8- 14 ለካቲት
ነህምያ 5-8
መዝሙር 42ን ጸሎትን
መእተዊ ሓሳባት (3 ደቒቕ ወይ ካብኡ ንታሕቲ)
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ
“ነህምያ ብሉጽ ሓላዊ እዩ ነይሩ”፦ (10 ደቒቕ)
ነህ 5:1-7
—ነህምያ ነቶም ህዝቢ ሰሚዑ ስጕምቲ ወሰደ (w06 1/2 9 ¶2) ነህ 5:14-19
—ነህምያ ትሕትናን ጥቕሚ ርእስኻ ናይ ዘይምድላይ መንፈስን ምስትውዓልን ኣርኣየ (w06 1/2 10 ¶4) ነህ 8:8-12
—ነህምያ ነቶም ህዝቢ መንፈሳዊ መምርሒ ኣብ ምሃብ ተኻፈለ (w06 1/2 11 ¶4)
ኵዕታ መንፈሳዊ ሃብቲ፦ (8 ደቒቕ)
ነህ 6:5
—ሳንባላጥ ንነህምያ “ኽፍትቲ ደብዳበ” ዝለኣኸሉ ስለምንታይ እዩ፧ (w06 1/2 9 ¶3) ነህ 6:10-13
—ነህምያ ንምኽሪ ሸማዕያ ዘይተቐበሎ ስለምንታይ እዩ፧ (w07 1/7 30 ¶15) ናይዚ ሰሙን እዚ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብዛዕባ የሆዋ እንታይ ይምህረኒ፧
ኣብዚ ሰሙን እዚ ኻብ ዘንበብክዎ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ኽጥቀመሉ ዝኽእል እንታይ ነጥብታት ረኺበ፧
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ ነህ 6:14–7:7
ሀ (4 ደቒቕ ወይ ካብኡ ንታሕቲ)
ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ትጋህ
ናይ ፈለማ ምብጻሕ፦ (2 ደቒቕ ወይ ካብኡ ንታሕቲ) ገበር እታ እዋናዊት ንቕሑ! ብምፍላጥ ኣበርክት። ንተመላሊስካ ምብጻሕ ዚኸውን መሰረት ድማ ኣንብር።
ተመላሊስካ ምብጻሕ፦ (4 ደቒቕ ወይ ካብኡ ንታሕቲ) ንገበር እታ እዋናዊት ንቕሑ! ምስ ኣፋለጥካዮ ጽቡቕ ምላሽ ንዝሃበ ሰብ ተመላሊስካ ምብጻሕ ብኸመይ ከም ዚግበረሉ ዜርኢ መርኣያ ኣቕርብ። ንዚመጽእ ምብጻሕ ዚኸውን መሰረት ከኣ ኣንብር።
መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ፦ (6 ደቒቕ ወይ ካብኡ ንታሕቲ) መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ከም ዚምራሕ ዜርኢ መርኣያ ኣቕርብ። (bh 28-29 ¶4-5)
ክርስትያናዊ ህይወት
መዝሙር 31
‘ትመጣጠርዶ’ ኣለኻ፧፦ (15 ደቒቕ) ኣብ ናይ 15 መስከረም 2014 ግምቢ ዘብዐኛ ኣብ ገጽ 3-6 ተመርኲስካ ብሽማግለ ዚቐርብ መደረ። ነታ ብራዘርስ ሪች ኣውት ፎር ኤ ፋይን ዎርክ (ኣቱም ኣሕዋት፡ ንሰናይ ግብሪ ተመጣጠሩ!) ዘርእስታ ኣብ ታሕሳስ 2015 ኣብ JW Broadcasting ዝወጸት ቪድዮ ወልዓያ። ንምምጥጣር ዚሕግዝ ብቑዕ ምኽንያታት ኣጕልሕ፣ ሓደ ሓው ብኸመይ ከምኡ ኺገብር ከም ዚኽእል ድማ ግለጽ። ንኣሕዋት፡ ኣገልገልቲ ጉባኤን ሽማግለታትን ኰይኖም ምእንቲ ኼገልግሉ ኺመጣጠሩ ብለውሃት ኣተባብዓዮም።
መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ፦ lv ምዕ. 6 ሕ.ጽ. 1-9 (30 ደቒቕ)
ክለሳን ጽማቝ ትሕዝቶ ዚቕጽል ሰሙንን (3 ደቒቕ)
መዝሙር 43ን ጸሎትን