ክርስቶስ ምእንታና መከራ ጸገበ
“ንዑቕን ብሰብ እተጐስየን . . . ንሕና ግና ብመዓት ከም እተወቕዐ፡ ብኣምላኽ ከም እተወቕዐን መከራ ኸም ዝጸገበን ቈጺርናዮ”
-
የሱስ ተናዒቑን ንኣምላኽ ከም ዝጸረፈ ጌርካ ተኸሲሱን። ገሊኦም፡ ኣምላኽ ብዜፈንፍን ሕማም ከም ዝወቕዖ ወይ ከም ዝቐጽዖ ዀይኑ ተሰሚዕዎም ነበረ
“የሆዋ ግና ኺጭፍልቖ ፍቓዱ ነይሩ . . . ብእኡ እውን ደስታ የሆዋ ኺሰልጥ እዩ”
-
የሆዋ፡ ወዱ ኺመውት ኪርኢ ኸሎ ኸም እተሳቐየ ዜጠራጥር ኣይኰነን። ይኹን እምበር፡ በቲ የሱስ ዘርኣዮ ፍጹም ተኣማንነት ተሓጒሱ እዩ። ሞት የሱስ ነቲ ሰይጣን ዘቕረቦ ንተኣማንነት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ዚምልከት ብድሆ መልሲ ሂቡሉ፡ ንእተነስሑ ደቂ ሰብ ድማ ረብሓ ኣምጺኡሎም እዩ። እዚ ኸኣ “ፍቓድ የሆዋ” ኸም ዚፍጸም ገበረ