ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ወፈያኻ ኣብ ምንታይ መዓላ ይውዕል፧

ኣብ እዋን ዓለምለኻዊ ለበዳ እተገብረ ረድኤት

ኣብ እዋን ዓለምለኻዊ ለበዳ እተገብረ ረድኤት

1 ሓምለ 2021

 ኣብ መጋቢት 2020፡ ውድብ ጥዕና ዓለም ኮቪድ-19 ዓለምለኻዊ ለበዳ ምዃኑ ምስ ኣወጀ፡ ብዙሓት ሰባት እዚ ቫይረስ እዚ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ከም ዝጸንሕ ኣይገመቱን ነይሮም። እቲ ለበዳ ንሚልዮናት ሰባት፡ እንተላይ ንገለ ኻብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ኣካላውን ስምዒታውን ቍጠባውን ጸገማት ኣስዒቡሎም እዩ። ኣብዚ እዋን ቅልውላው እዚ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ረድኤት ብእተወደበ መገዲ ዜከፋፍልዎ ብኸመይ እዮም፧

ንእተጸገሙ እተዋህበ ረድኤት

 ብምኽንያት ኮቪድ-19፡ ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ኮሚተ ኣተሓባበርቲ ኣመሓዳሪ ኣካል ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ኣብ ብዘላ ዓለም ልዕሊ 950 ኮሚተ ረድኤት ተቛቚሙ። ንገሊኦም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብደረጃ ጉባኤ ሓገዝ ኪግበረሎም ከሎ፡ ካልኦት ከኣ ብደረጃ መንግስቲ ረድኤት ረኺቦም እዮም። ብዘይካዚ፡ ኮሚተታት ረድኤት ብስፍሕ ዝበለ መገዲ ረድኤት ከም ዚባጻሕ ገይሮም እዮም።

 ንኣብነት፡ ኣብ ፓራጓይ ዘጋጠመ ዅነታት ንርአ። ሓንቲ ጋዜጣ፡ “እቲ ለበዳ ብዘስዓቦ ቚጠባዊ ጸቕጢ ብዙሓት ደቂ ፓራጓይ እኹል ምግቢ ስለ ዘይብሎም ይጠምዩ ኣለዉ” ዚብል ጸብጻብ ኣቕሪባ። ይኹን እምበር፡ እቲ ኣብ ፓራጓይ ዚርከብ ኮሚተ ረድኤት ኣቐድም ኣቢሉ ንኽልተ ሰሙን ዚኸውን ኣስቤዛ ኺዕድል ጀሚሩ ነይሩ እዩ። እዚ ድማ፡ ኣርባዕተ ኣባላት ንዘለዉዋ ስድራ ቤት ዚኸውን እኹል ምግብን መጸራረይን ዝሓዝ እዩ ነይሩ። ንነፍሲ ወከፍ ስድራ ቤት እተዋህበ ሓደ ኣስቤዛ፡ ዋጋኡ 30 ዶላር (ሕ.መ.ኣ.) ኣቢሉ እዩ ነይሩ።

 እቶም ሰራሕተኛታት ረድኤት ንገዛእ ርእሶምን ንኻልኦትን ካብ ኮቪድ-19 ዚከላኸሉ ብኸመይ እዮም፧ ማስክ ይገብሩ፡ ኣካላዊ ርሕቐቶም ይሕልዉ፣ እተን ምግቢ ዜዳልዋ ትካላት፡ ጽሬተን ዚሕልዋን ግቡእ ጥንቃቐ ዚገብራን ምዃነን እውን የረጋግጹ። እዚ ኸኣ፡ እቶም ምግቢ ዘዳልዉ ሰባት ግቡእ መከላኸሊ ኣልባሳት ኪለብሱን ማኪናታቶም ኬጽርዩን ኬምክኑን ነቲ ኣስቤዛ ኣብ ዝመኸነ ባይታ ኬቐምጡን የጠቓልል። ኣብ መወዳእታ ኸኣ፡ እቶም ኣስቤዛ ዜበጻጽሑ ኻብቶም ዚቕበሉ ኣሕዋት ኣካላዊ ርሕቐቶም ይሕልዉ።

ጥበባዊ ኣወዓዕላ ወፈያታት

 ክሳዕ ጥሪ 2021 ኣብ ዝነበረ እዋን፡ ኮሚተ ኣተሓባበርቲ ንኮቪድ-19 ዚኸውን ልዕሊ 25 ሚልዮን ዶላር (ሕ.መ.ኣ.) ኪስላዕ ኣጽዲቑ። ኣብያተ ጽሕፈት ጨንፈርን ኮሚተ ረድኤትን ነቲ እተወፈየ ገንዘብ ተጠንቂቖም እዮም ዚጥቀሙሉ፡ ነቲ ዚገዝእዎ ነገራት ከኣ ተዋግዮም እዮም ዚዕድግዎ። ንኣብነት፡ ኣብ ቺለ ነቲ ዕዮ ረድኤት ዜተሓባብሩ ኣሕዋት 750 ኪሎ ግራም ብርስን ኪዕድጉ ደልዮም። እቲ ዜገርም ግና፡ ዋጋ ብርስን ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ብዕጽፊ እዩ ወሲኹ። ነቲ ብርስን ብኽቡር ዋጋ ንኺዕድግዎ ድሕሪ ምስምማዖም ክልተ ሰዓት ጸኒሑ እቲ ነጋዳይ ካልእ ዓዳጋይ ነቲ ዝዓደጎ ብርስን ከም ዝመለሶ ሓበሮም። ስለዚ፡ ነቲ እተመልሰ ብርስን በቲ ቕድም እተሰማምዑሉ ኽቡር ዋጋ ዘይኰነስ፡ በቲ ቕድሚ ወርሒ ዝነበረ ዋጋ ሸጠሎም።

 እንተዀነ ግና፡ እቶም ኣሕዋት ነቲ ብርስን ኬምጽእዎ ምስ ከዱ፡ እቲ ነጋዳይ ከምቲ ካልኦት ውድባት ዚገብራኦ፡ ብሌላን ጉሌላን ምግቢ ኸም ዚዕድሉ ብምጥቃን ነቲ ውዕል ኪስርዞ ፈተነ። ሽዑ፡ ሓደ ኻብቶም ኣሕዋት ኣሕጽር ኣቢሉ ብልቡ ድሕሪ ምጽላይ፡ ነፍሲ ወከፍ ጉባኤ እቲ ናይ ሓቂ ሓገዝ ዜድልዮ መን ምዃኑ ንምፍላጥ ኣቐዲማ ዜድሊ መጽናዕቲ ኸም እትገብር ሓበሮ። እቶም ኣሕዋት ከኣ ኣስዕብ ኣቢሎም፡ ድሕረ ባይታ እቶም ተቐበልቲ ረድኤት እተፈላለየ ምዃኑ ገለጹሉ፣ ስለዚ ነቲ ኣስቤዛ ንነፍሲ ወከፍ ስድራ ኸከም ዜድልዮም ጌርካ ኸም ዚዕደል ሓበርዎ። ኣብ መወዳእታ ኸኣ፡ ኵሉ እቲ ብናይ የሆዋ መሰካኽር ዚግበር ናይ ገንዘብ ወፈያ ዀነ ናይ ጉልበት ሓገዝ ብወለንታ ምዃኑ ኣረጋገጹሉ። እቲ ነጋዳይ፡ እዚ ምስ ሰምዐ፡ ኣዝዩ ተገረመ። ከምቲ ኣቐዲሞም እተሰማምዑሉ ድማ ብሕሱር ዋጋ ሃቦም። ብዘይካዚ፡ ካልኣይ ሳዕ ኪዕድጉ ምስ ተመልሱ፡ ኣብ ርእሲ እቲ ዝዓደግዎ፡ ተወሳኺ 400 ኪሎ ግራም ብርስን ወፈየሎም።

“ናይ ሓቂ ፍቕሪ ኸም ዘለዎም እያ እተረጋግጽ”

 ሉሱ ምስ ሓሙሽተ ኣባላት ስድራ ቤታ ኣብ ላይበርያ እትቕመጥ ብዕድመ ዝደፍአት መበለት እያ። ሓደ መዓልቲ እቶም ስድራ፡ ቍርሲ ቘሪሶም ዕለት ጥቕሲ ድሕሪ ምግባሮም፡ ሸውዓተ ዓመት ዝዕድሚኡ ወዲ ጓላ ምግቢ ዚብሃል ከም ዘይብሎም ኣስተብሃለ። “እንታይ ክንበልዕ ኢና፧” ከኣ በለ። ሉሱ ድማ ናብ የሆዋ ኸም ዝጸለየትን የሆዋ ኸኣ ክሕግዞም ምዃኑን ብምትእምማን ገለጸትሉ። ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ናይ ጉባኤ ሽማግለታት ደዊሎም ምግቢ ኽትወስድ ነገርዋ። “የሆዋ ጸሎተይ ስለ ዝመለሰለይ፡ ወዲ ጓለይ፡ ‘ሕጂ የሆዋ ጸሎት ከም ዚሰምዕን ከም ዚምልስን ፈሊጠ ኣለኹ’ ኢሉ” ብምባል ተዘንቱ።

ኣብ ደሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ዘለዉ ቘልዑ፡ ነቲ ኣሕዋቶም ዝገበሩሎም ናይ ምግቢ ረድኤት ንምምስጋን ስእልታት ስኢሎም።

 ኣብ ደሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ እትነብር ሓንቲ ሰበይቲ ኣብ ጐድኒ ገዛኣ ዚነብሩ ናይ የሆዋ መሰካኽር ጐረቤት ኣለዉዋ። እቶም ናይ የሆዋ ምስክር ጐረቤታ፡ ካብ ኣሕዋቶምን ኣሓቶምን ምግቢ ኪቕበሉ ምስ ረኣየት፡ “ድሕሪ እዚ ለበዳ እዚ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክንከውን ኢና። ምኽንያቱ፡ ንሳቶም ኣብዚ ጽንኩር እዋን እዚ፡ ንኣሕዋቶምን ኣሓቶምን ሓልዮት ኣርእዮም እዮም” በለት። ሰብኣያ ድማ፡ “ንሓንቲ ኸረጺት ሩዝ ክትብልስ፡ ናይ የሆዋ ምስክር ክትኰኒ ኢኺ፧” ኢሉዋ። ንሳ ኸኣ፡ “ከምኡ ኢለ ኣይኰንኩን። እታ ሓንቲ ኸረጺት ሩዝ ግና፡ ናይ ሓቂ ፍቕሪ ኸም ዘለዎም እያ እተረጋግጽ” ኢላ መለሰትሉ።

 ሳላ እቲ ብልግሲ እተገብረ ወፈያታትኩም፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብዚ እዋን ለበዳ ንእተጸገሙ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ብቕልጡፍ ኪረድኡ ኽኢሎም እዮም። በቲ ኣብ donate.pr418.com ዘሎ መገድታት ተጠቒምኩም ወፈያታት ምግባርኩም ነመስግነኩም።