸፍተሎም እዩ። ከሪን እተባህለት ተርጓሚት ሎው ጀርመን ከምዚ ትብል፦ “ናብቲ ኣብ ኳተማክ፡ ቺዋዋ፡ ሜክሲኮ ዚርከብ ቤት ጽሕፈት ትርጉም ማዕዶ ኻብ እንግዕዝ ጀሚርና፡ ምስ መዓይይትና ተርጐምቲ፡ ኣብ ኣገልግሎት፡ ወይ እውን ኣስቤዛ ኽንዕድግ ከለና፡ ኵሉ ሳዕ ብቛንቋ ሎው ጀርመን ኢና እንዛረብ። ነቲ ቛንቋ ብዚዛረቡ ሰባት ኢና ተኸቢብና ዘለና። ንነዊሕ ግዜ ሰሚዕናዮ ዘይንፈልጥ፡ ምሳልያዊ ኣበሃህላ ንሰምዕ ኣለና። ምስቲ ኣብቲ ቛንቋ ዚርአ ናይ ቃላት ለውጥታት ሓቢርና ንጓዓዝ ኣለና።”

 ጀምስ እተባህለ ኣብ ጋና፡ ኣብ ክፍሊ ትርጉም ቋንቋ ፍራፍራ ዚዓዪ ሓው፡ ሓድሓደ ግዜ ነቶም ኣብ ቤት ኤል፡ ኣብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ዘለዉ ኣሕዋት፡ ከም ዚናፍቖም ገሊጹ ኣሎ። ብምቕጻል ድማ፡ “ኣብ ቤት ጽሕፈት ትርጉም ማዕዶ ዄንካ ምዕያይ እፈትዎ እየ። በቲ እቲ ህዝቢ ዚዛረበሉ ቛንቋ ምስባኽን እቶም ህዝቢ ነቲ ብስራት ኪሰምዑ ኸለዉ ምርኣይን ኣዝዩ እዩ ዜሐጕሰኒ” ይብል።

 እቶም ኣሕዋት፡ እቲ ቤት ጽሕፈት ትርጉም ማዕዶ፡ ኣበይ ኪኸውን ከም ዘለዎ ዚውስኑ ብኸመይ እዮም፧ ጆሰፍ እተባህለ፡ ኣባል እቲ ኣብ ዎርዊክ፡ ኒው ዮርክ፡ ሕ.መ.ኣ. ዚርከብ ዓለምለኻዊ ኽፍሊ ንድፍን ህንጸትን፡ “ኣብ ገሊኡ ቦታታት፡ ሓደ ኻብቲ ዜጋጥመና ብድሆታት፡ ዜተኣማምን ኣገልግሎት ኤለክትሪክ ወይ ማይ ዘይምህላው፡ ወይ ከኣ ነቲ ዚትርጐም ፋይላት ንምቕባል ዚሕግዘና ኢንተርነት ዘይምህላው እዩ” ይብል። ቀጺሉ ኸኣ፡ “ቤት ጽሕፈት ትርጉም ማዕዶ ኸነቕውም ክንሓስብ ከለና፡ እቲ ቛንቋ ኣብ ዚዝረበሉ ኸባቢ፡ ካብ ሓደ ንላዕሊ ቦታ ርኢና ኢና እንውስን” ብምባል ይድምድም።

 ብሓፈሻ ኺርአ ኸሎ፡ እቲ ቤት ጽሕፈት ትርጉም ማዕዶ፡ ኣብ ኣዳራሽ ዓብዪ ኣኼባ ወይ ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ወይ ድማ ኣብ ኣባይቲ መንበሪ ሚስዮናውያን ኪግበር ከሎ፡ ብፍጥነትን ብሒደት ወጻኢታትን እዩ ዚዕመም። እዚ ኸኣ ነቶም ተርጐምቲ እናተመላለሱ ኺዓይዩ ይቐልሎም። ከምዚ ዓይነት ቦታ ኺርከብ እንተ ዘይተኻኢሉ ግና፡ እቶም ዚምልከቶም ኣሕዋት፡ እቶም ተርጐምቲ ዚነብሩሉን ዚዓዩሉን ኣፓርታማን ንቤት ጽሕፈት ዚኸውን ቦታን ኪዕድጉ ፍቓድ ኪውሃቦም ይኽእል እዩ። ኵነታት እቶም ተርጐምቲ እንተ ደኣ ተቐይሩ፡ እቲ ህንጻ ተሸይጡ፡ እቲ ሽያጡ ኣብቲ ዝያዳ ዜድሊ መዓላ ኺውዕል ይኽእል እዩ።

ነቲ ዕዮ ንምቕጻል እተዓጥቁ

 ኣብ ዓመት ኣገልግሎት 2020፡ ኣብያተ ጽሕፈት ትርጉም ማዕዶ ዕዮአን ንምክያድ፡ 13 ሚልዮን ዶላር (ሕ.መ.ኣ) ወጻኢ ጌርና ኔርና። እቶም ኣብ ኣብያተ ጽሕፈት ትርጉም ማዕዶ ዚዓይዩ ተርጐምቲ፡ ኮምፒዩተራት፡ ሶፍት ዌር፡ ናውቲ መቕድሒ ድምጺ፡ ኢንተርነት፡ ከምኡ እውን ማይን መብራህትን የድልዮም እዩ። ንኣብነት፡ ሓንቲ ኮምፒዩተር ንዕዮ ድልውቲ ንምግባር፡ 750 ዶላር (ሕ.መ.ኣ.) ወጻኢ ይግበር እዩ። ኣብተን ኮምፒዩተራት፡ እተዓደገ ሶፍትዌርን ዎችታወር ትራንስሌሽን ሲስተም ዚብሃል ፕሮግራምን ይጸዓነለን እዩ። እዚ ፕሮግራም እዚ፡ እቶም ተርጐምቲ ዕዮኦም ብእተወደበ መገዲ ኺፍጽሙን መወከሲ ጽሑፋት ብቐሊሉ ኪረኽቡን ይሕግዞም።

 እቶም ተርጐምቲ፡ ኣብቲ ቤት ጽሕፈት ኰይኖም ምእንቲ ኪቐድሑ፡ ናውቲ መቕድሒ ድምጺ እውን ይውሃቦም እዩ። እዚ መሳርሒ እዚ ድማ፡ ለበዳ ኮቪድ 19 ምስ ጀመረ፡ ኣዝዩ ጠቓሚ ዀይኑ ተረኺቡ እዩ። ከመይሲ፡ ብዙሓት ተርጐምቲ ነቲ መሳርሒ ናብ ገዛኦም ወሲዶም፡ ነቲ ንጽሑፋትን ንቪድዮታትን ዚኸውን ትርጉም፡ ብዘይምቍራጽ ኪቐድሑ ኽኢሎም እዮም።

 ካብቲ ኸባቢ ዚመጹ ወለንተኛታት ዝዀኑ ኣሕዋት፡ ነቲ እተተርጐመ ሕታማት ኣብ ምኽላስን ነቲ ህንጻታት ቤት ጽሕፈት ትርጉም ማዕዶ ኣብ ምጽጋንን ይሕግዙ እዮም። ክርስቲን እተባህለት፡ ኣብ ኬፕ ታውን ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ ዚርከብ ቤት ጽሕፈት ትርጉም ማዕዶ፡ ኣብ ክፍሊ ትርጉም ቋንቋ ኣፍሪካንስ ተመዲባ እተገልግል ሓብቲ፡ “ብዙሓት ኣስፋሕትን ስሩዓት ፈለምትን ኣብዚ መጺኦም፡ ነቲ ዘለዎም ፍሉይ ክእለት ኪጥቀሙሉ ኣጋጣሚ ረኺቦም እዮም” ትብል።

 እዞም ወለንተኛታት እዚኦም፡ በዚ መሰል እዚ ኣዝዮም ሕጉሳት እዮም። ሓንቲ ኣብ ቤት ጽሕፈት ትርጉም ማዕዶ እትዓዪ ሓብቲ፡ ኣብኡ ምዕያይ፡ ምስ “ንጹህ ኣየር ምስትንፋስ” ኣመሳሲላቶ ኣላ። ገለ ኣብቲ ዓዲ ዚነብሩ ኣሕዋትን ኣሓትን፡ ድምጾም ኪቕዳሕ ፍቓደኛታት ይዀኑ እዮም። ህዋና እተባህለት፡ ኣብ ዞባ ቬላኩሩዝ፡ ሜክሲኮ፡ ኣብ ክፍሊ ትርጉም ቋንቋ ቶቶናክ እትዓዪ ሓብቲ፡ “ሕጂ ኣብ ጥቓ እተን ቋንቋና ዚዝረበለን ከተማታት ቀሪብና ስለ ዘለና፡ ኣሕዋትን ኣሓትን ኣብቲ ብድምጽን ብቪድዮን ዚዳሎ ሕታማትና ኣብ ምቕዳሕ ብቐሊሉ ኺሕግዙ ይኽእሉ እዮም” ትብል።

 ኣብያተ ጽሕፈት ትርጉም ማዕዶ፡ ነቲ ትርጉም ኣብ ምምሕያሽ ሓጊዘንዶ፧ ካብቶም ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ኣንበብትና፡ ብዙሓት፡ “እወ” ኢሎም ይምልሱ እዮም። ኣብ ደሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ፡ ኣብ ክፍሊ ትርጉም ቋንቋ ኮንጎ ዚዓዪ ስድሪክ እተባህለ ሓውና፡ “ገለ ኣሕዋትን ኣሓትን ብምኽንያት እቲ እንኽተሎ ዝነበርና ኣገባብ ኣተራጕማ ዝገበሮ ጽልዋ፡ ንቛንቋ ኮንጎ፡ ‘ቋንቋ ሕታማት ግምቢ ዘብዐኛ’ ኢሎም ይጽውዕዎ ነይሮም። ምኽንያቱ፡ እቲ ሕታማት ካብቲ ልሙድ ኣዘራርባ ናይቲ ህዝቢ ውጽእ ዝበለ ስለ ዝነበረ እዩ። ሕጂ ግና፡ እቲ ሕታማትና፡ በቲ ሰባት መዓልታዊ ዚጥቀሙሉ ዘመናዊ ቛንቋ ኮንጎ፡ ይትርጐም ከም ዘሎ ይዛረቡ እዮም” ብምባል የዘንቱ።

 ኣንዲለ እተባህለ፡ ኣብ ክፍሊ ትርጉም ቋንቋ ኮሳ ዚዓዪ ሓውና፡ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ እውን ተመሳሳሊ ርእይቶ ኸም ዝሰምዐ ይዛረብ። “ብዙሓት፡ ኣብቲ ትርጉም ለውጢ ኸም ዝረኣዩ ይነግሩና እዮም። ቈልዑ ኸይተረፈ ንግምቢ ዘብዐኛ ብእንግሊዝኛ ዜንብብዎ ዝነበሩ፡ ሕጂ ብቋንቋ ኮሳ የንብብዎ ኣለዉ። ብፍላይ ድማ፡ ነቲ ብቐሊሉ ኺርድኣካ ብዚኽእል መገዲ እተኸለሰ ትርጉም ሓዳስ ዓለም ይፈትውዎ እዮም” ብምባል ይገልጽ።

 ኵሉ እቲ ኣብያተ ጽሕፈት ትርጉም ማዕዶ ንምቛምን ጽገና ንምክያድን ነቶም ኣብኡ ተመዲቦም ዚዓይዩ ዜድልዮም ነገራት ንምምላእን ዚግበር ወጻኢታት፡ በቲ ንዓለምለኻዊ ዕዮ ንምድጋፍ ዚግበር ወፈያታት እዩ ዚሽፈን። እዚ ኸኣ፡ ብመገዲ donate.pr418.com ኣቢሉ ዚግበር ወፈያታት ዜጠቓልል እዩ።