ኣብ ካምቦድያ፡ ሓቂ ይምህራ

ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን–ደብተር ኣኼባ ለካቲት 2018

ንመርኣዪ ዚኸውን ዝርርባት

ኣብ ሕቶታት እተመስረተ ዝርርባት፦ መጽሓፍ ቅዱስ ሎሚ እውን ጠቓሚ ድዩ፧ ምስ ስነ ፍልጠት ይሰማማዕ ድዩ፧ ግብራዊ ኪኸውን ዚኽእል ድዩ፧

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ

ምሳሌ እቲ ስርናይን ክርዳድን

የሱስ ኣብዚ ምሳሌ እንታይ እዩ ዚገልጽ ነይሩ፧ በቲ ዘራኢ፡ ጸላኢ፡ ዓጻዶ እተመሰለ መን እዩ፧

ክርስትያናዊ ህይወት

ምሳሌታት መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ ጽልዋ የሕድረልና፧

የሱስ፡ ዓሚቝ መንፈሳዊ ትምህርቲ ኺምህር ከሎ፡ ቀሊል ምሳሌታት እዩ ተጠቒሙ። ካብ ማቴዎስ ምዕራፍ 13 እንታይ ካልእ ትምህርቲ ኽንምሃር ንኽእል፧

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ

ብሒደት ሰባት ንብዙሓት ምምጋብ

የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ ነቶም ብኣሽሓት ዚቝጸሩ ህዝቢ ኺምግብዎም ኣዘዞም፣ ንሳቶም ግና ሓሙሽተ እንጌራን ክልተ ዓሳን ጥራይ ነበሮም። እንታይ ኣጋጠመ፧ እዚ ንዓና እንታይ ትርጉም ኣለዎ፧

ክርስትያናዊ ህይወት

“ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር”

የሱስ ነቲ ‘ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር’ ዚብል ትእዛዝ ኣጕሊሕዎ እዩ። እዚ ትእዛዝ እዚ ብግዜ ዚድረት ድዩ፧

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ

ሓሳባት መን ኢኻ እትሓስብ፧

ብፍቓድ ኣምላኽ ምእንቲ ኽንምራሕ እንታይ ክንገብር ኣሎና፧ የሱስ፡ ብፍቓድ ኣምላኽ ምእንቲ ኽንምራሕ ክንገብሮ ዘሎና ሰለስተ ነገር ሓቢሩ እዩ።

ክርስትያናዊ ህይወት

ኣብ ኣገልግሎት ክእለትካ ኣመሓይሽ—ውጽኢታዊ ሕቶታት ተጠቐም

የሱስ ንሰማዕቱ እተፈላለየ ትምህርትታት ምእንቲ ኺምህሮም ውጽኢታዊ ሕቶታት ሓቲቱ እዩ። ኣብ ኣገልግሎትና ነቲ ውጽኢታዊ ኣመሃህራኡ ብኸመይ ክንመስሎ ንኽእል፧

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ

ንርእስኻን ንኻልኦትን ከይትዕንቅፍ ተጠንቀቕ

የሱስ ብምሳሌታት ኣቢሉ ንርእስኻን ንኻልኦትን ምዕንቃፍ ክሳዕ ክንደይ ጐዳኢ ኸም ዝዀነ ምሂሩ እዩ። ኣብ ህይወትካ መዐንቀፊ ኪዀነካ ዚኽእል እንታይ እዩ፧