ክርስትያናዊ ህይወት
ንመጽሓፍ ቅዱሳዊ ጽሑፋት ብጥበብ ተጠቐመሉ
የሱስ፡ “ብናጻ ተቐቢልኩም ኢኹም እሞ፡ ብናጻ ሃቡ” ኢሉ መሃረ። (ማቴ 10:8) መጽሓፍ ቅዱስ ወይ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ንእተመስረተ ጽሑፋትና ብናጻ ብምሃብ ነዚ ንጹር መምርሒ እዚ ንስዕብ ኢና። (2ቈረ 2:17) ይኹን እምበር፡ እዚ ሕታማት እዚ፡ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ ክቡር ሓቅታት ዝሓዘ እዩ። ተሓቲሙ፡ ኣብ መላእ ዓለም ናብ ዚርከባ ጉባኤታት ዚለኣኽ ድማ ብብዙሕ ጻዕርን ወጻኢታትን እዩ። ስለዚ፡ ዜድልየና ዘበለ ጥራይ ክንወስድ ኣሎና።
ንኻልኦት ጽሑፋት ኣብ እትህበሉ እዋን፡ ብግህዶ ኣብ ዚግበር ምስክርነት እውን እንተዀነ ምስትውዓል ተጠቐም። (ማቴ 7:6) ንዝዀነ ይኹን ሓላፍ መገዲ ስቕ ኢልካ ጽሑፋት ኣብ ክንዲ ምሃብ፡ እቲ ሰብ ክሳዕ ክንደይ ተገዳስነት ከም ዘለዎ ንምርግጋጽ ከተመያይጦ ጻዕሪ ግበር። ኣብዛ ጐድኒ ዘላ ሳጹን ካብ ዘለዋ ሕቶታት ብውሕዱ ንሓንቲ፡ “እወ” ኢልካ ኽትምልስ ትኽእልዶ፧ ተገዳስነት ሓደ ሰብ ክትፈልጥ እንተ ዘይክኢልካ፡ ትራክት እንተ ሃብካዮ ዝሓሸ እዩ። ልክዕ እዩ፡ መጽሔት ወይ ካልእ ሕታም ክንህቦ እንተ ሓቲቱና፡ ባህ ኢሉና ሓንቲ ቕዳሕ ክንህቦ ንኽእል ኢና።—ምሳ 3:27, 28።