6-12 ለካቲት
ኢሳይያስ 47-51
መዝሙር 89ን ጸሎትን
መእተዊ ሓሳባት (3 ደቒቕ ወይ ካብኡ ንታሕቲ)
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ
“ንየሆዋ እዙዝ ምዃን በረኸት የምጽእ”፦ (10 ደቒቕ)
ኵዕታ መንፈሳዊ ሃብቲ፦ (8 ደቒቕ)
ኢሳ 49:6—እቲ መሲህ ኣብ ምድሪ ዝፈጸሞ ኣገልግሎት ኣብቶም ደቂ እስራኤል እተደረተ ኽነሱ፡ “ብርሃን ኣህዛብ” ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧ (w07 15/1 9 ¶9)
ኢሳ 50:1—የሆዋ ንእስራኤላውያን፡ “ጽሑፍ መፍትሒ . . . ኣዴኹም ኣበይ ኣሎ፧” ኢሉ ዝሓተቶም ስለምንታይ እዩ፧ (it-1-E 643 ¶4-5)
ናይዚ ሰሙን እዚ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብዛዕባ የሆዋ እንታይ ይምህረኒ፧
ኣብዚ ሰሙን እዚ ኻብ ዘንበብክዎ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ኽጥቀመሉ ዝኽእል እንታይ ነጥብታት ረኺበ፧
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ (4 ደቒቕ ወይ ካብኡ ንታሕቲ) ኢሳ 51:12-23
ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ትጋህ
ናይዚ ወርሒ እዚ ኣቀራርባታት ተዳሎ፦ (15 ደቒቕ) ኣብቲ “ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባታት” እተመስረተ ምይይጥ። ነተን ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባ ዜርእያ ቪድዮታት ወልዓየን፣ ደድሕሪ ሓንቲ ቪድዮ ነቲ ጕሉሕ ነጥብታት ተመያየጡሉ። ኣብ ወርሒ ለካቲት፡ ኣስፋሕቲ፡ ብዓል ቤት ኣብ ዚህቦ ምላሽ ብምምርኳስ ዎዝ ላይፍ ክሪኤትድ (ህይወት ተፈጢሩ ድዩ፧) ወይ ዘ ኦርጅን ኦቭ ላይፍ—ፋይቭ ኰስችንስ ዎርዝ ኣስኪንግ (መበቈል ህይወት—ሓሙሽተ ኣገዳሲ ሕቶታት) ዘርእስተን ጽሑፋት ኬበርክቱ ይኽእሉ እዮም። (“ዘ ኦርጅን ኦቭ ላይፍ—ፋይቭ ኰስችንስ ዎርዝ ኣስኪንግ [መበቈል ህይወት—ሓሙሽተ ኣገዳሲ ሕቶታት]” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።)
ክርስትያናዊ ህይወት
ነታ ጉባኤ ዜድሊ፦ (7 ደቒቕ) ከም ኣማራጺ፡ ነቲ ኻብ መጽሓፍ ዓመት ዝረኸብኩምዎ ትምህርቲ ተመያየጡሉ። (yb16-E 144-145)
ዓርኪ የሆዋ ኹን—ንየሆዋ ተኣዘዞ፦ (8 ደቒቕ) ምይይጥ። ነታ ዓርኪ የሆዋ ኹን—ንየሆዋ ተኣዘዞ ዘርእስታ ቪድዮ ብምውላዕ ጀምር። (ቪድዮታት ኣብ ትሕቲ ዚብል ክፋል፡ ቈልዑ ርአ።) ድሕሪኡ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ሕሰብሉ፦ ንየሆዋ ኽንእዘዞ እንኽእለሉ ኣዝዩ ኣገዳሲ መገድታት እንታይ እዩ፧ (ምሳ 27:11) ሕጻናት ንየሆዋ ኺእዘዙ ዜኽእሎም ገለ መገክድታት እንታይ እዩ፧ ኣባጽሕ ንየሆዋ ኺእዘዙ ዜኽእሎም ገለ መገድታት እንታይ እዩ፧
መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ፦ (30 ደቒቕ) ia ምዕ. 8 ሕ.ጽ. 1-16
ክለሳን ጽማቝ ትሕዝቶ ዚቕጽል ሰሙንን (3 ደቒቕ)
መዝሙር 144ን ጸሎትን