ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ወፈያኻ ኣብ ምንታይ መዓላ ይውዕል፧

ኣብ እዋን ኮቪድ 19 መአከቢ ኣዳራሻት ብንጽህና ንምሓዝ እተገብረ ምድላዋት

ኣብ እዋን ኮቪድ 19 መአከቢ ኣዳራሻት ብንጽህና ንምሓዝ እተገብረ ምድላዋት

1 ጥቅምቲ 2022

 “ኣመሓዳሪ ኣካል ብመንግስቲ እተገብረ ቐይድታት እንተ ዘይሃልዩ ዅለን ጉባኤታት ካብ 1 ሚያዝያ ኣትሒዘን ብኣካል ዚግበር ኣኼባ ኺጅምራ ዜተባብዕ ውሳነ ኣመሓላሊፉ እዩ።” እዚ ምልክታ እዚ፡ ኣብ መጋቢት 2022 ኣብ jw.org ምስ ወጸ፡ ኣብ ብዘላ ዓለም ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብሓጐስ እዮም ተቐቢሎምዎ። ይኹን እምበር፡ ለበዳ ኮቪድ 19 ገና ኣይጠፍአን እዩ ነይሩ። a ነቶም ተኣከብቲ ኻብቲ ቫይረስ ንምክልኻል፡ እንታይ ምትዕርራያትን ቀረባትን ናውትን እዩ ዜድሊ ነይሩ፧ እቲ ብኣካል ዚግበር ኣኼባ ንኽልተ ዓመት ዚኣክል ተቛሪጹ ብምጽናሑ፡ እቲ መአከቢ ኣዳራሻት ደጊምና ንኽንእከበሉ ይምሽእዶ ይኸውን፧

 ግደ ሓቂ፡ እቲ ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ብኣካል ዚግበር ኣኼባ ንኺጅመር ኣሕዋትና ምድላዋት ኪገብሩ ጸኒሖም እዮም።

እተፈላለየ ጸገማትን መፍትሒታቱን

 ብ2020፡ እቲ ብኣካል ዚግበር ኣኼባ ምስ ተቛረጸ ድሕሪ ሓደ ወርሒ፡ ኮቪድ 19 ንኣጠቓቕማ ኣዳራሽ መንግስትና ብኸመይ ከም ዚጸልዎን መአከቢታትና ዘየስግእ ምእንቲ ኪኸውን እንታይ ኪግበር ከም ዘለዎን፡ እቲ ኣብ ዎርዊክ፡ ኒው ዮርክ ዚርከብ ዓለምለኻዊ ኽፍሊ ንድፊ ህንጸት መጽናዕቲ ኺገብር ጀሚሩ።

 ኣብ እተፈላለየ ቦታታት እተፈላለየ ጸገማት እዩ ኣጋጢሙ። ኣብ ዓለምለኻዊ ኽፍሊ ንድፊ ህንጸት ዚዓዪ ማቲው ዲ ሳንክቲስ ከምዚ ብምባል ይገልጽ፦ “ኣብ ገሊኡ ሃገራት ዘጋጠመ ጸገም፡ ንመሕጸቢ ኣእዳው ዝኸውን ቦታ ዘይምህላው እዩ። ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽ ቡምባ ማይ ምስ ዘይህልወን፡ እቲ ማይ ኪዕደግ ወይ ካብ ሩባ ኺመጽእ ኣለዎ። ኣብ ካልኦት ሃገራት ድማ፡ መንግስትታት ንኤየር ኮንድሽን፡ ንቬንትሌተር፡ ከምኡውን ንጥዕናን ጽሬትን ዚምልከት እንታይ ምልክታታት ኪጥቃዕ ከም ዘለዎ መምርሒ ኣውጺኦም እዮም።”

 ነዚ ብድሆታት እዚ ብኸመይ ተዋጺኦምሉ፧ ኣብ ብዙሕ ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽ፡ “ቀሊልን ሕሱር ዝዋጋኡን ነገራት ብምጥቃም ውጽኢታዊ ፍታሕ” ኪፈጥሩ ኸም ዝኸኣሉ ማቲው ይገልጽ። ንኣብነት፡ ኣብ ፓፕዋ ኒው ጊኒ፡ 20 ሊትሮ ኣብ ዚሕዝ ጀሪካን ቡምባ ብምልጋብ፡ መሕጸቢ ኢድ ዚኸውን ቦታታት ኣዳልዮም። ኣሕዋትና ንሓደ ኣብ ገጠር ዚርከብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ፡ ብ40 ዶላር ኣመሪካ ጥራይ መሕጸቢ ኢድ ኣዳልዮም እዮም። ኣብ ኣፍሪቃ ንዚርከብ ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽ ዚውዕል ልዕሊ 6,000 ብሉጽ ዝዓይነቱ መሕጸቢ ኢድ፡ ካብ ሓደ ኣብ እስያ ዚርከብ ኣቕራቢ ተዓዲጉ እዩ።

ወለዲ ንውሉዳቶም ሰናይ ኣብነት ጽሬት ይዀንዎም

 ካልእ እተገብረ ምትዕርራያት ከኣ፡ ኣብ ኣደራሻት መንግስቲ ኣምላኽ ንጹህ ኣየር ምእንቲ ኺህሉ፡ ሓደስቲ ቬንቲሌተራት ተተኺሉ ወይ ድማ ነቲ ዝነበረ ምምሕያሽ ተገይሩሉ እዩ። ብዙሓት ጉባኤታት እቲ ዚጥቀማሉ ማይክሮፎናት ብኢድ ምእንቲ ኸይተሓዝ፡ ነቲ ማይክሮፎናት ንምዛር ዚሕግዝ ነዋሕቲ ዘንግታት ዓዲገን እየን። ነቲ ቫይረስ ብቐሊል ኬመሓላልፍ ዚኽእል ከም ለዓት ማዕጾ፡ መኽፈቲ ቡምባ ዝኣመሰለ ነገራት ብተደጋጋሚ ንምጽራይ ጻዕሪ ተገይሩ እዩ። ገሊአን ጉባኤታት ኣብ ዓይን-ምድሪ ብሰንሰር ዚሰርሕ፡ ባዕሉ ዚኽፈት ቡምባታት ገጢመን እየን። ኣብ ቺለ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣዳራሽ ኣድላዪ ለውጢ ንምግባር ብገምጋም 1400 ዶላር ኣመሪካ ኣድልዩ እዩ።

ማይክሮፎናት ብኢድ ንኸይተሓዝ ብነዊሕ ዘንጊ ይዘውር

 ኣሕዋትና፡ ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽ ሕማም ዘየመሓላልፍ ንምግባር ቀዳምነት ሂቦም ይሰርሑ እኳ እንተ ነበሩ፡ ነቲ እተወፈየ ገንዘብ ግና ኣካዊኖም ኪጥቀሙሉ ጽዒሮም እዮም። ንኣብነት፡ ኣብ ገሊኡ ሃገራት፡ መሕጸቢ ኢድን መትሓዚ ማይክሮፎን ዝኸውን ዘንጊ ንምዕዳግ፡ ነቲ ካብ መንግስቲ ዚውሃብ ሓገዝ ተጠቒሞምሉ እዮም። ኣብያተ ጽሕፈት ጨንፈር ወጻኢታተን ምእንቲ ኺንክያ፡ ዜድልየን ነገራት ብጅምላ ንምዕዳግ ሓቢረን ሰሪሐን እየን። ኣብያተ ጽሕፈት ጨንፈርን ክፍሊ ዓለምለኻዊ ሸመታን ብሕሱር ኪዕድጉን እቲ ዝዓደግዎ ድማ ኣብ ግዜኡ ምእንቲ ኺበጽሖምን ብቐጥታ ኻብ ፋብሪካታት ኺዕድጉ ምድላዋት ገይሮም እዮም።

ነቝጣ ጽሬት ኢድ

“ቅሳነት እዩ ተሰሚዑኒ”

 ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽ ንጥዕና ዘየስግእ ንኪኸውን እትገብረ ቕድመ ምድላው፡ ነቶም ብኣካል ኪእከቡ ዝጀመሩ ኣሕዋትን ኣሓትን ዑቝባን ድሕንነትን ከም ዚስምዖም ገይሩ እዩ። ኣብ ፔሩ እትነብር ዱልሲን እተባህለት ሓብቲ፡ ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ዚግበር ኣኼባ ኽንጅምር ምዃንና ምስ ተነግረ፡ ኣብ ፈለማ ‘ፈሪሃ’ ኸም ዝነበረት ተዛሪባ ኣላ። ከምዚ ድማ በለት፦ “ኣብቲ ለበዳ ዝጀመረሉ እዋን ኮቪድ 19 ሒዙኒ ነይሩ እዩ። እቲ ቫይረስ መሊሱ ኺሕዘኒ ኸም ዚኽእል ስለ ዝፈልጥ፡ ናብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ምኻድ ኣስጊኡኒ ነይሩ እዩ። ምስ ከድኩ ግና፡ እቶም ሽማግለታት ነቲ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ፡ ንጥዕና ዘየስግእ ምእንቲ ኪኸውን ነቝጣ ንጽህና ኢድ፡ ነዊሕ ዘንጊ መትሓዚ ማይክሮፎን፡ ከምኡውን ቅድምን ድሕርን ኣኼባ ነቲ ቦታ ንምምካን ዚግበር ጽሬት ዝኣመሰለ ምድላዋት ገይሮም ምስ ረኣኹ፡ ቅሳነት እዩ ተሰሚዑኒ።” b

ኣዳራሽ መንግስቲ የጽርዩ

 ኣብ ዛምብያ እትነብር ሳራ እተባህለት ሓብትና ፍልይ ዝበለ ብድሆ እዩ ኣጋጢምዋ። ከምዚ ድማ በለት፦ “ቅድሚ ገለ ኣዋርሕ፡ በዓል ቤተይ ብሰንኪ ኮቪድ 19 ሞይቱ እዩ። ናብቲ ብኣካል ዚግበር ኣኼባ ንፈለማ ግዜ ንበይነይ ክኸይድ ምዃነይ ምስ ፈለጥኩ፡ ጭንቀት እዩ ፈጢሩለይ።” ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ከይዳ ኽትእከብ ምስ ጀመረት ግና ከመይ እዩ ተሰሚዑዋ፧ ከምዚ ብምባል ገሊጻ ኣላ፦ “እቲ ብኣካል ዚግበር ኣኼባ ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት፡ የሆዋ ምሳና ኸም ዘሎ ዜረጋግጽ ኰይኑ እየ ረኺበዮ። ኣብዚ እዋን እዚ፡ ካብ ሽማግለታትን ካብ ኵሎም ኣሕዋትን ኣሓትን ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ዜድልየኒ ምትብባዕን ፍቕርን ደገፍን ክረክብ ክኢለ እየ።”

ብኣካል ደጊሞም ብምእካቦም ሓጐሶም ይገልጹ

 ኣብ ብዘላ ዓለም ዘለዉ ክርስትያን ብጾትና፡ ኣብ ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽ ደጊሞም ኪእከቡ ምኽኣሎም ኣመስጊኖም እዮም። ስለቲ ወፈያኹም ኣዚና ነመስግነኩም። መብዛሕትኡ ኸኣ ብመገዲ donate.pr418.com ኣቢሉ እዩ ተወፍዩ። እዚ ወፈያታት እዚ፡ ማእከላት ንጹህ ኣምልኾና ንኽትእከበሉ ምሹእን ንጥዕና ዘየስግእን ንኪኸውን ሓጊዙ እዩ።

a እቶም ብኣካል ኪእከቡ ዘይክእሉ፡ ብቪድዮ ኮንፈረንስ ወይ ብስልኪ ኣኼባ ኺካፈሉ ኽኢሎም እዮም።

b ብተወሳኺ፡ እቶም ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ዚእከቡ፡ ማስክ ኪገብሩ ተተባቢዖም እዮም።