ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ወፈያኻ ኣብ ምንታይ መዓላ ይውዕል፧

‘ዚስማዕን ዚርአን’ መደባት ዓብዪ ኣኼባ

‘ዚስማዕን ዚርአን’ መደባት ዓብዪ ኣኼባ

1 ሓምለ 2024

 ኣብ ግዜና ዚነብሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንልዕሊ 130 ዓመት በብዓመቱ ኣብ ዚግበር ዓበይቲ ኣኼባታት ኪእከቡ ጸኒሖም እዮም። እዚ መደባት እዚ፡ ልዕሊ 40 እተፈላለየ መደረታትን ሙዚቃን ቃለ መጠይቓትን ቪድዮታትን ዜጠቓልል እዩ። እቲ መደባት ንዅሎም ተኣከብቲ ዚጠቅምን ዚድርኽን ምእንቲ ኪኸውን፡ ብንጹር ‘ዚስማዕን ዚርአን’ ኪኸውን ኣለዎ። (ሉቃስ 2:20) እቶም ተኣከብቲ ዚነብሩሉ ቦታ ብዘየገድስ፡ ካብዚ ኣኼባታት ምእንቲ ኺጥቀሙ ወፈያኻ ብኸመይ ይሕግዝ ኣሎ፧

ምስ ነፍሲ ወከፍ መአከቢ ዚሰማማዕ ናውቲ ኣውድዮ ቪድዮ

 ኣብ ምዕራባውያን ሃገራት ዚርከብ መብዛሕትኡ ዘመናዊ ስታድዩማትን መአከቢ ቦታታትን ናይ ገዛእ ርእሱ ናውቲ ኣውድዮ ቪድዮ ኣለዎ። እሞ ደኣ ነዚ መአከቢታት ንኣኼባታት ክንካረዮ ኸለና፡ ናይ ባዕልና ናውቲ እንገጥም ስለምንታይ ኢና፧ ኣብ ክፍሊ ፈነወ ቐንዲ ቤት ጽሕፈት ዚዓይዪ ዴቪድ ከምዚ ብምባል ይገልጽ፦ “መብዛሕትኡ እቲ እንካረዮ መአከቢታት ዘለዎ መሳርሒ ድምጺ፡ ካብ ሽዱሽተ ሰዓት ንላዕሊ መደረታት ኪቐርበሉ ኣይክእልን እዩ። ንኣብነት፡ ስፖርታዊ ውድድር ኣብ ዚካየደሉ ቦታታት ዘሎ መጕልሒ ድምጺ፡ ሓጸርቲ ምልክታታትን ሙዚቃን ጥራይ ኪቐርበሉ ዚኽእል እዩ። እቲ ስክሪን ከኣ ዝኣተወ ጎል፡ መወዓዊዒታት፡ ከምኡ እውን ክፋል ጸወታታት ደጊምካ ንምርኣይ ጥራይ እዩ ዜገልግል። ንሕና ግና ተኣከብቲ ነዊሕ ቪድዮታት ኪርእዩን ንዅሉ እቲ ኻብ መድረኽ ዚቐርብ መደረታት ብንጹር ኪሰምዑን ኪርድኡን ኢና እንደሊ።”

 ኵሉ መአከቢታት ሓደ ዓይነት ስለ ዘይኰነ ንኣውድዮ ቪድዮ ዜድሊ መስመር፡ ነቲ ቦታ ኸም ዚሰማማዕ ጌርካ ኺዝርጋሕ ኣለዎ። እቲ መአከቢ ቦታታት ምስ ተመርጸ፡ ኣብ ኣብያተ ጽሕፈት ጨንፈር ዚርከብ ክፍልታት ፈነወ፡ ብዝሒ ተኣከብትን ዓቕሚ እቲ መአከብን ኣብ ግምት ብምእታው፡ ተኣከብቲ ኾፍ ዚብሉሉ ቦታ ይውስን። ድሕሪኡ፡ እቶም ኣሕዋት መጕልሒ ድምጽን ስክሪንን ዚቕመጠሉ ቦታ ይመርጹ፡ ንሓድሕዱ ድማ ብኸመይ ከም ዚተሓሓዝ ይውስኑ፣ ከምኡ እውን ኵሎም ተኣከብቲ ነቲ መደብ ብግቡእ ኪርእዩን ኪሰምዑን ዜኽእሎም ዝርዝር ናውቲ የዳልዉ።

ኣብ ከባብያዊ ኽፍሊ ፈነወ ዚዓዪ ኣሕዋት፡ ነቲ ንድፊ ብጥንቃቐ ይስዕብዎ

 እቲ መደብ ብብዙሕ ቋንቋታት ኣብ ዚቐርበሉ ኣኼባታት፡ መስርሕ ኣውድዮ ቪድዮ ዝያዳ እተሓላለኸ እዩ ዚኸውን። ንኣብነት፡ እቲ መደብ ናብ ካልእ ቋንቋ ዚትርጐም እንተ ዀይኑ፡ ፈለማ እቶም ተርጐምቲ ነቲ ኣውድዮን ቪድዮን ኪሰምዕዎን ኪርእይዎን ኣለዎም። ስዒቡ እቲ እተተርጐመ ናብቶም ነቲ ቛንቋ ዚስምዑ ብእተፈልየ መስመር ረድዮ ኺመሓላለፍ ኣለዎ። ተኣከብቲ ሓንቲ ቪድዮ እናረኣዩ ነቲ ድምጺ ብሸሞንተ እተፈላለየ ቛንቋታት ኬመሓላልፍ ዚኽእል ፍሉይ ሶፍትዌር ንጥቀም ኢና። ነዚ ኣመልኪቱ ዴቪድ ከምዚ ይብል፦ “እዚ ኣዝዩ እተሓላለኸ ስለ ዝዀነ፡ እቶም ኣብኡ ኺዓይዩ እተመደቡ ወለንተኛታት ብዛዕባ ኣጠቓቕማኡ ብዙሕ ስልጠና ኺወስዱ ኣለዎም።”

 ብዙሓት ኣብያት ጽሕፈት ጨንፈር፡ በብዓመቱ ዚጥቀማሉ ናውቲ ኣውድዮ ቪድዮ ኣለወን። ኣብዘን ጨናፍር ዘለዉ ኣሕዋት፡ ነፍሲ ወከፍ ናውቲ ኻብ ሓደ ኣኼባ ናብቲ ቐጺሉ ዘሎ ኣኼባ ንኺጐዓዓዝ ምድላዋት ይገብሩ እዮም። ኣብ ዓዓመት ጨንፈር ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ፡ ናውቲ ዓብዪ ኣኼባ ንምጕዕዓዝ ልዕሊ 200,000 a ዶላር የውጽእ። እዚ ኸኣ ሓደስቲ ናውቲ ንምግዛእን ዘለና ንምጽጋንን እነውጽኦ ወጻኢታት ክንኪ ይሕግዘና። ኣብ ካናዳ፡ ኣብ ሓደ ዓብዪ ኣኼባ ሓላዊ ኣውድዮ ቪድዮ ዀይኑ ዘገልገለ ስቲቭን፡ “ጕጅለ ኣውድዮ ቪድዮ ነፍሲ ወከፍ ዳዶ፡ ብሎን፡ ገመድ፡ መለዋወጢ ኣቕሑ፡ ብግቡእ ኣኪቦም፡ ብጥንቃቐ ዓሺጎም ንዚቕጽል መደብ ድሉው ገይሮምዎ እዮም” በለ።

ናውቲ ምዕዳግን ምጽጋንን

 ናውቲ ኣውድዮ ቪድዮ ምክራይ ኣዝዩ ኽቡር ኣብ ልዕሊ ምዃኑ፡ ደረጃኡ ዘይሓለወን ብግቡእ ዘይተታሕዘን እዩ። ስለዚ፡ ካብ ምክራይ ሓድሽ ምዕዳግ ኢና እንመርጽ። ኣብዚ እዋን፡ ዋጋ ሓደ ኣብ ውሽጢ ኣዳራሽ ዚስቀል ሓሙሽተ ብሰለስተ ሜትሮ ዝዓቐኑ ኤል.ኢ.ዲ ኣስታት 24,000 ዶላር፡ ዋጋ ሓደ 15 ሜትሮ ዝንውሓቱ ገመድ ማይክሮፎን ከኣ 20 ዶላር ኣቢሉ ይኸውን። ስለዚ፡ ክፍሊ ፈነወ ምስ ክፍሊ ሸመታ ዀይኖም ዝዀነ ይኹን ናውቲ ቕድሚ ምዕዳጎም ‘ወጻኢታት ይጽብጽቡ’ እዮም። (ሉቃስ 14:28) ንኣብነት፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ኣብ ግምት የእትዉ እዮም፦ ክንደይ ተኣከብቲ እዮም ኪህልዉ፧ እቲ ዝሓሸ ኣማራጺ ሓደስቲ ናውቲ ምዕዳግ ድዩ፧ ነቲ ናውቲ መቐመጢ ዚኸውን እኹል ቦታ ኣለና ድዩ፧ ናውቲ ንምጽጋን ዜድሊ መሳርሕን ዝሰልጠኑ ወለንተኛታትን ኣለውና ድዮም፧

 እቲ ናውቲ ኣውድዮ ቪድዮ ንነዊሕ እዋን ንኼገልግልን እተወፈየ ገንዘብ ንምቝጣብን፡ በብእዋኑ ኤለክትሮኒካውን መካኒካውን ጽገና ንገብር ኢና። ብዘይካዚ፡ ምእንቲ ኸይበላሾ ብተሪር ሰናዱቕ ይጐዓዓዝ፡ እቲ ሰናዱቕ እውን ከከም ኣድላይነቱ ጽገና ይግበረሉ እዩ።

ናውቲ ኣውድዮን ቪድዮን ምክንኻንን ምጽጋንን ነዊሕ እዋን ከም ዚጸንሕ ይገብሮ

ጽቡቕ ምስክርነት ተዋሂቡ፡ መደባት ብንጹር ተመሓላሊፉ

 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘይኰኑ ሰባት ብጽፈት ኣውድዮ ቪድዮ ዓበይቲ ኣኼባታትና ተገሪሞም እዮም። ንኣብነት፡ ኣብ ሓደ ዓብዪ ኣኼባ እተኣከበ ሰራሕተኛ ሓደ ዓብዪ መደበር ፈነወ፡ ብዛዕባ ጽፈት እቲ መደብን ኣቀራርባን ርእይቶ ሂቡ እዩ። ኣብ ዓበይቲ ኣኼባታት ናውቲ ኣውድዮ ቪድዮ ኣብ ምግጣም ዚሕግዝ ጆናታን ከምዚ ይብል፦ “እቲ ሰብ ኵሎም ኣባላት ጕጅለና ወለንተኛታት እምበር ሰብ ሞያ ኸም ዘይኰኑ ምስ ፈለጠ ኣዝዩ እዩ ተደኒቑ። እቲ ንሕና ኣብ ውሽጢ ሓደ መዓልትን ፈረቓን ዝገጣጠምናዮ ንትካሎም ሓሙሽተ መዓልቲ ኸም ዚወስደሎም እውን ነጊሩና።” ኣብ ካልእ ዓብዪ ኣኼባ ኸኣ ኣካያዲ ስራሕ እቲ መአከቢ ኸምዚ በለ፦ “ብዙሓት ሰብ ሞያ ሙዚቃን ቪድዮን ኣብዚ ኺዓይዩ ርእየ እየ፡ ከም ናትኩም ዝበለ ኽእለትን ሞያን ዘለዎም ግና ርእየ ኣይፈልጥን እየ።”

ኣሕዋትን ኣሓትን ነቲ መደብ ይከታተሉ

 ንስኻኸ ኣብ ዓበይቲ ኣኼባታት ካብ ዚቐርብ ኣውድዮን ቪድዮን ብኸመይ ተጠቒምካ፧ ምናልባት ከምቲ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዚነብር ዴቪድ እተሰምዖ ይስምዓካ ይኸውን። ንሱ፡ “ኣነ ወዲ 88 ዓመት እየ፡ ኣብ ምሉእ ህይወተይ ድማ ኣብ ዓበይቲ ኣኼባታት ተኣኪበ እየ። ከም ሎሚ ገይረ ግና ኣቓልቦይ ከይተኸፋፈለ ኣብቲ ትምህርቲ ኣድሂበ ኣይፈልጥን እየ። ሳላ እቲ ጽቡቕ ቪድዮታት፡ ብምሉኡ እቲ መደብ ከይተፈለጠካ እዩ ዚሓልፍ፣ እቲ መልእኽቲ ኸኣ ንጹር እዩ” ይብል። ኣብ ናይጀርያ ዚነብር ማይክል ከኣ ከምዚ ብምባል ትዕዝብቱ ይገልጽ፦ “እቶም ኣሕዋት ነቲ ተዛራባይ ኪሰምዑ ወይ ነቲ ቪድዮ ኺርእዩ ስለ ዘይጽገሙ ኸይሰልከዮም ነቲ መደብ ብኣትኵሮ ይከታተሉ።”

 ኣብ ናይ ሎሚ ዓመት ‘ኣበስሩ’ ዘርእስቱ ዓብዪ ኣኼባ ኽትካፈል ከለኻ፡ ነቲ መደብ ብንጹር ክትሰምዕን ክትርእን ዝሓገዘካ እንታይ ምዃኑ ኸተስተብህል ፈትን። እቲ እትገብርዎ ወፈያታት እንተላይ ብመገዲ donate.pr418.com ኣቢሉ እተገብረ ወፈያታት፡ ኣኼባታት ብንጹር ኪስማዕን ኪርአን ሓጊዙ እዩ። ስለዚ ድማ ነመስግነኩም።

a ኵሉ እቲ ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ተጠቒሱ ዘሎ ዶላር ናይ ሕ.መ.ኣ. ዶላር የመልክት።