ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ክርስትያናዊ ህይወት

ኣብ ክልኻ ንዘለዉ ዅሎም ሰባት ናብ በዓል ዝኽሪ ዓድሞም!

ኣብ ክልኻ ንዘለዉ ዅሎም ሰባት ናብ በዓል ዝኽሪ ዓድሞም!

ኣብቲ ኻብ 27 ለካቲት ዚጅምር ወፈራ፡ ኣብ ከባቢና ንዚርከብ ሰባት፡ በዓል ዝኽሪ ሞት ክርስቶስ ምሳና ኼብዕሉ ብእተኻእለ መጠን ክንዕድሞም ኢና። ዝዀነ ይኹን ሰብ ንዘርኣዮ ተገዳስነት ንምዅስኳስ ድማ ሓያል ጻዕሪ ኽንገብር ይግባእ።

ኪሕሰበሉ ዘለዎ ነጥብታት

መእተዊኻ ኣቕርብ

“ነዛ ኣብ ሓደ ኣገዳሲ ፍጻመ ኽትእከብ እትዕድም ወረቐት ዕድመ ንዕድል ኣለና። ኣብ መላእ ዓለም ዚርከቡ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት፡ ኣብ 23 መጋቢት ንሞት የሱስ ክርስቶስ ንምዝካርን ሞቱ ብኸመይ ከም ዚጠቕመና ዚገልጽ መደረ መጽሓፍ ቅዱስ ብዘይ ክፍሊት ንምስማዕን ኪእከቡ እዮም። እዛ ወረቐት ዕድመ እዚኣ፡ እቲ ኣኼባ ኣብ ከባቢና ዚግበረሉ ሰዓትን ቦታን ትሕብር እያ። ትኽእል እንተ ደኣ ዄንካ፡ በጃኻ ምጻእ ኢኻ።”

እቲ ሰብ ተገዳስነት እንተ ደኣ ኣርእዩ . . .

  • ግምቢ ዘብዐኛ ኣበርክተሉ

    ንተመላሊስካ ዚኸውን መሰረት ኣንብር።

  • ነታ ቪድዮ በዓል ዝኽሪ ኣርኢ

    ንተመላሊስካ ዚኸውን መሰረት ኣንብር።

ካልእ ግዜ ምስ ተመለስካ፡ ከምዚ ኽትብል ትኽእል ኢኻ . . .

  • ነታ መጽሓፍ ቅዱስ ከተጽንዕ ዘሎካ ስለምንታይ ኢኻ፧ ዘርእስታ ቪድዮ ኣርኢ

    ድሕሪኡ፡ ንመጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚሕግዝ ጽሑፍ ኣበርክት።

  • ነታ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ መጽሓፍ ኣበርክት

    ነቲ ኣብ ገጽ 206-208 ዘሎ ሓሳብ ተጠቒምካ ብዛዕባ በዓል ዝኽሪ ዝያዳ ኺፈልጥ ሓግዞ። ድሕሪኡ፡ ነታ መጽሓፍ ኣበርክተሉ።

  • ነታ ንኣምላኽ ስምዓዮ ዘርእስታ ብሮሹር ኣበርክት

    ነቲ ኣብ ገጽ 18-19 ዘሎ ሓሳብ ተጠቒምካ ብዛዕባ እቲ ሞት ክርስቶስ ሒዝዎ ዘሎ ትርጉም ተመያየጥሉ። ድሕሪኡ፡ ነታ ብሮሹር ኣበርክተሉ።