ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ክርስትያናዊ ህይወት

ደቅኻ ኣብ ፈጣሪ ድልድልቲ እምነት ክትህልዎም ሓግዞም

ደቅኻ ኣብ ፈጣሪ ድልድልቲ እምነት ክትህልዎም ሓግዞም

ፍጥረት ክብሪ የሆዋ ይነግር። (መዝ 19:1-4፣ 139:14) ይኹን እምበር፡ ናይ ድያብሎስ ዓለም ብዛዕባ መበቈል ፍጥረት ንኣምላኽ ዜሕስር ክልሰ ሓሳብ ከም ዜስፋሕፋሕ እያ እትገብር። (ሮሜ 1:18-25) ከምዚ ዝኣመሰለ ሓሳባት፡ ኣብ ኣእምሮን ልብን ደቅኻ ሱር ምእንቲ ኸይሰድድ ብኸመይ ክትከላኸሎ ትኽእል፧ ካብ ንእስነቶም ኣትሒዝካ የሆዋ ኸም ዘሎን ብብሕቲ ኸም ዚሓልየሎምን እምነት ኬሕድሩ ሓግዞም። (2ቈረ 10:4, 5፣ ኤፌ 6:16) ብዛዕባ እቲ ኣብ ቤት ትምህርቲ ዚምሃርዎ ነገራት ናይ ውሽጦም ሓሳብ ክትፈልጥ ጽዓር፣ ልቦም ንምትንካፍ ድማ ንሓያሎ ኻብ ንዋትና ተጠቐም።—ምሳ 20:5፣ ያእ 1:19

ነታ መዛኑኻ እንታይ ይብሉ፧—ብኣምላኽ ብዛዕባ ምእማን ዘርእስታ ቪድዮ ርኣይዋ እሞ፡ ድሕሪኡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ተመያየጡሉ፦

  • ብኣምላኽ ብዛዕባ ምእምን ዚንገር ጽውጽዋይ እንታይ እዩ፧

  • ኣብ ቤት ትምህርትኻ እንታይ ትምህርቲ እዩ ዚውሃብ፧

  • የሆዋ ኸም ዘሎ ኽትኣምን ዝገበረካ እንታይ እዩ፧

  • ኣምላኽ ንዅሉ ኸም ዝፈጠረ፡ ንሓደ ሰብ ብኸመይ ከተረድኦ ምኸኣልካ፧