ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ወፈያኻ ኣብ ምንታይ መዓላ ይውዕል፧

ዜተኣማምንን እምነት ዜደልድልን ዜና

ዜተኣማምንን እምነት ዜደልድልን ዜና

1 ታሕሳስ 2021

 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዛዕባ ኣመንቲ ብጾቶም ኣዝዮም ይግደሱ እዮም። (1 ጴጥሮስ 2:17) መብዛሕትና ኸምታ ኣብ ኬንያ እትነብር ታኒስ ዝስማ ሓብቲ እተሰምዓ ስምዒት እዩ ዚስምዓና። ንሳ፡ “ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ ፍቑራት ኣሕዋተይን ኣሓተይን እንታይ ከም ዜጋጥሞም ክፈልጥ እደሊ እየ” ኢላ ኣላ። ታኒስን ካልኦት ብሚልዮናት ዚቝጸሩ መሰኻኽርን እዋናዊ ሓበሬታ ዚረኽቡ ብኸመይ እዮም፧ ካብ 2013 ኣትሒዙ፡ በቲ ኣብ ወብሳይት jw.org ዚርከብ ክፍሊ ዜና ኣቢሎም ሓበሬታ ይረኽቡ ኣለዉ።

 እዚ ኽፍሊ ዜና ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ዜተኣማምን ጸብጻብ የውጽእ እዩ። ገለ ኻብዚ መጽሓፍ ቅዱስ ምውጻእ፡ ዕዮ ረድኤት፡ ፕሮጀክትታት ህንጸት ከምኡ እውን ካልእ ኣገዳሲ ፍጻመታት ኪጥቀስ ይከኣል እዩ። ብዛዕባ እቶም ብምኽንያት እምነቶም እተኣስሩ ኣሕዋትናን ኣሓትናን እውን ይሕብረና እዩ። ብዘይካዚ፡ ምስ ወፈራ ዕዮ ስብከትን ምስ ድራር ጐይታን እተተሓሓዘ ዜተባብዕ ተመክሮታት ዝሓዘ እዩ። ነዚ ዓንቀጻት ዜና እዚ ምርምር ዚገብረሉ መን እዩ፧ ብኸመይከ እዩ ዚዳሎ፧

ኣብ ዜና ዚወጽእ ዛንታ ምድላይን ምጽብጻብን

 ክፍሊ ዜና ብቤት ጽሕፈት ህዝባዊ ሓበሬታ እዩ ዚመሓደር። እዚ ኽፍሊ እዚ፡ ኣብቲ ቐንዲ ቤት ጽሕፈት ዚርከብ ኰይኑ፡ ኣብ ትሕቲ ኣተሓባበርቲ ኮሚተ ኣማሓዳሪ ኣካል ኰይኑ እዩ ዚዓዪ። ኣብ ቤት ጽሕፈት ህዝባዊ ሓበሬታ ዚዓዩ ልዕሊ 100 ኣሕዋትን ኣሓትን ኣለዉ። መብዛሕትኦም ወለንተኛታት ማዕዶ ኪዀኑ ኸለዉ፡ ጸሓፍትን ምርምር ዚገብሩን ሰኣልትን ተርጐምትን ይርከብዎም። ካልኦት ድማ ምስ ሰበ ስልጣን መንግስቲ፡ ምስ ምሁራን ከምኡ እውን ምስ ማዕከናት ዜና ይራኸቡ። ቤት ጽሕፈት ህዝባዊ ሓበሬታ፡ ኣብ መላእ ዓለም ካብ ዚርከብ ልዕሊ 80 ኽፍሊ ህዝባዊ ሓበሬታ ሓገዝ ይረክብ እዩ።

 ዜና ንምድላው፡ ቤት ጽሕፈት ህዝባዊ ሓበሬታ ምስ ክፍሊ ህዝባዊ ሓበሬታ ዀይኑ ብቐረባ ይዓዪ። ኣሕዋትና ኣብ ዜና ዚወጽእ ዛንታ ምስ ረኸቡ ምርምር ይገብሩ፡ ዜተኣማምን ሓበሬታ ድማ ይጥርንፉ። እዚ ድማ ቓለ መጠይቕ ምግባርን ምስ ክኢላታት ምዝራብን የጠቓልል። እቲ ሓበሬታ ምስ ተጠርነፈ ኸኣ ሓድሽ ዓንቀጻት ይጸሓፍ፡ ይእረም፡ ፊደላቱ ይጻረ፡ ብስእሊ ይድገፍ፡ ድሕሪኡ፡ ናብ ኮሚተ ኣተሓባበርቲ ተላኢኹ ይጸድቕ።

ሞሳኦም ገሊጾም

 ክርስትያናት ብጾትና ብዛዕባ ኽፍሊ ዜና እንታይ ይስምዖም፧ ቸርል እትብሃል ኣብ ፊሊፒንስ እትነብር ሓብቲ ኸምዚ ትብል፦ “ንመዓልተይ ብዛዕባ ውድብ የሆዋን ብዛዕባ ህዝቡን ዚገልጽ ዜና ብምንባብ ምጅማር ባህ ይብለኒ እዩ።”

 ብዙሓት ኣንበብቲ ኣብ መንጎ ኽፍሊ ዜና jw.org​ን ኣብ መንጎ ኻልእ ማዕከን ዜናን ዘሎ ፍልልይ ኬስተውዕሉ ኺኢሎም እዮም። ኣብ ካዛክስታን እትነብር ታቲያና ኸምዚ ትብል፦ “ነቲ ኣብ jw.org ዚወጽእ ዜና እፈትዎ እየ። ከመይሲ፡ ዜተኣማምንን ብመርትዖ እተደገፈን እዩ።” ኣብ መክሲኮ እትነብር ኣልማ ዚስማ ሓብቲ ኸምዚ ትብል፦ “ኣብ ማዕከን ዜና ዚወጽእ ጸብጻብ ዚርብሽ እዩ፣ እቲ ኣብ ክፍሊ ዜና ዚወጽእ ሓበሬታ ግና ዜተባብዕ እዩ።”

 ክፍሊ ዜና ዜተኣማምን ጥራይ ዘይኰነስ፡ እምነት ዜደልድል እውን እዩ። ኣብ ኬንያ ዚርከብ በርናርድ ከምዚ ይብል፦ “ክፍሊ ዜና፡ ኣብ መላእ ዓለም ዚርከቡ ኣሕዋትን ኣሓትን፡ ዚነብሩሉ ቦታ ብዘየገድስ፡ ከም ስድራይ ገይረ ኽርእዮም ሓጊዙኒ እዩ። ከመይሲ፡ ስሞምን ዘለውዎ ፍሉይ ኵነታትን ኣብ ጸሎተይ ክጠቅስ ክኢለ እየ።” ኣብ ኬንያ እትነብር ባይብሮን ዝስማ ሓብቲ እውን ከምዚ ትብል፦ “መጽሓፍ ቅዱስ ብኻልእ ቋንቋ ኸም ዝወጸ ኽርኢ ኸለኹ፡ ኣዝየ እሕጐስ እየ! እዚ ዓንቀጻት እዚ፡ የሆዋ ኸም ዘየዳሉ የዘኻኽረኒ እዩ።”

ክፍሊ ዜና፡ ኣብ መላእ ዓለም ዚርከቡ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ዜጋጥሞም ጸገማት ኣብ ጸሎትና ፈሊና ኽንጠቅስ ይሕግዘና

 መስጐጕቲ ብዛዕባ ዜጋጥሞም ዘሎ ኣሕዋትና ዚገልጽ ዜና እውን ከይተረፈ ዜተባብዕ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ ኬንያ እትነብር ጃክሊን ከምዚ ትብል፦ “ብዛዕባ ትብዓቶም ምስትንታነይ ንእምነተይ ብሓቂ ኣደልዲልዎ እዩ። ኪጸንዑ ዝሓገዞም እንታይ ከም ዝዀነ ኽፈልጥ እጽዕር እየ። ሰባት ቀሊል ገይሮም ዚርእይዎ ኸም ጸሎትን ንባብ መጽሓፍ ቅዱስን ምዝማርን ዝኣመሰለ ነገራት፡ ንኣሕዋትና እምነቶም ኣብ ምድልዳል ዓብዪ ተራ ኸም ዘለዎ ፈሊጠ እየ።”

 ኣብ ኮስታ ሪካ እትነብር ፓትሪስ ዝስማ ሓብቲ ነቲ ብዛዕባ ባህርያዊ ሓደጋ ዚገልጽ ዜና ተማስወሉ እያ። ከምዚ ድማ ትብል፦ “ሳላ ኽፍሊ ዜና፡ ውድብና ነቲ ኣሕዋትና ዜድልዮም ነገራት ብኸመይ ብቕልጡፍን ብእተወደበን ፍቕራዊ ብዝዀነ መገድን ከም ዜቕርብ ክርኢ ኽኢለ እየ። እዚ ድማ፡ እዚ ውድብ እዚ፡ ብሓቂ ውድብ የሆዋ ኸም ዝዀነ ኣእሚኑኒ እዩ።”

 ብዛዕባ ዓለምለኻዊ ሕውነትና ዚገልጽ እዋናዊ ዜና ምርካብና ኣዚና ነመስግን ኢና። እዚ፡ ሳላ እቲ ንዓለምለኻዊ ዕዮ ብወለንታ እትገብርዎ ወፈያ እተረኸበ እዩ። መብዛሕትኡ እዚ ወፈያታት እዚ፡ ብ​donate.pr418.com ኣቢሉ እዩ ዚግበር። ስለቲ ብልግሲ እትገብርዎ ወፈያታት ነመስግነኩም።