ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ክርስትያናዊ ህይወት

ብተስፋኻ ተሓጐስ

ብተስፋኻ ተሓጐስ

ተስፋ ልክዕ ከም መልህቕ እያ። (እብ 6:19) ከም ሓያል ማዕበል ባሕሪ ዝኣመሰለ ሓደጋታት ኣብ ዜጋጥመና እዋን ድማ፡ መንፈሳዊት መርከብና ኸይትስበር ትሕግዘና። (1ጢሞ 1:18, 19) እቲ ብሓያል ማዕበል ባሕሪ እተመሰለ ሓደጋታት፡ ከም እኒ እንፍጽሞ ጌጋታት፡ ዕንወት ንብረት፡ ሕዱር ሕማም፡ ሞት እነፍቅሮ ሰብ፡ ወይ ድማ ንንጽህናና ዚፍትን ካልእ ነገራት ኬጠቓልል ይኽእል እዩ።

እምነትን ተስፋን ነቲ ኣምላኽ ዘተስፈወና ዓስቢ ብንጹር ክንርእዮ የኽእላና። (2ቈረ 4:16-18፣ እብ 11:13, 26, 27) ስለዚ፡ ተስፋና ሰማያዊ ይኹን ምድራዊ ብዘየገድስ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ተመዝጊቡ ዚርከብ ተስፋ ብምስትንታን ኣዘውቲርና ኽንምገብ ኣሎና። ድሕሪኡ፡ ብፈተናታት ኣብ እንጭነቐሉ እዋን፡ ብቐሊሉ ሓጐስና ኽንዕቅብ ንኽእል ኢና። —1ጴጥ 1:6, 7

ነታ ብተስፋ ተሓጐሱ ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦

  • ሙሴ ኽንመስሎ ዚግባእ ሰናይ ኣብነት ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

  • ርእስታት ስድራ ቤት እንታይ ሓላፍነት እዩ ዘለዎም፧

  • ንንጥፈታት ኣምልኾ ስድራ ቤት ዚኸውን እንታይ ርእሰ ነገራት ኣብ ግምት ከተእቱ ትኽእል፧

  • ንዜጋጥመካ ፈተናታት ብምትእምማን ምእንቲ ኽትዋጽኣሉ፡ ተስፋ ኽትሕግዘካ እትኽእል ብኸመይ እያ፧

  • ኣብ መጻኢ እንታይ ክትርኢ ኢኻ እትህንጠ፧