ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ወፈያኻ ኣብ ምንታይ መዓላ ይውዕል፧

እቲ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ዝዀነ መጽሓፍ ዚዳለወሉ መገዲ

እቲ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ዝዀነ መጽሓፍ ዚዳለወሉ መገዲ

1 ጥሪ 2021

 “ን19 ዓመት እየ ተጸብየ።” ከምዚ ኢሉ እተዛረበ ሓደ ሓውና እዩ። እንታይከ እዩ ዚጽበ ነይሩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም (ማቴዎስ-ራእይ)፡ ብቛንቋኡ፡ ብቛንቋ ቤንጋሊ እዩ ዚጽበ ነይሩ። ብዙሓት ሰባት ትርጉም ሓዳስ ዓለም ብቛንቋኦም ኪወጽእ ከሎ፡ ከምኡ እዩ ዚስምዖም። ነዚ መጽሓፍ ቅዱስ እዚ ንምትርጓምን ንምድላውን እንታይ ከም ዚሓትትሲ ሓሲብካሉዶ ትፈልጥ፧

 ብመጀመርታ፡ ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ኮሚተ ጽሕፈት ኣመሓዳሪ ኣካል፡ ጕጅለ ትርጉም ይምደብ። ሓደ ጕጅለ ትርጉም ንመጽሓፍ ቅዱስ ንምትርጓም ክንደይ ግዜ እዩ ዚወስደሉ፧ ኣብ ዎርዊክ፡ ኒው ዮርክ፡ ኣብ ኣገልግሎት ትርጉም ዚዓዪ ኒኮላስ ኣላዲስ ከምዚ ብምባል ይገልጽ፦ “ብዙሕ ረቛሒታት እዩ ዘሎ፡ ንኣብነት፡ ነቲ ፕሮጀክት እቲ ኺሕዙ ዚኽእሉ ኽንደይ ተርጐምቲ ኣለዉ፧ እቲ ቛንቋ ኽሳዕ ክንደይ እዩ እተሓላለኸ፧ ኣንበብቲኸ ነቲ ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበረ ናብራ ህይወት ክሳዕ ክንደይ እዮም ዚርድእዎ፧ ዚብል ረቛሒታትን እቲ ቛንቋ ኻብ ዞባ ናብ ዞባ ዚፈላለ እንተ ዀይኑን ኣብ ግምት ይኣቱ እዩ። ብገምጋም ሓንቲ ጕጅለ ትርጉም፡ ክርስትያናዊ ቕዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛ ንምትርጓም ካብ ሓደ ኽሳዕ ሰለስተ ዓመት፡ ምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ ንምትርጓም ከኣ ኣርባዕተ ወይ ዝያዳ ዓመታት ኪወስደላ ይኽእል እዩ። ቋንቋ ምልክት እሞ ኸኣ፡ ዝያዳ ግዜ እዩ ዚወስድ።”

 መጽሓፍ ቅዱስ ንምትርጓም ኣብ ጕጅለ ትርጉም ጥራይ እተሓጽረ ኣይኰነን። እተፈላለየ ድሕረ ባይታ ዘለዎም፡ ሓድሓደ ግዜ ኸኣ ካብ እተፈላለያ ሃገራት ዝዀኑ ኣንበብቲ ነቲ ትርጉም ይርእይዎ እዮም። ነዚ ዕዮ እዚ ድማ ብናጻ እዮም ዚገብርዎ። እቲ ዚህብዎ ርእይቶ ኸኣ ነቶም ተርጐምቲ ልክዕን ንጹርን ትርጉም ዘለዎ መጽሓፍ ቅዱስ ኼዳልዉ ይሕግዞም። ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዚነብር ኣሰልጣኒ ትርጉም መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዝበሎ፡ “ተርጐምቲ ኣብ የሆዋን ኣብቶም ኣንበብቲ ቓሉን፡ ከቢድ ሓላፍነት ከም ዘለዎም ይስምዖም እዩ።”

 ትርጉም ምስ ተወድአ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ኪሕተምን ኪጥረዝን ኣለዎ። ነዚ ንምምላእ ድማ ኣባይቲ ማሕተም፡ ብውሕዱ ዓሰርተ ነገራት የድልዮ። እዚ ኸኣ ወረቐት፡ ቀለም፡ ገበር፡ መጣበቒ፡ ፎደራ፡ ቈጽሊ ብሩር፡ ዕልባት፡ ዓለባ ምስማክ፡ መትረሪ ሕቘ መጽሓፍ፡ ንምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ ጠርኒፉ ዚሓቍፍ መደረብታ ገበር የጠቓልል። ብ2019፡ ነዚ መጽሓፍ ቅዱስ ንምድላው ዚሕግዝ ነገራት ንምዕዳግ፡ ብድምር 20 ሚልዮን ዶላር ኣመሪካ ኣውጺእና ኢና። ኣብታ ዓመት እቲኣ፡ ኣብ ቤት ማሕተምና ዚዓይዩ ወለንተኛታት፡ መጽሓፍ ቅዱስ ንምድላውን ንምልኣኽን፡ ልዕሊ 300,000 ሰዓት ወፍዮም እዮም።

“መጽሓፍ ቅዱስ ካብቲ እንሓትሞ ጽሑፋት፡ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ዝዀነ ሕታም እዩ”

 ነዚ ዕዮ እዚ ንምፍጻም፡ ብዙሕ ግዜን ገንዘብን እንውፊ ስለምንታይ ኢና፧ ኣብ ክፍሊ ኣህጕራዊ ማሕተም ዚዓዪ ጆኤል ብሉ፡ “መጽሓፍ ቅዱስ ካብቲ እንሓትሞ ጽሑፋት፡ እቲ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ዝዀነ ሕታም እዩ” በለ፣ ኣስዕብ ኣቢሉ እውን፡ “ስለዚ ነቲ እነምልኾ ኣምላኽን ነቲ እንሰብኮ መልእኽትን ዜኽብር ትርኢት ኪህልዎ ኢና እንደሊ” በለ።

 ብጀካ እቲ ስሩዕ ሕታም ትርጉም ሓዳስ ዓለም፡ ፍሉይ ጸገማት ንዘለዎም ኣንበብቲ ዚኸውን ሕታማት እውን ነዳሉ ኢና። ንኣብነት፡ ትርጉም ሓዳስ ዓለም ብዓሰርተ ቛንቋ ብብረይል ተዳልዩ ኣሎ። ምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ ብብረይል ከተዳሎ ሸሞንተ ሰዓት እዩ ዚወስድ። ንዅሉ እቲ ጥራዛት ዚኸውን 2.3 ሜተር ዝዕብየቱ ኸብሒ ኸኣ የድሊ። ብዘይካ እዚ፡ ነቶም ገበር ወረቐት ዘለዎ መጻሕፍቲ ጥራይ ዚፍቀደሎም እሱራት ዚኸውን ፍሉይ ሕታም መጽሓፍ ቅዱስ እውን ነዳሉ ኢና።

 ትርጉም ሓዳስ ዓለም ነቶም ዜንብብዎ ሰባት ጽልዋ ይገብረሎም እዩ። ብዛዕባ እታ ኣብ ቶምበ፡ ደሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ፡ እትርከብ ጉባኤ ቛንቋ ኪሉባ ንርአ። ቶምበ፡ ካብ ርእሰ ኸተማ እታ ሃገር ልዕሊ 1700 ኪሎ ሜተር ርሒቓ እያ ትርከብ። ኣብታ ጉባኤ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ብጥንታዊ ቛንቋ ኪሉባ እተተርጐመ ሓንቲ ቕዳሕ መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ እያ ነይራቶም። እቶም ኣሕዋት፡ ክፍልታት ኣኼባ ንምድላው፡ ነታ ቕዳሕ በብተራ ይቀባበሉላ ነበሩ። ካብ ነሓሰ 2018 ንነጀው ግና፡ ብዘመናዊ ቛንቋ ኪሉባ እተዳለወ ምሉእ ትርጉም ሓዳስ ዓለም፡ ኣብ ኢድ ነፍሲ ወከፍ ኣባል እታ ጉባኤ በጺሑ እዩ።

 ጀርመንኛ እትዛረብ ሓብቲ፡ ብዛዕባ እቲ ብቛንቋኣ ተኸሊሱ ዝወጸ ትርጉም ሓዳስ ዓለም፡ “ድሕሪ ደጊም ‘መጽሓፍ ቅዱስ ከንብብ ኣሎኒ’ ኣይኰንኩን ዝብል፡ ኣብ ክንዳኡስ፡ ‘ዝያዳ ዘንብብ መዓስ እየ፧’ ኢለ እየ ንርእሰይ ዝሓትታ” በለት። ሓደ እሱር ከኣ፡ “ሓደ ቕዳሕ ትርጉም ሓዳስ ዓለም ምስ ተዋህበኒ፡ ንህይወተይ ቀይርዎ እዩ። ቃል ኣምላኽ እተረድኣኒ፡ ነዚ ትርጉም እዚ ኸንብቦ ምስ ጀመርኩ ጥራይ እዩ። ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝያዳ ኽፈልጥን ናይ የሆዋ ምስክር ክኸውንን እደሊ እየ” ኢሉ ጸሓፈ።

 ኵሎም እቶም ንትርጉም ሓዳስ ዓለም ዜንብቡ ሰባት፡ ነዚ ትርጉም እዚ ንምድላው ንዚግበር ወፈያታት የማስውሉ እዮም። እዚ ንዓለምለኻዊ ዕዮ ንምድጋፍ ዚግበር ወፈያታት፡ ብመገዲ donate.pr418.com ኣቢሉ እዩ ዚግበር። ስለቲ ልግስኹም ነመስግነኩም።