ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ወፈያኻ ኣብ ምንታይ መዓላ ይውዕል፧

ዕዮ ረድኤት ኣብ 2022—ሕውነታዊት ፍቕሪ ብግብሪ ተራእያ

ዕዮ ረድኤት ኣብ 2022—ሕውነታዊት ፍቕሪ ብግብሪ ተራእያ

1 ጥሪ 2023

 መጽሓፍ ቅዱስ ኣብዚ እንነብረሉ ዘለና ግዜ፡ ውግእ፡ ምንቅጥቃጥ ምድሪ፡ ለበዳ ኸምኡ እውን ‘መፍርህታት’ ከም ዚኸውን ኣቐዲሙ ተነብዩ ነይሩ። (ሉቃስ 21:10, 11) እዚ ትንቢታዊ ቓላት እዚ፡ ኣብ ዓመት ኣገልግሎት 2022 እውን ተፈጺሙ እዩ። a ንኣብነት፡ ኣብ ዩክረይን እተወልዐ ውግእ ብዘይምቍራጽ ቀጺሉ ንህይወት ሚልዮናት ከኣ ተንክዩ እዩ። መብዛሕትኡ ኽፋል ዓለም ሕጂ እውን ካብ ለበዳ ኮቪድ-19 ምሉእ ብምሉእ ኣይተገላገለን። ብዘይካዚ፡ ብዙሓት ሰባት ብባህርያዊ ሓደጋታት ተጐዲኦም እዮም። ንኣብነት፡ ኣብ ሀይቲ ዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ ምድሪ፡ ኣብ ማእከላይ ኣመሪካን ኣብ ፊሊፒንስን ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ኣፍሪቃን ዘጋጠመ ኣዕናዊ ህቦብላ ኺጥቀስ ይከኣል። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቶም በዚ እተጐድኡ ሰባት ብኸመይ እዮም ሓጊዞምዎም፧

 ኣብ ዓመት ኣገልግሎት 2022 ውድብና ንግዳያት ዳርጋ 200 ሓደጋታት ረድኤት ሂባ እያ። ብድምሩ ኣስታት 12 ሚልዮን ዶላር ንዕዮ ረድኤት ኣውጺእና ኢና። b እቲ እተወፈየ ገንዘብ ብኽልተ ሓደጋታት ንእተጐድኡ ንምሕጋዝ ብኸመይ ከም ዝወዓለ ንርአ።

ኣብ ሀይቲ ዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ ምድሪ

 ብ14 ነሓሰ 2021፡ 7.2 ሬክተር ዝዓቐኑ ምንቅጥቃጥ ምድሪ፡ ኣብ ደቡባዊ ሀይቲ ኣጋጠመ። እቲ ዜሕዝን፡ ክልተ ኣሓትናን ሓደ ሓውናን በዚ ሞይቶም እዮም። እቶም ብህይወት ዝተረፉ ድማ እቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ንዘስዓበሎም ኣካላውን ስምዒታውን ጕድኣት ኪጻወሩ ነይርዎም። ነዚ ብዚምልከት ስቴፈን እተባህለ ሓደ ሓው፦ “ኣብ ምልእቲ እታ ኸተማ ኣዝዮም ብዙሓት ሰባት ካብ ሙማቶም እተላዕለ፡ ንልዕሊ ኽልተ ወርሒ፡ ሰሙን ሰሙን ብዙሕ ቀብርታት ነይሩ” ኢሉ እዩ። ካልእ ኤሌዘር ዚብሃል ሓው ከኣ፡ “ብዙሓት ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ መጽለልን ክዳውንትን ሳእንን ካልእ መስረታዊ ነገራትን ኣይነበሮምን። ንኣዋርሕ ብዙሓት ሰባት፡ ብሰንኪ እቲ ሓደጋ ራዕዲ ሒዝዎም ነይሩ” በለ።

 ውድብና ብቕልጡፍ እያ ሓገዝ ሂባ። ጨንፈር ሀይቲ ልዕሊ 530 ኵንታል ምግቢ፡ ቴንዳታት፡ ፍርናሻት፡ ንሞባይላት ድማ ብጸሓይ ዚሰርሕ መምልኢ ባትሪ ኣቕሪቡ እዩ። ብዘይካዚ፡ ኣብ ዓመት ኣገልግሎት 2022 ልዕሊ ሚእቲ ኣባይቲ ተጸጊኑ ወይ ተሃኒጹ እዩ። ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ዶላር ከኣ ንዕዮ ረድኤት ውዒሉ እዩ።

ኣብ ሀይቲ እኽሊ ይበጻጻሕ

 ኣሕዋትናን ኣሓትናን ነዚ ኣዝዮም እዮም ኣማስዮምሉ። ሎረት ከምዚ ትብል፦ “እቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ንገዛናን ንትካልናን ምሉእ ብምሉእ እዩ ኣዕንዩዎ። ዋላ ሓንቲ ዚብላዕ ኣይነበረናን። ውድብ የሆዋ ግና፡ ዜድልየና ዘበለ ዅሉ ብምምላእ ሓጊዛትና እያ።” ምሽሊን ድማ ከምዚ ትብል፦ “እቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ፡ ኣነን ክልተ ደቀይን ንእንነብረሉ ዝነበርና መንበሪ ኣዕንይዎ እዩ። ብጀካ ሓገዝ ንምርካብ ምጽላይ ካልእ ክገብሮ ዝኽእል ነገር ኣይነበረን፣ የሆዋ ኸኣ ብውድቡ ኣቢሉ ንጸሎተይ መሊሱለይ እዩ። ሕጂ እንነብረሉ ብግቡእ እተሃንጸ ቤት ኣለና። ንየሆዋ ሞሳይ ከርኢ እተኻእለኒ ኽገብር ቈሪጸ እየ።”

 ሰበ ስልጣን እቲ ኸባቢ፡ ነቲ ዕዮ ረድኤት ኣስተብሂሎምሉ እዮም። ኣመሓዳሪ ኸተማ ላሰል ከምዚ በለ፦ “እቲ ውዓል ሕደር ከይበልኩም ዝገበርክምዎ ሓገዝ ኣዝዩ ዜደንቕ እዩ። ንሰበ ስልጣን ዓብዪ ኣኽብሮት ስለ እተርእዩ አመስግነኩም። ካብ ኣብ ገንዘብ ንሰባት ኣብ ምሕጋዝ እተተኵሩ ምዃንኩም ኣሐጒስኒ እዩ። ነዚ ድማ ብፍቕሪ ኢኹም እትገብርዎ።”

ህቦብላ ንፋስ ኣና ኣብ ማላዊን ኣብ ሞዛምቢክን ጕድኣት ኣውሪዱ

 ብ24 ጥሪ 2022 ህቦብላ ንፋስ ኣና፡ ፈለማ ኣብ ሞዛምቢክ፡ ቀጺሉ ድማ ንምዕራብ ገጹ ኣቢሉ ኣብ ማላዊ ጕድኣት ኣውሪዱ እዩ። ብርቱዕ ዝናብን ኣብ ሰዓት 100 ኪሎ ሜተር ዚሕምበብ ሓያል ንፋስን ነይርዎ። መስመራት ሓይሊ ኤለክትሪክን ድልድላትን ኣዕንዩ፡ ሓያሎ ምዕልቕላቕ ማይ ከኣ ኣስዒቡ እዩ።

 ኣብ ማላዊን ሞዛምቢክን ዚነብሩ ልዕሊ 30,000 ናይ የሆዋ መሰኻኽር በቲ ህቦብላ ተጐዲኦም እዮም። ኣብ ዕዮ ረድኤት ዚሕግዝ ቻርለስ ዚብሃል ሓው ከምዚ ይብል፦ “እቶም ኣሕዋት ክሳዕ ክንደይ ከም እተጐድኡን ብዙሕ ንብረቶም ከም ዝጠፍአን ምስ ረኣኹ ልበይ ተሰይሩን ተስፋ ቘሪጸን ነይረ።” ኣብታ ዘላታ ተወሰኸታ ድማ እቲ ዝነበሮም ሒደት ምግብን እኽልን ብውሕጅ ተወሲዱ፣ ብዙሓት ከኣ ኣባይቶም ዓንዩ እዩ። እቲ ዜሕዝን፡ ሓደ ሓው ዝነበርዋ ጃልባ ስለ እተገልበጠት ሰበይቱን ክልተ ደቁን ጥሒለን ሞይተነኦ እየን።

ኣብ ሞዛምቢክ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝዀኑ ሰብ ሓዳር ገዛኦም ዓንዩ

ገዛኦም ተጸጊኑ

 እቲ ህቦብላ ኣዝዩ ዜፍርህ እዩ ነይሩ። ሰዓት 1 ድሕሪ ፍርቒ ለይቲ፡ ኣብ ንቻሎ ማላዊ ዚነብሩ ስድራ ቤት ሓውና ሰንግሬዶ፡ ዜፍርህ ደሃይ ብርቱዕ ማያት ሰሚዖም። ክልተ ወሓይዝ መሊኡ ኣዕለቕሊቑ ነይሩ። ስለዚ፡ ሓውና ሰንግሬዶ ኻብቲ ገዛ ኺወጹ ወሲኑ። እዚ ጥበባዊ ውሳነ እዩ ነይሩ፣ ከመይሲ፡ ነዊሕ ከይጸንሐ እቲ ዝነበርዎ ገዛ ዓንዩ እዩ። ንብረቶም ድማ ገሊኡ ተበላሽዩ፡ ገሊኡ ኸኣ ብውሕጅ ተወሲዱ እዩ። ስለዚ፡ ናብ ጥቓ ገዛኦም ናብ ዚርከብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኪኸዱ ወሲኖም። ኣብ ካልእ እዋናት እቲ ጕዕዞ 30 ደቂቕ ጥራይ እዩ ዚወስድ ነይሩ፣ ሽዑ ግና ኽልተ ሰዓት እዩ ወሲዱሎም። ጠስጢሶምን ደኺሞምን እኳ እንተ ነበሩ ናብቲ ኣዳራሽ ግና ብደሓን በጽሑ።

 ጨንፈር ማላዊን ሞዛምቢክን ዕዮ ረድኤት ብቕልጡፍ ጀሚሮም። ንሓለውቲ ወረዳን ንሽማግለታትን ከኣ እቶም በቲ ምዕልቕላቕ እተጐድኡ ኣሕዋት እንታይ ከም ዜድልዮም ገምጊሞም መንፈሳውን ስምዒታውን ደገፍ ኪህብዎም መምርሒ ተዋህቦም። ሓያሎ ኮሚተታት ረድኤት ነቲ ዕዮ ረድኤት ብሓላፍነት ኪመርሐኦ ተመዲበን ነይረን። እዘን ኮሚተታት ድማ ሽዑ ሽዑ፡ ኣሕዋትና ምግብን ዜድሊ ኻልእ መሰረታዊ ነገራትን ኪረኽቡ ሓገዛኦም። ልዕሊ 33,000 ዶላር ኣብ ዕዮ ረድኤት ልዕሊ 300,000 ዶላር ከኣ ኣብ ጽገናን ዳግመ ህንጸት ኣባይትን ውዒሉ እዩ።

 ልዑል ዝቕባበ እናሃለወ ኽነሱ፡ እተን ኮሚተታት ነቲ ገንዘብ ብጥበብ እየን ተጠቒመናሉ። ንኣብነት፡ እቲ ዕዮ ረድኤት ካብ ዚጅምር ኣብ ዝነበራ ናይ መጀመርታ ሸውዓት ኣዋርሕ፡ ዋጋ እቲ ኣብ ማላዊ ዝውቱር ምግቢ ዝዀነ ሕሩጭ ዕፉን ዳርጋ 70 ሚእታዊት ወሲኹ ነይሩ። ዋጋ ነዳዲ እውን ወሲኹ ነይሩ እዩ። ስለዚ፡ ኣሕዋት ገንዘብ ንምቝጣብ ምግብን ናውቲ ህንጸትን ካብ ውሽጢ ዓዲ ብብዝሒ ዓዲጐም። በዚ ኸምዚ፡ ዝሓሰረ ዋጋ ረኺቦም ንመጐዓዓዚ እውን ብዙሕ ገንዘብ ኣየውጽኡን።

 እቲ ዕዮ ረድኤት ንልቢ ህዝቢ የሆዋ ተንክዩ እዩ። ኣብ ሞዛምቢክ ዚነብር ፈሊስበርቶ ዚብሃል ሓው ከምዚ በለ፦ “ኣዝዩ ብዙሕ ናውቲ ህንጸትን መጐዓዓዝን ዓየይቲ ህንጸትን ምግብን ፍቕራዊ መምርሕን ዜቕርብ ከምዚ ዝበለ ውድብ ርእየ ኣይፈልጥን እየ። እዚ ረድኤት፡ ነቲ የሱስ ኣብ ዮሃንስ 13:34, 35 ዝገለጾ ሕውነታዊ ፍቕሪ፡ ብሉጽ መርኣያ እዩ።” ኣብ ማላዊ እትነብር ቤታ ዝዓነዋ ኤስተር እትብሃል መበለት ከኣ፡ “ካልእ ገዛ ኽሃንጽ ዓቕሚ ስለ ዘይነበረኒ ተስፋ ቘሪጽ ነይረ። እንተ ዀነ ግና፡ ኣሕዋት መጺኦም ገዛ ምስ ሃነጹለይ ዳርጋ ናብ ገነት ዝኣተኹ ዀይኑ እዩ ተሰሚዑኒ” በለት።

 ናብታ ኣምላኽ ዘተስፈዋ ሓዳስ ዓለም ክንኣቱ ብዝቐረብና መጠን፡ ብዙሕ ሓደጋታት ኬጋጥም እንጽበዮ ነገር እዩ። (ማቴዎስ 24:7, 8) እንተዀነ ግና፡ ሳላ እቲ ብልግሲ እትገብርዎ ወፈያታት፡ ህዝቢ የሆዋ ዜድልዮም ረድኤት ከም ዚረኽቡ ርግጸኛታት ኢና። ወፈያታት ኪግበረሉ ዚከኣል መገድታት ኣብ donate.pr418.com ተገሊጹ ኣሎ። ስለቲ ልግስኹም ነመስግነኩም።

a ዓመት ኣገልግሎት 2022፡ 1 መስከረም 2021 ጀሚሩ 31 ነሓሰ 2022 ኣብቂዑ።

b ኣብዛ ዓንቀጽ ተጠቒሱ ዘሎ ዶላር ንዶላር ኣመሪካ የመልክት።