ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ወፈያኻ ኣብ ምንታይ መዓላ ይውዕል፧

“ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ” ዚኸውን ዓረብያ ጽሑፋት

“ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ” ዚኸውን ዓረብያ ጽሑፋት

1 ሚያዝያ 2023

 ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመት፡ ዓረብያ ጽሑፋት ኣቓልቦ ብዙሓት ዝሰሓበ ኽፋል ኣገልግሎትና ዀይኑ እዩ። ዓረብያ ጽሑፋትና ኣብ መላእ ዓለም ብቐሊሉ እየን ዚልለያ። እዘን ዓረብያታት ምልኩዓትን ንኽትጥቀመለን ምሹኣትን እየን። ነዚ ብዚምልከት፡ ኣብ ፖላንድ እትነብር ኣሰናታ እትብሃል ሓብትና፡ “እዘን ዓረብያታት ተራ ኣሰራርሓ እኳ እንተ ኣለወን፡ ትርኢተን ግና ዚማርኽ እዩ። ክትጥቀመለንን ከተንቀሳቕሰንን ከኣ ቀሊል እዩ” ብምባል ገሊጻ ኣላ።

 እዘን ዓረብያታት ብኸመይ ከም ዚንደፋን ዚስርሓን ሓሲብካሉዶ ትፈልጥ፧

ውጽኢታዊ ንድፊ

 ብ2001፡ ኣብ ፈረንሳ ዚርከቡ ኣሕዋትን ኣሓትን፡ እተፈላለየ መዳያት ብግህዶ ዚግበር ምስክርነት እንተላይ ብዓረብያ ዚግበር ምስክርነት ኪጅምሩ ኻብ ኣመሓዳሪ ኣካል ፍቓድ ረኸቡ። እቶም ኣሕዋት፡ ነዚ ንምግባር እተፈላለየ ንድፍታት ፈቲኖም እዮም። ንኣብነት፡ ባልጃን ዓረብያ ኣስቤዛን ብእተወሰነ ኣተዓራርዮም፡ ጽሑፋት ንምዝርጋሕን ንምቕማጥን ተጠቒሞምሉ እዮም። ኣብ መወዳእታኡ፡ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ፈረንሳ፡ ኣስፋሕቲ ንነዊሕ ዓመታት እተጠቕምሉ ንድፊ መረጸ።

ኣቐዲሙ ኻብ ዝነበረ ዓረብያ ጽሑፋት፡ ብ2005 ኣብ ፈረንሳ

 ኣብ ፈረንሳ ዚነብሩ ኣሕዋት እቲ ብጋህዲ ዚግበር ምስክርነት ዘምጸኦ ውጽኢት ኣሐጒስዎም እዩ። ስለዚ ብ2011፡ ኣመሓዳሪ ኣካል ኣብ ኒው ዮርክ፡ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ፡ ዓረብያታትን ሰደቓን ብምጥቃም ሓድሽ ዓይነት ኣገልግሎት ኪጅመር ፈቒዱ። እቶም ኣብዚ መደብ እተሳተፉ ፈለምቲ፡ እዘን ዓረብያታት ብዙሕ ጥቕምታት ከም ዘለወንን ብቐሊሉ ኸተንቀሳቕሰን ከም እትኽእልን ተገንዚቦም እዮም። ኣብ ርእሲ እዚ፡ እቶም ፈለምቲ ንድፊ ናይተን ዓረብያታት ብኸመይ ኪመሓየሽ ከም ዚኽእል ግብራዊ ሓሳብ ሂቦም እዮም። እተን ብዕንጨይቲ እተሰርሓ ናይ ፈለማ ዓረብያታት ከበድቲ ስለ ዝነበራ፡ ኣብ መደያይቦ ኸተደይበንን ከተውርደንን ኣሸጋሪ እዩ ነይሩ። ስለዚ፡ ንድፈን ብምምሕያሽ ፍኹስ ዝበላን ብንፋስ ብቐሊሉ ዘይዕለዋን ኰይነን ተሰሪሐን። እዘን ሓደስቲ ዓረብያታት፡ ጐማአን ዓብይን ድልዱልን ብምዃኑ ኣብ ዘይጥጡሕ መገዲ ብቐሊሉ ኸተንቀሳቕሰን ትኽእል ኢኻ። ብተወሳኺ፡ መቐመጢ ጽሑፋት ዚኸውን ሳጹን ተገይሩለን እዩ።

 እዚ ብዓረብያ ዚግበር ምስክርነት ዕዉት ኰይኑ ስለ እተረኽበ፡ ብ2012፡ ኣመሓዳሪ ኣካል ኣብ ብዘላ ዓለም ዘለዉ ኣሕዋትን ኣሓትን ዓረብያታት ጽሑፋት ኪጥቀሙ ፈቒዱ። ስለዚ፡ ፈኲስን ድልዱልን ኣቕሑ ብምጥቃም ብብዝሒ ዓረብያታት ኬፍሪ ምስ ዚኽእል ፋብሪካ ስምምዕ ተገይሩ።

 እዘን ዓረብያታት በብእዋኑ ምምሕያሻት ተገይሩለን እዩ። ንኣብነት፡ ብ2015፡ ካብ ዝናም መከላኸሊ ዚኸውን መሸፈኒ ፕላስቲክ ተወሲኽወን እዩ። ኣብ ሃገረ ጆርጅያ እትነብር ዲና እትብሃል ሓብቲ፡ “ኣብቲ ዓረብያ ዚቕመጥ ጽሑፋት ዳርጋ ናይ ዝናም መከላኸሊ ጃኬት ከም እተገብረሉ እዩ” ብምባል ነቲ መሸፈኒ ኸም ዝፈተወቶ ገሊጻ እያ። ብ2017፡ ብማግነት ዚጠብቕ ፖስተራት ብገለ ቛንቋታት ተዳልዩ እዩ። ኣብ ፖላንድ ዚነብር ቶማስ እተባህለ ሓውና ኸምዚ ይብል፦ “እቲ ብኮላ ዚጠብቕ ሰሌዳ ምቕያር ኣዝዩ ኣጸጋሚ እዩ ነይሩ። ብማግነት ዚጣበቕ ፖስተራት ምጥቃም ግና ዝሓሸ መፍትሒ እዩ ዀይኑ።” ብ2019፡ እቲ ዓረብያ ጽሑፋት ብዝያዳ ምእንቲ ኺድልድል፡ ኣብ ኣሰራርሕኡ ለውጢ ተገይሩሉ እዩ።

ምድላው ዓረብያታት ጽሑፋት

 ኵሉ እቲ ዓረብያታት ጽሑፋት ብሓደ ፋብሪካ ተሰሪሑ፡ ድሕሪኡ ኣብ መላእ ዓለም ናብ ዘለዋ ጉባኤታት ይከፋፈል። ኣብዚ እዋን እዚ፡ ዋጋ ሓደ ዓረብያ፡ መልኣኺኡን ካልእ ወጻኢታትን ከይሓወስካ፡ 43 ዶላር ሕ.መ.ኣ. እዩ። ክሳዕ ሎሚ ንዓረብያታት ልዕሊ 16 ሚልዮን ዶላር ወጻኢ ተገይሩ እዩ፣ ልዕሊ 420,000 ዓረብያ ኸኣ ኣብ መላእ ዓለም ናብ ዚርከባ ጉባኤታት ተላኢኹ እዩ።

 ነቲ እተወፈየ ገንዘብ ብግቡእ ንምጥቃም ዓረብያታት ጽሑፋት ብብዝሒ እዩ ዚእዘዝ። ብተወሳኺ፡ ጉባኤታት ሓደስቲ ዓረብያታት ኣብ ክንዲ ዚዕድጋ፡ ነቲ ዘለወን ዓረብያታት መለዋወጢ ኣቕሑ ዓዲገን ኪጽግና ምድላዋት ተገይሩ እዩ።

ዓረብያታት ተጠቒምካ ምምስካር

 ኣብ መላእ ዓለም ዚርከቡ ኣስፋሕቲ፡ ዓረብያታት ጽሑፋት ምጥቃም ይፈትዉ እዮም። ንኣብነት፡ ኣብ ጋና እትነብር ማርቲና ኸምዚ ትብል፡ “ኣብ መብዛሕትኡ መዳይ ኣገልግሎትና ንሕና ኢና ናብ ሰባት እንኸይድ፡ ኣብ ዓረብያ ምስክርነት ግና ሰባት እዮም ናባና ዚመጹ። በዚ ኸኣ እየ ነዚ መዳይ ኣገልግሎት እዚ ዝፈትዎ። ከመይሲ ንሓለፍቲ መገዲ እውን ከይተረፈ ይምስከረሎም እዩ።”

 ኣብ ኣፍሪቃ እትርከብ ካልእ ሃገር ዚነብር ሓደ ሰብኣይ፡ ካብ ዓረብያ ብቛንቋኡ እተዳለወ ጽሑፋት ወሲዱ። ድሕሪ ሰሙን ተመሊሱ ድማ፡ “ኵሉ እቲ ጽሑፋት ኣንቢበዮ፡ እቲ ኣብኡ ዘሎ ሓበሬታ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ኣብ ዓዲ ንዘለዉ ስድራ ቤተይ ክህቦም እየ” በለ። ስድራ ቤቱ ልዕሊ 500 ኪሎ ሜተር ርሒቖም እዮም ዚነብሩ። ድሕሪ ኽልተ ወርሒ ተመሊሱ ኸኣ ከምዚ በለ፡- “ኣብ ዓዲ ዘለዉ ሰባት ንዂሉ እቲ ጽሑፋት ኣንቢቦምዎ፡ በቲ ዘንበብዎ ኣዝዮም ተሓጒሶም እዮም። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኪዀኑ ይደልዩ እዮም። ሕቶታት ግና ኣለዎም። ንኣብነት፡ ንምጥማቕ ኣብ ማይ ምሉእ ብምሉእ ኪጥሕሉ ኸም ዘለዎም ተረዲእዎም እዩ። ኰይኑ ግና፡ ኣብ ከባቢና ሩባ የልቦን። ስለዚ፡ መታን ክንጥመቕ ናብዚ ዲና ኽንመጽእ ዘሎና፧” እቶም ኣስፋሕቲ ምስ ሓደ ኸም ናቱ ዓይነት ቋንቋ ዚዛረብ ፈላሚ ኣራኸብዎ፡ ካብ ሽዑ ኣትሒዞም ድማ ስሩዕ ምይይጥ ይገብሩ ኣለዉ።

 ዓረብያታት ጽሑፋት ተጠቒምካ፡ “ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ኵላ ዓለም” ምስባኽ ኣዝዩ ባህ ዜብል እዩ። (ማቴዎስ 24:14) ንመስርሒ ዓረብያታት ዜድሊ ወጻኢታት ብኸመይ እዩ ዚሽፈን፧ በቲ ዓለምለኻዊ ዕዮ ንምድጋፍ ዚግበር ወፈያ እዩ ዚሽፈን። መብዛሕትኡ እቲ ወፈያታት ብdonate.pr418.com ኣቢሉ እዩ ዚግበር። ስለቲ ልግስኹም ነመስግነኩም።